ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ናብ ዩክረይን ከበድቲ ኣጽዋር ክልእኻ እየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሓት ሃገራት ነቲ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዘቕረቦ ጻውዒት ከበድቲ ኣጽዋር ምላሽ ይህባ ኣለዋ።
ኣመሪካ ድሩዓት መካይንን መከላኸሊ ኣየርን ዝርከቦ ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር ኣጽዋር ከምእትልእኽ ኣፍሊጣ።
ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ እውን ኣማኢት ሚሳይላት ዝርከቡዎም ጥማራት ናብ ኪቭ ክልእኻ ምዃነን ከም ብሓድሽ ቃል ኣትየን።
እቲ መግለጺታት ቅድሚ እቲ ሎሚ ዓርቢ፡ 50 ሃገራት፡ ናብ ዩክረይን ኣጽዋር ብዛዕባ ዘቕርባሉ መገዲ ኣብ ጀርመን ከካይደኦ ዝተለመኦ ኣኼባ እዩ ወጺኡ ዘሎ።
ብሓሙስ ተወከልቲ 11 ሃገራት ኣብ ኢስቶንያ ኣብ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል ተራኺቦም፡ ዩክረይን ዝተታሕዘ መሬታ ክትመልስን ሩስያ ተወሳኺ ከይትደፍእን ዝሕግዙ ኣጽዋራት ናብ ኪቭ ብዛዕባ ምልኣኽ ተዘራሪቦም።
ትሸዓተ ሃገራት ኣውሮጳ ማለት እውን ብሪጣንያ፣ ፖላንድ፣ ላቲቭያ፣ ሊትዌንያ፣ ደንማርክ፣ ቼክ ሪፓብሊክ፣ ነዘርላንድን ስሎቫኪያን ተወሳኺ ሓገዝ ንምሃብ ቃል ኣትየን ኣለዋ።
እተን ሃገራት ኣብ ዘውጸአኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ ንዩክረይን ንምሃብ ቃል ዝኣተወኦ ኣጽዋር
- ብሪጣንያ- 600 ብሪምስቶን ሚሳይላት
- ዴንማርክ - 19 ስራሓት ፈረንሳ ዝኾና ሲዛር ዝዓይነተን ሆዊትዘር ከበድቲ ኣጽዋር
- ኢስቶንያ - ሆዊትዘራት፣ ከበድቲ ኣጽዋር፣ መካይንን ጸረ ታንኪ ላውንቸራትን
- ላቲቭያ- ስቲንገር መከላኸሊ ኣየር፣ ክልተ ሄልኮፕተራትን ድሮናትን
- ሊትዌንያ፣ ጸረ ነፈርትን ክልተ ሄልኮፕተራትን
- ፖላንድ - ኤስ-60 ጸረ ነፈርትን 70 ሽሕ ኣጽዋራትን
- ቼከ ሪፐብሊከ - ተወሰኽቲ ከበድቲ ኣጽዋራት ክተፍሪ፣ ሆዊትዘራትን ኤፒሲን ክትህብ ቃል ኣትየን ኣለዋ።
ነዘርላንድስ ድማ እተቕርቦ መጠን ኣጽዋር ዓርቢ ክተፍልጥ እያ።
ኣብ ኢስቶንያ ዝበጽሐ ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ወላስ፡ 2023 እቲ ዩክረይናውያን ዝጀመርዎ ንሩስያ ናይ ምድፋእ ምንቅስቓስ ምሉእ ዩክረይን ሓራ ናብ ምውጻእ ክሰጋገር እዩ ኢሉ።
ኣመሪካ ብወገና ነቲ ሓድሽ ሓገዝ ከምእትገብር ሓሙስ ምሸት ክተፍልጥ እንከላ፡ እቲ ሓገዝ ከምቲ ሩስያ ተስፋ ዝገበረቶ ታንኪታት ዝሓዘ ግን ኣይኮነን። ኣመሪካ እቲ መከላኸሊ ኣየር ዘጠቓለለ ሓገዝ፡ ዩክረይን መመጥቃዕትታት ኣየር ክትከላኸል ከምዘኽእላ ገሊጻ።
ሩስያ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንደሓር፡ ኣመሪካ ንዩክረይን ናይ 27.7 ቢልዮን ናይ ጸጥታ ሓገዝ ከምዝገበረት ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።
ብደገፍቲ ሩስያ ዝተጣየሸ ጉጅለ ምክልኻል ዩክረይን፡ ዓርቢ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር፡ ብዛዕባ ምቕራብ ተወሳኺ ሓገዝ ዘተ ከካይድ እዩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ኣኼባ ጠንካራ ውሳነ ክውሰንን ኣመሪካ እውን ዝሓየለ ወታሃደራዊ ሓገዝ ክትገብርን ትጽቢት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።
እቶም ተወከልቲ፡ ከበድቲ ታንክታት ናብ ዩክረይን ነቕርብዶ? ከምኡ እውን መን የቕርቦ ኣብ ዝብል ክዘራረቡ ትጽቢት ይግበር።
ዩክረይን ስራሓት ጀርመን ዝኾና ሊዮፖርድ ታንክታት ክለኣኻላ እያ ትሓትት። መራሄ መንግስቲ ጀርመን ኦላፍ ስኮልዝ፡ ነተን ታንክታት ከቕርብ ወይ ብካልእቲ ሳልሰይቲ ሃገር ክቐርባ ክፈቅድ ዓለም ለኻዊ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።
ፖላንድን ፊንላንድን ዘለወአን ሊዮፖርድ ታንክታት ክልእኻ ቃል ኣትየን እኳ እንተሃለዋ፡ እታ መፍረይት ዝኾነት ጀርመን ግን ክትፈቅድ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







