ሩስያ ኣብ ሃገራት ጣልቃ ንምእታው 300 ሚሊዮን ዶላር ኣውጺኣ- ኣሜሪካ

ሩስያ ነቶም ክስታት "መሰረት ዘይብሎም" ክትብል ትነጽጐም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን

ሩስያ፡ ካብ 2014 [ኣ. ኣ.] ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ 24 ሃገራት ፖለቲከኛታት ንምጽላው ብሕቡእ ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ኣውጺኣ ክትብል ኣሜሪካ ከሲሳ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ እቲ ክሲ ብሰሉስ ወግዓዊ ኣብ ዝዀነ መረዳእታ ስለያ ኣሜሪካ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ገሊጹ።

ላዕለዋይ በዓል መዚ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባይደን፡ “እዚ ፍንጫል እቲ ከውሒ በረድ’ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ” ኢሉ።

ሩስያ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን። እንተዀነ፡ ሩስያ’ውን ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ወጻኢ ጣልቃ ትኣቱ ኣላ ክትብል ክትከሳ ጸኒሓ እያ።

ትካል ስለያ ኣሜሪካ፡ “እዚ ኣሃዝ ንእሽቶ ምዃኑ እዩ ዝግምግም፤ ምናልባት ሩስያ ኣብ ዘይተፈልጡ ጉዳያት ተወሳኺ ገንዘብ ብሕቡእ ኣሰጋጊራ ትኸውን እያ፡” ክብል እቲ በዓል መዚ ተዛሪቡ።

እዚ ውልቀሰብ፡ ሽሙ ክጥቀስ ኣይደለየን።

ገምጋም ትካል ስለያ ኣሜሪካ፡ ዝርዝር እተን ሩስያ ኢዳ ኣእትያትለን እያ ዝበለን ሃገራት ወይ ሰብ መዚ ኣይጠቀሰን፤ ግን ኣብ ኣርባዕተ ኣህጕራት ዝርከቡ’ዮም ኢሉ።

በዚ መሰረት፡ ክኢላታት ስለያ ኣሜሪካ ብውልቂ ምስ ዝተሓረያ ሃገራት ይዘራረቡ ኣለው። እዚ፡ ሚስጢራዊ ከም ዝኸውን እቲ ርእይቶ ዝሃበ በዓል መዚ ገሊጹ።

ካልእ ምንጪ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብ 2017 ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ንማእከላይ-የማናዊ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ንምሕጋዝ 500 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ እንተዀይኑ፡ ኣብ ቦስኒያ፡ ሞንተኔግሮን ማዳጋስካርን ዝርከቡ ሰልፍታት ወይ ሕጹያት ሓጊዛ እያ ይብል።

እቲ ምንጪ፡ ክረምሊን ሕጹያት ሕሉፋት-የማናውያን ንምድጋፍ፡ ብራስለስ ከም ማእከል ትካላትን ካልኦት ግንባራትን ገይራ ተጠቒማትላ እያ ኢሉ።

ኣብዚ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣውሮጳ ብገንዘብ ንምሕጋዝን ጽልዋ ንምፍጣርን ዝተማህዛ ኩባንያታት ከም ዝነበራ ይጠቅስ።

ሰብ መዚ ሩስያ፡ ነቲ ኣሜሪካ እተቕርቦ ዘላ ክስታት ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ ወግዓዊ ርእይቶ የለን።

እንተዀነ ኣቐዲማ፡ ትካል ስለያ ኣሜሪካ - ሲኣይኤ፡ ዕልዋታት መንግስቲ ምድጋፍ ሓዊሱ ኣብ ጉዳይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጣልቃ ኣትዩ እዩ ብምባል ነቒፋ ነይራ።

ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ካርኔጅ ምሎን ዶቭ ሌቪን ዝኣከቦ መረዳእታ ከም ዝብሎ፡ ኣሜሪካ ካብ 1946 ክሳብ 2000 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንልዕሊ 80 ግዜ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ኣትያ እያ።

እዚ ዕልዋታትን ፈተነ ለውጢ ስርዓታትን ዝሓወስ ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብ መዚ ስለያ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንዶናልድ ትራምፕ ደጊፉ ኣብ መረጻ 2020 ጽልዋ ንምግባር ፈተነ ገይሩ’ዩ ኢሎም ነይሮም።

ሩስያ፡ እቶም ክስታት “መሰረት ዘይብሎም” ክትብል ትነጽጐም።