ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ኣካታዒ ዩጋንዳዊ ጀነራል ኤክስ ምጥቃም ደው ኣቢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ዝዀነ ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ እቲ ኣካታዒ መልእኽትታት ክዝርግሓሉ ዝጸንሐት ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ምጥቃም ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ።
እዚ ወዲ 50 ዓመት ጀነራል ሰራዊት ዩጋንዳ፡ ወተሃደራዊ ፕሮቶኮላት ብምጥሓስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ተጸሚዱ ብምጽንሑ፡ ነቲ ካብ 1986 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣቡኡ ንምትካእ ዘለዎ ድሌት ዝምልከት ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝዀነ ኣካል ባይቶ ቦቢ ዋይን ርእሱ ክቘርጾ ምዃኑ ዘፈራርሕ ጽሑፍ ብኤክስ ድሕሪ ምዝርግሑ ቁጥዐ ኣለዓዒሉ ነይሩ።
ጀነራል ካይነሩጋባ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ መወዳእታ ጽሑፉ፡ "ሕጂ [ካብዚ] ክወጽእን ትዅረት ዝገብረሉን ግዜ በጺሑ" ብምባል ኣብ ወተሃደራዊ ዕማማቱ ከተኵር ከም ዝዀነ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መጻኢ ግን ምስ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቱ "ዳግማይ ክራኸብ" ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ጀነራል ካይነሩጋባ ንኤክስ ኣካውንቱ ክዓጽዎ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
ኣብ 2022 ካብቲ መድረኽ ወጺኡ ድሕሪ መዓልታት ጥራይ ከም ዝተመልሰ ይዝከር።
ነቐፍቲ፡ ነቲ ጀነራል ብሰንኪ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝህቦ መግለጺታት፡ ካብ ሓደ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ትጽቢት ዘይግበር ብምባል ይነቕፉዎ።
ኣብ 2022፡ ብዛዕባ ወራር ጐረቤት ሃገር ኬንያ ብምልዓል ኣዘራራቢ ክኸውን እንከሎ፡ ነዚ ርእይቶ ድማ ኣቡኡ ሙሴቬኒ ኣብ መንጐ ኣትዩ ይቕሬታ ክሓትት ኣገዲድዎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ጀነራል ካይነሩጋባ ንርእሲ ናይቲ ትኽክለኛ ስሙ ሮበርት ክያጉላኒ ዝዀነ ቦቢ ዋይን "ክቖርጾ" እየ ብምባል ዝጽሓፎ መፈራርሒ ኣብታ ሃገር ብሰፊሑ ተዀኒኑ።
እቲ ጀነራል ብዛዕባ እቲ ከም "ዋዛ" ዘቕረቦ ጽሑፍ ይቕሬታ እኳ እንተሓተተ፡ ቦቢ ዋይን ግን ከምዚ ዓይነት ምፍርራሕ ኣቕሊሉ ክወስዶ ከም ዘይክእል ገሊጹ።
መንግስቲ ዩጋንዳ ግን ነቲ ጽሑፍ ኣቃሊልዎ።
ወሃቢ ቃል ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ንሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሕፎም ጽሑፋት "ወዝባዊ" እምበር ወግዓዊ ፖሊሲ ዘንጸባርቑ ኣይኰኑን ኢሉ።
ጀነራል ካይነሩጋባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዲፕሎማስያዊ ዘይኰነ ኣቀራርባ ዝኽተል ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወራር ዩክሬን ምስ ሩስያ ምውጋን ብዝብል ጽሑፋቱ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኡጋንዳ ኣብ ጐኒ ትግራይ ክትከውን እያ ብምባል ንኻልኦት ሃገራት ኣቖጢዑ'ዩ።
ሙሴቨኒ ወዱ "ኣዝዩ ንፉዕ ጀነራል" ኢሉ ክከላኸለሉ እንከሎ፡ እቲ ሰራዊት ድማ ነቲ ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገጸ ውልቃዊ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ከም ዘስተማቕሮ ገሊጹ።
እቲ ጀነራል ኣብ ኤክስ ንዘለው ሰዓብቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ስንብታ መልእኽቲ፡ ካብቲ መድረኽ ክወጽእ ዝወሰዶ ውሳነ ብእምነቱ ዝተመርሐን ከም ጀነራል ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ህዝብታት ዩጋንዳ ብዘለዎ ሓላፍነት ትዅረት ክገብር ስለ ዝደለየን ከም ዝዀነ'ዩ ገሊጹ።
"ብመምርሕን በረኸትን ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ ነዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገዲፈ ንዞባና ሰላምን ድሕንነትን ንምምጻእ ኣብ ዝተዋህበኒ ምድብ ክውፈ [ወሲነ]" ኢሉ።
ወሲዅ፡ "ንዅሎም ክቡራት ሰዓብተይ፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት" ነዊሕን ንቝሕን ሓበራዊ ጕዕዞ ነይሩና ኢሉ።
ሰዓብቱ ነቲ "ዓቢ ጀነራል ተቓውሞ" ብምባል ዝገለጾ ኣቡኡ ምድጋፍ ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቡ።
ጀነራል ካይነሩጋባ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣቡኡ ክተክኦ'ዩ ተባሂሉ ይግመት።
እንተዀነ ሙሰቨኒ ንፕረዚደንትነት የዳልዎ ኣሎ ዝብል ወረታት ክነጽጐ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ጀነራል ሰልፍታት ከካይድ፣ ኣብ መላእ ሃገር ደገፍ ከተኣኻኽብ'ኳ እንተጸንሐ፤ እዚ ኣብ ገለ ወገናት ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣብ 1999 ናብ ሰራዊት ዝተጸንበረ ኰይኑ፡ ቅልጡፍ ዕብየት'ዩ ኣርእዩ።
ናብ ስልጣን ዝደየበሉ ኵነታት ድማ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር "ፕሮጀክት ሙሁዚ" እናበላ ይጽውዕኦ።
"ኩልኹም ከም እተፍቅሩኒ እፈልጥ እየ፤ ድሕሪ ነዊሕ ድማ ከም ንፋስ ክትስዕቡኒ ከም እትቕጽሉ እፈልጥ እየ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







