ኵባንያ ኣፕል፡ ብሰንኪ ሲሪ 95 ሚልዮን ካሕሳ ክኽፈል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፕል፡ 'ሲሪ' ብዘይፍቓዶም ንሰባት ሰሚዓ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ 95 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።
ሲሪ፡ ድጅታላዊት ወሃቢት ሓገዝ ኰይና፡ ብኣፕል ኣብ ዝተሰርሑ መሳርሒታት ድምጺ ብምቕባልን ብምምላስን ዝተፈላለየ ዕማማት እትዓዪ መተግበሪ ምዃና ይፍለጥ።
እዚ ዓርሞሸሽ ትካል ቴክኖሎጂ፡ ብመገዲ ማንዛዊት ተሓጋጋዚቱ 'ሲሪ' ኣቢሉ ንዓማዊሉ ብስዉር ከም ዝተጸናጸኖም እዩ ተኸሲሱ።
እቶም ጥርዓኖም ዘቕረቡ ተጠቀምቲ፡ ኩባንያ ኣፕል ቅዳሕ ድምጽታት ምስ ትካላት ምውዕዋዕ ከም ዝተኻፈለ እዮም ዝኸሱ።
እቲ ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመ ክገልጽ ዝጸንሐ ኣፕል ድማ ርእይቶኡ ክህበሉ ክሕተት ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብቲ ኣፈናዊ ናይ ምድቕቓስ መሰርሕ፡ እቲ ትካል ቴክኖሎጂ፡ ምንም ኣበር ከም ዘይገበረ ብምንጻግ፡ "ብሰንኪ እቲ ምስ ሲሪ ዝግበር ዝርርባት፡ ድምጺ ከም ዘይቀድሐ፡ ንሳልሳይ ኣካል ከም ዘይሃበ ወይ ከይደምሰሶ ከም ዘይበዀረ፡" ገሊጹ።
ጠበቓታት ኣፕል ወሲኾም፡ "ቅድሚ ጥቅምቲ 2019 ብኣፕል ዝተኸዘነ ውልቃዊ ቅዳሓት ድምጺ ሲሪ ንሓዋሩ ከም ዝተደምሰሰ" ከም ዘረጋገጹ ገሊጾም።
እንተዀነ፡ እቶም ጠራዖ "ሄይ ሲሪ፡" ዝብል ሓረግ ከይተጠቕሙ እንከለዉ፡ እቲ ማንዛ ብዘይ ኣፍልጦኦም ክሰርሕ ከም ዝጀመረ እዮም ዝዛረቡ።
ከም ውጽኢቱ፡ እቶም ነዚ ቅድሓት ዝተቐበሉ ትካላት ምውዕዋዕ፡ መወዓውዒታቶም ብዝበለጸ መንገዲ ዒላማኡ ንምሃራም፡ ወሰንቲ ዝበሃሉ ቃላት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ወሲዀም ይገልጹ።
ቀንዲ ካብቶም ጠራዖ ዝዀነት ፉሚኮ ሎፐዝ፡ ንሳን ጓላን ብዘይፍቓደን ድምጸን ከም ዝተቐድሐ ትሕብር።
ብዛዕባ ከም 'አየር ጆርዳን' ዝኣመሉ ፍርያት ድሕሪ ምዝራበን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ መወዓውዒታት ከም ዝመጽአን ከሲሰን።
መስርሕ ምድቕቓስ
ኣፕል፡ ን14 ለካቲት ውሳነ ክወሃቦ ኣብ ሰሜናዊ ካሊፎርንያ ናብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቶም ንብዙሓት ወኪሎም ዝቐረቡ ሒደት ጠራዖ፡ እንድሕር ተዓዊቶም እቲ ካሕሳ ናብ ኵሎም ዝጠርዑ እዩ ዝከፋፈል።
ሰነዳት ቤትፍርዲ ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብ ካብ ኣብ መንጎ 2014ን 2019ን ኣትሒዙ ሲሪ ክጥቀም ዝጸንሐ ዝጠርዕ ዘሎ ተጠቃሚ፡ ነቲ መተግበሪ ሲሪ ክጥቀም ከሎ ክሳዕ 20 ዶላር ክኸፍል ይኽእል እዩ (እዚ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ጥራሕ እዩ)።
በዚ መሰረት፡ እቶም ጠበቓታት 30% ካብቲ ክፍሊትን ተወሳኺ ወጻኢታትን ክወስዱ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ድማ ትሕቲ 30 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ እዩ።
ነዚ ብምድቕቓስ ምፍትሑ፡ በደል ከም ዘይፈጸመ ምንጻግ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ብምምልላስ ምናልባት'ውን ልዑል ገንዘብ ክኸፍል ንዝግደዶ ከወግድ ከኽእሎ እዩ።
እዚ ኩባንያ'ዚ፡ ክሳዕ 28 መስከረም 2024 ኣብ ዝነበሩ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ 94.9 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ።
ኣፕል፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከምዚ ዝኣመሰሉ ክስታት ስሙ ክርቋሕ ጸኒሑ።
ኣብ ጥሪ 2024፡ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከባ ኣይፎናት ደይ መደይ ኢሉ ከም ዘዝሓለን ብዝቐረበሉ 500 ዶላር ዘኽሕስ ክሲታት ከም ኣምሳያኡ ክኸፍል ጀሚሩ እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ብቤት-ምኽሪ ኖርፎክ ካውንቲ ዝምራሕ ኣብ መጋቢት ብዝቐረበሉ ክሲ፡ 490 ሚልዮን ዶላር ክኸፍል ተሰማሚዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኩባንያ ጉግል'ውን መሳርሒታቱ ተጠቒሙ ይጸናጸን ኣሎ ዝብል ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪብሉ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







