ኣቶ ታየ ደንደኣ ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ብዓልቲ ቤቱ ገሊጻ

ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ፈደራል ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተወ ብዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።
ንነዊሕ እዋን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዋሕስ ዝተፈትሐን ኣብ ደገ ኰይኑ ጉዳዩ ዝከታተል ዝነበረን ኣቶ ታየ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ትማሊ ኣብ ስሩዕ ቈአራ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ንሱ፡ ክልተ ናጻ ዝተባህለሎም ክስታት ዳግማይ ከረአ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ እቲ መጋባእያ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ከም ዘይተፈልጠን ስድራኡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ፡ ትማሊ ሰኑይ 25 ግንቦት 2017 [ግ] ሰዓት 10፡00 [4፡00] ድሕሪ ቀትሪ ንሕቶ ብፖሊስ ከም ዝድለ ተነጊሩዎ፡ ካብ ገዛኡ ተወሲዱ ከም ዝተኣሰረ ገሊጻ።
ምኒስተር ዲኤታ ሰላም ነበር ኣባል ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግናን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያን ኣቶ ታየ ደንደኣ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ይከታተል ኣሎ።
ብዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ናብ ገዛኡ ዝመጽኡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ማዕጾ ኳሕኲሖም፡ ብፈደራል ፖሊስ ይደለ ከም ዘሎ ብምግላጽ እዮም ሒዞሙዎ ከይዶም።
እቶም ብረት ዝዓጠቑ ሓይልታት ጸጥታ፡ ናብ ገዛ ኣትዮም ንታየ ሒዞም ኣብ ዝወሰድሉ፡ ብተደጋጋሚ ኣባል ጨፌ (ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያ)ን ኣባል ምዃኑን ወኪል ህዝብ ምዃኑን ይዛረብ ከም ዝነበረ ወሲኻ ሓቢራ።
ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀኑ ኣባላት ፖሊስ ናብ ገዛ ኣቶ ታየ ደንደኣ ከም ዝመጽኡን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ፈደራል ይወስድዎ ከም ዝነበሩን ከም ዝገለጽሎም ይዛረቡ።
ይዅን እምበር ምኒስተር ዲኤታ ሰላምን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያን ነበር ኣቶ ታየ፡ ካብ ገዛኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ምስ ተወስደ ክሳብ ሰኑይ ምሸት ዝተኣሰረሉ ቦታ ከም ዘይተፈልጠ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሰንታየሁ ኣለማየሁ ንቢቢሲ ኣረዲኣ።
ብዛዕባ ማእሰርቲ ኣቶ ታየ፡ ይዅን ኵነታቱ ብዝምልከት ካብ ፈደራል ፖሊስ ይዅን ካልእ መንግስታዊ ትካል ዝተዘርበ።
ኣቶ ታየ ካብቶም ሰለስተ ክስታት፡ ማለት ዓመጽ ምልዕዓልን ንጸረ-ሰላም ሓይልታት ብምድጋፍ፡ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ልደታ በቶም ክልተ ክስታት ነጻ ገይሩዎ ነይሩ።
ይዅን'ምበር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ጉዳይ ኣቶ ታየ ትማሊ መዓልቲ ክቕጽል ከም ዝወሰነ ቅድሚ ምእሳሩ ንቢቢሲ ዘዘራረቦ ጠበቓኡ፡ ኣቶ ኣበራ ንጉሰ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ዝተኣሰረ ኣቶ ታየ፡ ዓመጽን ዕግርግርን ብምልዕዓል፡ ንጸረ-ሰላም ሓይልታት ብምድጋፍ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብምሓዝን እዩ ተኸሲሱ ነይሩ።
እቲ ቤት ፍርዲ ብዛዕባ ገበናት ኣጽዋር ብዝምልከት ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ክከላኸል ከም ዘለዎ ብምውሳኑ፡ ኣቶ ታየ ነቲ ጉዳይ ንፈልጦ ኢና ዝበሉ ሓሙሽተ ሰበስልጣን መንግስቲ ጸዊዑ ምስክርነት ክህቡ ጸዊዑ ነይሩ።
ካብቶም ኣቶ ታየ ከም መሰኻኽር ዝረቝሖም፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤን ይርከቡዎም።
ንማዕከናት ዜና ብምዝራብን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ንዘሎ ጉዳያትን ሓሳባቱ ብምግላጽ ዝፍለጥ ታየ፡ ብቐዳማይ ምኒስተር እዩ ካብ ሓላፍነቱ ተኣልዩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሓያል ነቐፌታን ክስን ኣብ ዘቕረበሉ ምሸት፡ ካብ ገዛኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዱ ብዋሕስ ክሳብ ዝፍታሕ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







