"ክንርሽነካ ኢና እናበሉ የፈራርሑኒ ኣለዉ" ምክትል ሚኒስተር ሰላም ታዬ ደንደኣ

ኣይተ ታዬ ደንደኣ

ምንጪ ስእሊ, PROSPERITY PARTY/YOUTUBE

ምክትል ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ውድብ ብልፅግናን ኣይተ ታዬ ደንደኣ፡ ናይ መቕተልቲ ምፍርራሕ ከምዝበፅሖ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ካብ ቀረባ ንነዘ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን መድረኻትን ብዘልዕሎም ኣካታዕቲ ሓሳባት ኣዘራራቢ ኮይኑ ዝፀንሐ እቲ ምክትል ሓላፊ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ብልፅግና ኣሎ ብዛዕባ ዝብሎ “ማፊያ ጉጅለን” ብውልቁ ብዛዕባ ዝበፅሖ ፀቕጥታትን ብዝምልከት ንቢቢሲ ተዛሪቡ ኣሎ።

“ድምፀይ ተዓፊኑ”

ኣይተ ታዬ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ኦሮምያ ርኢቶ ንከይህብ፡ “ድምፀይ ተዓፊኑ” ኢሉ ብመገዲ ፌስቡክ ምፅሓፉ ስዒቡ እቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

ንሱ ኣብቲ ጨፌ ዝኾነ ነገር ከርድእ እንከሎ ድማ፡ እታ ኣፈ ጉባኤ ናይቲ ዕለት ኣጀንዳ ምስ ኣቕረበት፡ እቲ ባይቶ ኣብ ካልኦት ክልተ ተወሰኽቲ ጉዳያት ንክዘራራብ ዛዕባ ንምምዝጋብ ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዘይተሳኽዐ ይዛረብ።

ምክትል ሚኒስቴር ሰላም እታ ሃገር ዝኾነ ኣይተ ታዬ፡ "ልዕሊ ዝኾነ እዋን እናተበላሸወ ይመፅእ ኣሎ" ብዛዕባ ዝበሎ ደሕንነት ክልል ኦሮሚያን “ምስ ስርቂ ተዛሚዱ ምምሕዳር እቲ ክልል”፡ እቲ ጨፌ ዛዕባ ገይሩ ክዘራረበሉ ከቕርብ ደልዩ ከምዝነበረ ይገልፅ።

“ኢደይ ከውፅእ እንከለኹ እታ ኣፈ ጉባኤ ትርኣየኒ ኣይትርኣየኒ ኣይፈልጥን፤ ሱቕ ኢላ ኣጀንዳ ናብ ምፅዳቕ ከይዳ። ብድሕሪኡ 'ክብርቲ ኣፈ ጉባኤ ዘልዕሎ ሓሳብ ኣለኒ' ኢለ” ይብል ኣይተ ታዬ።

“ካብኡ ዕድል ከም ምሃብ ኢላ፤ ከይዛረብ ድማ ነቲ ማይክራፎን ዓፅያትኒ። ፅንሕ ኢላ ድማ ‘ነቲ ዕድል ምጥቃም ኣይከኣልካን’ ኢላ። ‘ዕፀይዎ፣ ዕፀይዎ’ ዝብል ድምፂ ክስማዕ ጀሚሩ ብምባል ከኣ ኣብቲ ጨፌ ኣጋጢሙ ዝበሎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣይተ ታዬ ርእይቶይ ንከይህብ ዝተኸልከልኩ፡ እቲ ባይቶ ከም ዛዕባ ዝሓዞም ፀብፃባት ፀገም ከምዘለዎም ስለዝፈለጥ እዩ ይብል።

"ቅድሚ ሓደ ዓመት ስግኣት ፀጥታ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ሓፂር ኣዋርሕ ክውገድ እዩ ተባሂሉ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ምስ ተራኸብና ፀገም ፀጥታ እቲ ክልል ብኢስዎ" ዝብል ኣይተ ታዬ፡ ምኽንያት እዚ ስእነት ሰላም እንታይ እዩ? ተሓታቲ’ኸ ምን እዩ? ኣብ ዝብሉ ጉዳያት እቲ ባይቶ ክዝትየሉ እኳ እንተደለየ፡ ዕድል ከምዝሰኣነ ይዛረብ።

“ኣብ ብልፅግና ዝተወደበ ጉጅለ ማፊያ ኣሎ”

 ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝኾነ ኣይተ ታዬ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ “ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ ዝተወደበ ማፊያ ኣሎ” ይብል።

እቲ “ንዜጋታት ክብሪ የብሉን” ዝበሎ ጉጅለ ብኣካል እምበር ብሓሳብ ብልፅግና ኣይኮነን። . . . ዝተቓለስናሉ ናብ ድሕሪት ክምለስ፡ ናብ ኢድ ማፊያ ክኣቱ ንሕና ኣይንድልን” ይብል።

ኣይተ ታዬ ኣብ ዘረብኡ፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣሎ ብዛዕባ ዝበሎ ጉጅለ ማፊያ ፈፂምዎ ንዝበሎ ኣሉታዊ ተግባር፡ ዘቕረቦ መረዳእታ ግን የለን።

“ኣብዚ ጉጅለ ዘለዉ፡ እኒ እገለ እዮም ኢልካ ንምዝርዛር፡ ግዚኡ ሕዚ ኣይኮን። ግዚኡ ምስ ኣኸለ ስሞም ክንዝርዝር ኢና” ኢሉ።

“ስግኣት ደሕንነት ኣለኒ”

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣይተ ታዬ፡ ስግኣት ደሕንነት ከምዘለዎ ብመገዲ ፌስቡክ ገሊፁ ነይሩ።

“ ‘ክንርሽነካ ኢና . . . ግምባር ግምባርካ ክንብለካ ኢና’ እናበሉ ብግልፂ ዘፈራርሑ ኣለዉ። . . . ንኹሉ ኣፈራሪሕኻ ኣይኸውንን። ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ሁንዴሳ እውን ተፈፂሙ እዩ” ብምባል ተሪር ርኢቶ ሂቡ።

ናይ ውልቂ ሓለውቱ ንክለዓሉ ከምዝተገበረ ዝዛረብ እቲ በዓልመዚ፡ ዋላ’ኳ ናይ ቅትለት መፈራርሕን መሐነይታን እንተበፅሖ፡ “ኣብ ቃልሱ ተሪሩ” ከምዝቕፅል ይዛረብ።

“ . . . ንሕና ንናፅነት ኢና ካብ ገዛ ወፂእና። ንናፅነት ህዝቢ ተቓሊሰ እንተተዓፈንኩ ብተፃራሪ ወገን ስለዝተቓለስኩ እየ። ዋሕስና ቃልስና እዩ”።

“ንዝርርብ ማዕፆ ዕፁው እዩ”

ኣይተ ታዬ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣሎ ብዛዕባ ዝብሎም ብልሽዋት ኣሰራርሓታት ብዝርርን ንምፍታሕ መገድታት ዕፁዋት እዮም ይብል።

“ብዝርርብ ውሽጥና ክንርእይ ይግባእ። ኣብ ኦሮምያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ግና እዚ ንኽካየድ ኣይፈቅድን። ንዝርርብ ማዕፆ ዕፁው እዩ። ኣነ ብጣዕሚ ብዙሕ ፈቲነ እየ። ነዚ መረዳእታ ምቕራብ እኽእል እየ። ግና ዝሰምዓኒ ስኢነ” ኢሉ።

ኩነታት ደሕንነት ክልል ኦሮሚያ

እቲ ምክትል ሚኒስትር ሰላም፡ ሕዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ “ . . . ወዲ ተባዕታይ ዝዕመፀሉ፣ ኣባ ገዳታት ዝቕተልሉ፣ ሰብ ወፅዩ ምእታው ዘይኽእለሉ፣ ብጣዕሚ ሕማቕ ነገራት ዘለውዎ እዩ” ክብል ይገልፆ።

ኣይተ ታዬ፡ ደሕንነት ዜጋታት ምርግጋፅ ከይተኽኣለ፡ ሰብ ወፅዩ ምእታው ስግኣት ኮይንዎ እንከሎ፡ ‘ኣብቲ ክልል ሓፈሻዊ ዓወት ምምዝጋብ ተኻኢሉ እዩ’ እንትበሃል፡ “ቅድሚኡ እንታይ ተተሊሙ ነይሩ” ዘብል እዩ ይብል።

“ኣብቲ ክልል ካብ ዝተሃነፁ ኣብያተ ትምህርቲ እቶም ዝተቓፀሉ ይበልፁ። ህዝብና መንበሪ ገዝኡ ተቓፂሉ ዝኸደሉ ስኢኑ ኣሎ። ብዕራዩ ተሓሪድዎ ዝሓርሰሉ የብሉን። ዘሎ ፀገም ተቖፂሩ ኣይውዳእን”

ኣይተ ታዬ ንዝጠቐሶም ብዙሓት ፀገማት ነቲ ንሱ ኣባል ዝኾነሉ ምምሕዳር እዩ ተሓታቲ ዝገብር።

“ልዕሊ ኩሉ ደሕንነት ህዝቢ ምርግጋፅ ሓላፍነት መንግስቲ እዩ።. . . ስለዚ ኣብዚ እዋን ኣብ ኦሮምያ ንዝተኸሰተ ዓብይ ፀገም ሓላፍነት ክወስድ ዝግበኦ መንግስቲ እዩ” ኢሉ።

ኣይተ ታዬ እቲ ክልል ኣትይዎ ንዝበሎ ፀገም ካብ መንግስቲ ብተወሳኺ፡ ካልኦትሓላፍነት ክወስዱ ዝግበኦም ኣካላት ከምዘለዉ ተዛሪቡ።

“ብሰላማዊ መገዲ ናብ ከተማ ኣቲኻ፡ መሊስካ ናብ ጫካ ምኻድ ግቡእ ኣይኮነን” ብምባል ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅል ፀረ ሰላም ምዃኑ ኣልዒሉ።

“ክልተ ሸኔ እዩ ዘሎ”

ኣይተ ታዬ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልተ ሸኔ እዩ ዘሎ ክብል ተሰሚዑ ነይሩ።

ንሱ፡ መንግስቲ ግብረ-ራዕዳዊ ኢሉ ዝሰየሞ ግምባር ሓርነት ኦሮሞ ሓደ ምዃኑ ገሊፁ፡ “እቲ ካልእ ሸኔ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝተሰግሰገ እዩ” ብምባል ተሪር ርኢቶ ይህብ።

“ኣብ ጫካ ዘሎ ኣሎ። እቲ ካልእ ድማ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝተሰግሰገ ኣሎ። እቲ ገበን ድማ ኣብዝን ኣብትን ይፍፀም። ስለዚ ኣብ ውሽጥና ኣሎ፤ ኣብ ደገ እውን ኣሎ” ኢሉ።

“ፃምእ ስልጣን የብለይን”

ኣይተ ታዬ ብማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት መድረኻትን ኣባል ንዝኾነሉ ውድብ ኣትሪሩ ዝነቅፍ’ስልጣን ስለዝደልይ እዩ” ዝብሉ ነቐፌታታት ይቐርበሉ።

ንሱ ግና “እዚ ቀልዲ እዩ” ብምባል፡ “ንስልጣን ዕድመና ኣይገበርናን። ሰብ በብመዓልቱ እናተቐተለ፣ ኢኮኖሚ እናለመሰ፣ ወፂእኻ ምእታውን ብህይወት ምንባር ዘሻቕል ኣብ ዝኾነሉ ግዘ፡ እንታይ ዓይነት ስልጣን እዩ ዘብህግ? ዘይመስል ነገር ካብ ምምስሳል እንተተረፈ ይሓይሽ” ኢሉ።