ትግራይ፡ ኣብያተ ፍርዲ ክሳብ ምዕጻው ዘብጽሐ ኣብ ልዕሊ ዳያኑን ፍትሕን ዘንፀላለወ ሓደጋ

ምንጪ ስእሊ, DW
ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከተማ መቐለ፡ ብሰንኪ ኣጋጢምዎም ዘሎ ስግኣት ድሕንነት፡ ንማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ሸውዓቲአን ክፍለ ከተማታት፡ ዳይነታዊ ኣገልግሎት ኣቋሪፆም ኣለዉ።
ዳያኑ ትግራይ ምስ ዝብይንዎም ብይናት ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊኦም ስግኣታት ድሕንነት የጋጥሞም ከምዘሎ እዮም ዝገልፁ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዳያኑ ምስ ዝውስንዎም ውሳነታት ብዝዛመድ፡ ኣብ ልዕሊኦም ይበፅሑ ዘለዉ ስግኣታት ደሕንነት ተጠናኺሮም ከም ዝቐፀሉ ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ፍርድን ዳያኑን ንዘጋጠመ ሓደጋ ደሕንነት ክፈትሖ ከም ዘይኸኣለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ምክትል ፕረዝደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣይተ ገብረዮውሃንስ ደሳለኝ፡ እቲ ኣብ ዳያኑ ዘንፀላለወ ሓደጋ ብዋናነት ከበድቲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዝከታተሉ ዳያኑ ከም ዝረአይ ገሊፁ።
እቲ ሓደጋ፡ ዓመፅ ደቂኣንስትዮን ቅትለታትን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዝከታተሉ ዳያኑ ከም ዝፍፀምን፡ ንዳያኑ ብቅሉዕ ካብ ምፍርራሕ ክሳብ ነቲ ገበን ዝርእዩ ዳያኑ ምክትታል ከም ዝበፅሕን እቲ ምክትል ፕረዝደንት ተዛሪቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዳይነት ዘንፀላለወ ሓደጋ ብዘላቕነት ንምፍታሕን፣ ሰብ ሞያ ፍትሕን ዳይነትን ውሕስነኦም ተሓልዩ ስርሖም ብኣግባብ ክፍፅሙ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣርን፡ ኩሉ ዘድሊ ከምዝገብር ትማሊ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ ኣሎ።
'ዕድመኹም ናይ ሓደ ሰሙን'ዩ! ክትጠፍኡ ኢኹም!'
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይታ ብ13 ነሓሰ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ከተማ መቐለ ብጨጉራ ተጐቲታ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ብመኪና ተጨፍሊቓ ዝተቐተለት መንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ መዝገብ ክሲ ፍርዲ ንምሃብ፡ ኣብ ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ዝተሰየሙ ዳያኑ ዝተፈፀመ ምፍርራሕን መጋባእያ ንክቋረፅ ዘገደደ ዕግርግርን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዳያኑን ትካላት ፍትሕን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ ዘርእይ እዩ።
ምክትል ፕረዝደንት ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ዳይና ስየ ኪዳነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ብዕለት 08/09/2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ነዚ ገበን ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝተኸሰሱ ክልተ ውልቀሰባት ፍርዲ ንምሃብ ካብ መንጎ ዝተሰየሙ ሰለስተ ዳያኑ ሓደ እዩ።
ኣብቲ መጋባእያ፡ ገበን ክትራን ብምፍፃም፡ ከም መወዳእታ ኸኣ ሞት ዘስዓበ እንተድኣኰይኑ ብዘኽስስ ድንጋገ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 671 ንኡስ ክልተ ዝተኸሰሱ፡ ያሬድ ገብረስላሴን ተጋዳላይ ኣንገሶምን ዝተብሃሉ ክልተ ተኸሰስቲ ከም ዝቐረቡ የረድእ።
ዳይና ስየ ኪዳነ፡ "ካብ ኣበጋግስኡ፡ እቲ መዝገብ ክሲ ንፍርዲ እዩ ተቖፂሩ ነይሩ። ዳያኑ ተሰይምና፤ ተኸሰስቲ'ውን ብደገ ኢዶም ብሸንሸል ተኣሲሮም መፅዮም፡ ኣብ መጋባእያ ምስ ኣተዉ ድማ ክፍትሑ ገይርና። ፍርዲ ኣንቢብና ወዲእና፤ ክልቲኦም ተኸሰስቲ በቲ ዝተኸሰስሉ ድንጋገ ጥፍኣተኛታት'ዮም ዝብል ፍርዲ ሂብና" ይብል።
ዳያኑ ፍርዲ ምስ ሃቡ ግና፡ ንቀዳማይ ተኸሳሲ ያሬድ ገብረስላሴ ወላዲቱ ንካልኣይ ተኸሰሲ ኣንገሶም ድማ ሓፍቱ ዝኾነት ሓንቲ ውልቀሰብ፡ "ኣብ መጋባእያ ኣእውያ። ኣብቲ መጋባእያ ዕግርግር ተፈጢሩ። 'ንስኹም ዕድመኹም ናይ ሓደ ሰሙን'ዩ! ክትጠፍኡ ኢኹም' ኢላትና። እዚ ምስ በለትና፡ መጋባእያ ንክረጋጋዕ ንመኽበሪት መጋባእያ፡ ንዕኣ ናብ ቅድሚት ክተምፅኣ ገይርና። ዳያኑ ኣብ ዝተሰየምናሉ፡ 'ደቂ ሸራሙጥ' ዝብል ፀርፊ ይስማዕ ነይሩ፤ ወናብር'ውን ብሓይሊ ይውቃዕ ነይሩ....ዘስግእ ኩነታት ስለ ዝነበረ.... ንሕና ናብ ንዕቆበሉ ቦታ ጐይና ወፂእና" ይብል፡ ብዛዕባ እቲ ንከይዲ ፍርዲ ዳያኑን መጋባእያን ክቋረፅ ዘገደደ ዕግርግር እንትገልፅ።
ፕረዝደንት ወረዳ ቤት-ፍርዲ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ተስፋይ ገብረመድህን፡እዚ ክስተት "ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ቤት-ፍርዲ ከም ዝኾነን፡ ዳያኑ ኩለን ክፍለ ከተማታት ከተማ መቐለ ስራሕ ደው ከብሉ ከም ዝደረኾምን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ንሕና ድሕንነት እንከይተሰምዓና ትኽክለኛ ፍትሒ ክንህብ ኢና ተባሂሉ ትፅቢት ስለ ዘይግበር፡ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ስግኣት ደሕንነት ክሳብ መፍትሒ ዝቕመጠሉ ኢና ስራሕ ደው ኣቢልና ዘለና።"
ዘውዱ ሃፍቱ፡ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ከባቢ ዓዲ ሓውሲ ብ13 ነሓሰ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ፡ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ብዘስካሕክሕ ጭካነ እያ ተቐቲላ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ካብቲ እዋን ጀሚሩ እነሆ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዝገማገመሉ፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ፍርዲ ኣይተውሃበን ፀኒሑ።
ምክትል ፕረዝደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣይተ ገብረዮውሃንስ፡ "ንዳያኑ ብስልኪ ምፍርራሕን ናብ ገዝኦም ኣብ ዝኸድሉ ብሞተር ምክትታልን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ከቢድ ፀቕጢ'ዩ ዝግበር። ዳይነት ክትሰርሐሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ሃዋህው ዘብፅሕ ነገር'ዩ ዝረኣይ ዘሎ" ይብል።
ምክትል ፕረዝደንት ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለን ካብቶም ንመዝገብ ክሲ ይከታተሉ ዘለዉ ሰለስተ ዳያኑ ሓደ ዝኾነን ኣይተ ስየ፡ መዝገብ ክሲ ዘውዱ ሃፍቱ፡ ዳያኑ ስግኣት ደሕንነት ከጋጥሞም ዝገበረ ከቢድ መዝገብ ከም ዝኾነን፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን ነዚ መዝገብ ይከታተሉ ዝነበሩ ሰለስተ ዳያኑ፡ ምፍርራሕ ከም ዝበፅሖምን ይገልፅ።
"ክልቲኦም ተኸሰስቲ፡ ንክሲ ዓቃቢ ሕጊ ንክከላኸሉ ውሳነ ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን፡ ካብ ሰለስቲኦም ዳያኑ፡ ነቲ ሓደ፡ ዝኾነ ሰብ ክሳብ ገዝኡ ሰለስተ ግዘ ብሞተር ተኸቲልዎ። ንኻልኣይ ዳኛ ኸኣ፡ ሰዓት 1፡00 ናይ ምሸት (ከባብያዊ ኣቆፃፅራ) ናብ ገዝኡ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ክልተ ፀሊም ማስክ ዝተሸፈኑ ሰባት ክሳብ ገዝኡ ተኸቲለሞ። እዚ ቆልዓ ዕጥቂ ስለ ዝነበሮ፡ ዕጥቁ ምስ ኣውፀአ ሃዲሞም ከይዶም። ነቲ ሳልሳይ ዳኛ ኸኣ 'ክንራኸብ ኢና!' ብምባል፡ ስግኣት ፈጢርሉ ነይሩ። ኣጋጣሚ ናይ መጋባእያ ምቅይያር ስለ ዝተገበረ፡ እቶም ክልተ ናብ ካልእ ተቐይሮም፤ እቲ ሓደ ግና ኣብቲ ዝነበሮ ፀኒሑ 'ንድሕንነተይ ስግኣት ስለ ዘለኒ፡ እንተተለወጥኹ ይሕሸኒ' ዝብል ሓሳብ ነይርዎ፡ ንሕና'ውን ንሕቶኡ ተቐቢልና ቀይርናዮ" ይብል።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መጋባእያ ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ብዘጋጠመ ዕግርግር ዝተቛረፀ መዝገብ ቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ፡ናይ ቅፅዓት ውሳነ (ፍርዲ) ንምሕላፍ ን 18 ጉንበት 2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከም ዝተቖፀረ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣብ ሓደን ክልተን መዝገባት ዝረኣይ ዘይኮነስ፡ ብሓፈሻ ኣብታ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዳያኑ ዘንፀላለወ ከም ዝኾነ ድማ ይሕብር።
"ፀሊም ማስክ ዝተሸፈኑ ሰባት ክሳብ ናብ ዳያኑ ገዛ ይኸዱ ኣለዉ፤ እንታይ ንምግባር ይከታተሉ ከም ዘለዉ ግልፂ እዩ። ታርጋ ብዘይብለን ፓትሮል መኻይን ንዳኛ ምክትታል ኣሎ። ኣብ ታክሲ እንከይተረፈ፡ 'ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ፍርዲ ሂብካ ትነብር ከይመስለካ!' ብምባል፡ ንዳያኑ የፈራርሑን ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ክትራን ይፍፀምን ኣሎ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images and
ንዳያኑ ውሕስነት ዝህብ መን'ዩ?
ኣብ ሕገ-መንግስቲ፡ ዓንቀፅ 64/2ን3ን ኣብ ኩሉ ብርኪ ዝርከብ ኣካል ዳይነት፡ ካብ ፅዕንቶ ዝኾነ መንግስታዊ ኣካልን በዓል ስልጣንን ነፃ እዩ፣ ዳያኑ ተግባራት ዳይነቶም ብሙሉእ ነፃነቶም የካይዱ፣ ስራሕቶም ብሕጊ ጥራሕ ይምርሑ ብዝብል ተደንጊጉ ይርከብ።
እንተኾነ፡ ንደማዊ ኵናት ትግራይ ስዒቡ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ መሓውር ፍትሒ ትግራይ ኣብ ፈተና ዝኣተወሉን፡ ዳያኑ ብኢድ ኣእታውነትን ፀቕጥን ነፃነቶም ዝተመንጠልሉን ኩነታት ከም ዝተፈጠረ፡ ካብ ትግራይ ዝወፅኡ ሓበሬታት የመልክቱ።
ኣብ ልዕሊ ዳያኑ ኣብያተ ፍርዲ ከምዚ ዓይነት ስግኣት ድሕንነት ንከየጋጥም ብብርኪ ክልል ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ፡ ከለላ ክገብረሎም ግቡእ እኳ እንተኾነ፡ እቲ ትካል ግና ነፃ ኰይኑ ክሰርሕ ዘይኽእልን ብውሳነታት ገዛኢ ውድብ እቲ ክልልን ነቶም ውሳነታት ከም ዘፈፅም ብዝኽሰስ ወተሃደራዊ ሓይሊን ዝተዓብለለ ከም ዝኾነ ይግለፅ።
ምክትል ፕረዝደንት ማሕበር ዳያኑ ትግራይ ኣይተ ገብረዮውሃንስ ደሳለኝ፡ "ንመጋባእያታት ኣብያተ ፍርዲ ሕጊ ከኽብር (ክሕልው) ዝምደብ ሰብ ዳርጋ ብረት'ውን ዘይብሉን ጡረታ ክወፅእ ዝተቓረበን'ዩ። እዚ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተደሚሩ ናብ ስግኣት ኣብፂሑና ኣሎ" ይብል።
ኣይተ ስየ ኪዳነ ብወገኑ፡ ኣብ መሓውር ፀጥታ ብሰንኪ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምትዕርራይ፡ እቲ ውሕስነት ክህብ ዝግባእ ኣካል ፀጥታ እምነት ዘሕድርሉ ከም ዘይኮነ የነፅር።
"እቲ ዋና ንዓና ክሕግዘና ዝኽእል ፖሊስ'ዩ። ግና ብዘለኒ ፀቕጢ ነፃ ኰይነ ኣይሰርሕን ዝብል ገምጋም'ዩ ዘለዎ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ጉዳይ ልዕሊ ዓቕመይ ኰይኑኒ'ዩ ኢሉ፡ ፈቲሑ ሰዲድዎ'ዩ። ስለዚ እቲ ዘለና ስግኣት ዓብይ እዩ።"
ፕረዝደንት ወረዳ ቤት-ፍርዲ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኣይተ ተስፋይ ገብረመድህን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳያኑን ትካላት ፍትሕን ኣንፀላልዩ ዘሎ ሓደጋ፡ ካብቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሕቱኽቱኽ ዝምንጩ ከም ዝኾነ እዩ ዝኣምን።
" ዳኛ ቢሮ እዩ ዕጥቁ። ግና ሕዚ፡ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ቢሮ ንዝሓዘ እናፈከረ ዝኸደሉ ብርኪ'ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ናይ ፀጥታ መሓውር ወይ እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣይደልዮን ወይ ክጥንክር ኣይደልን። ብጠቕላላ እቲ ቤት-ፍርዲ፡ መሓውር ፍትሒ ከም መንግስቲ ትኹረት ኣይተገበረሉን። እዚ ድማ ነቲ ስርዓት ብምፍራስ፡ ልዕልነት ውልቀሰባት ክረአይን እታ ዓዲ ጉልበት ብዘለዋ ክትመሓደርን ዝገብር'ዩ" ይብል።
ቅድሚ ሕዚ ዳይና ዝነበረት ጠበቓን ኣማኻሪት ሕጊን ሰላም ኪዳነ፡ "ሓደ ዳኛ መዝገብ ክወሃቦ እንከሎ፡ ዝዀነ ሰብ እንከይኣዘዞ ሕጊ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበር። ድሕሪ 2014 ዝወፁ ሕጊታት ግን፡ ንሕገ-መንግስቲ ዝፃብኡ'ዮም። በቲ ፈፃሚ ኣካል በዞም ደምብታት ክንሰርሕ ብጣዕሚ ተገዲድና ስለ ዝነበርና፡ ኣብ ሕጊ ተርጓሚ ቅረታት ፈጢሮም።
ቤት-ፍርዲ ናይ ምትርጓም ነፃነቱ ተኸሊኡ'ዩ ነይሩ። ከም ዳይና ተገዲድካ እንድሕር ትሰርሕ ኴንካ፡ ነፃነት ቤት-ፍርዲ ምስኣን ማለት'ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ብዙሓት ዳያኑ ስርሖም ለቒቘም" ብምባል፡ ኣብ ዳያኑ ዝግበር ፀቕጢ ቅድም ክብል ንቢቢሲ ገሊፃ ነይራ።
ማሕበር ጠበቓታትን ማሕበር ዓቀብቲ ሕግን ትግራይ፡ ትካላት ፍትሒ ነፃን ገልለተኛን ከምኡ'ውን ብመስርሕ ሕጊ ተሓተትቲ ዝኾናሉ መንገዲ ብምኽታል ድሕንነተን ውሑስ ኮይኑ ክሰርሓ ጥጡሕ ባይታ ክፍጠረለን ፀዊዖም ኣለዉ።
ነቲ ኣብ መጋባእያ ማእኸላይ ቤት-ፍርዲ ከተማ መቐለ ዝተፈፀመ ዕግርግር ዝኾነነ ማሕበር ዓቀብቲ ሕጊ፡ "እቲ ዝተፈጠረ ዕግርግር ብቅትለት ጓል ኣንስተይቲ ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ሕጋዊ ቅፅዓት እንከይተውሃቦም፡ ብዘይ ውፅኢት መጋባእያ ክብተን፣ ተበደልቲ ብእዋኑ ፍትሒ ከይረኽቡን ተጀሚሩ ዝነበረ ቆፀሮ ክጓተትን ገይሩ" ኢሉ።
ኣመራርሓ ኣካላት ፍትሒ ብፍላይ ቢሮ ፍትሒ፣ ላዕለዋይ ቤት-ፍርድን ኮሚሽን ፖሊስን፡ ዘላቒ ድሕንነት ፍትሒ ዘረጋግፅ ውሑስ ስርዓት ምሕደራ ፍትሒ ንኽትግበር መንግስቲ ግድኡ ክዋፃእ ክገብሩ ድማ ተላብዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images & SM
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ብዳያኑን ኣካላት ፍትሕን ተላዒሉ ዘሎ ቅረታ፡ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ከምኡ'ውን ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።
ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ንቅትለት ዘውዱ ሃፍቱ ብይን ንምሕላፍ ኣብ ዝተሰየመ መጋባእያ ዝተፈፀመ ዕግርግር፡ "ናይ ዕስለ ተግባር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ተቐባልነት ዘይብሉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ፍትሕን ስርዓት ዳይነትን ትግራይ ዝተፈፀመ ቅሉዕ ጥቕዓትን እዩ" ኢሉ።
እቲ ቤት-ፅሕፈት ብመንገዲ ፌስቡክ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርግሖ ፅሑፍ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነዚ ዘጋጠመ ጥፍኣትን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ዳይነት ዘንፀላለወ ሓደጋን ብዘላቕነት ንምፍታሕን፣ ሰብ ሞያ ፍትሕን ዳይነትን ውሕስነኦም ተሓልዩ ስርሖም ብኣግባብ ክፍፅሙ ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣርን፡ ኩሉ ዘድሊ ከምዝገብርን፡ ነዚ ብ08 ግንቦት 2017 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘጋጠመ ኹነታት ፈጠርቲ ኣፃርዩ ናብ ሕጊ ከም ዘቕርብን" ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







