ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝካየድ ዝዀነ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይትጽንበር ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዝፍጸም ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይትሳተፍ ንእስራኤል ከምዘጠንቀቐት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ሓደ ለይቲ ልዕሊ 300 ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኢራን ናብ እስራኤል ዝተተኮሱ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ነቲ ብ1 ሚያዝያ ሶርያ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ኢራን ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝዀነ ኣፍሊጣላ።
ዳርጋ ኵሉ ኣጽዋር ኣብ ዕላማኡ ቅድሚ ምብጽሑ ብሓይልታት እስራኤል፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ክመክን ተገይሩ’ሎ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን እስራኤል ንእትወስዶ ግብረ-መልሲ "ብጥንቃቐ" ክትሓስበሉ ከምዝተማሕጸነ ይገልጹ።
ባይደን ንቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ከመይ ግብረመልሲ ከምዝህበሉ "ኣዝዩ ብጥንቃቐን ብስትራተጂያዊ ኣገባብን ክሓስበሉ" ከምዝነገሮ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ካብ ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ክሩዝ ሚሳይላትን እቶም ኣስታት 99 ሚእታዊት ተወቒዖም ዝወደቝ ወይ ዝተኣጓጐሉ እዮም። እዚ ድማ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምልክት ወተሃደራዊ ልዕልና እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘርኢ ምዃኑ ይጠቕሱ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ነፈርቲ ኣመሪካን መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ፕሮጀክትላይት ኢራን ከምዘውደቓ ይግለጽ። ልዕሊ 80 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ብውሕዱ ሽዱሽተ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ከኣ ብነፈርትን መራኽብን ኣመሪካ ወይ ብሓይልታት ምክልኻል ኣየር ተወቒዐን።
እዚ ከኣ ካብ የመን ክውንጨፋ ዝዳለዋ ንዝነበራ 7 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ባሊስቲክ ሚሳይልን ከምዘጠቓልል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (ሴንትኮም) ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ።
ድሕሪ ምጅማር እቲ መጥቃዕቲ ኣብ መንጐ ባይደንን ነታንያሁን ዝርርብ ዝተኻየደ ኰይኑ፡ ኣብቲ ናይ ስልኪ ዝርርቦም፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ከመይ ጌርካ ነገራት ከተዝሕሎን ክትሓስበሉን" ከምዝግባእ መኺሮም። ባይደን ድማ እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ "ብዝግባእ ከምዝመከተቶ" ኣስሚሩሉ።
እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ባይደን ዓቢ ምላሽ ከይወሃብ ኣጠንቂቑ ድዩ ኣብ ዝብል ክዛረብ ኣይደለየን። "እዚ እስራኤላውያን ክገብርዎ ዝግባእ ቅማረ እዩ" ክብል ጥራይ'ዩ ኣመልኪቱ።
ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ፡ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣመሪካ ሰፊሕ ግጭት ክፍጥር ድልየት ከምዘይብላ ንእስራኤል ብንጹር ከምዘፍለጠታ ብተደጋጋሚ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ላዕለዋይ በዓልስልጣን፡ ናብ ኢራን እውን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዝተላእከ ገሊጹ።
ሚስተር ኪርቢን እቲ በዓል ስልጣንን፡ ኣመሪካ ንእስራኤል ምክልኻላ ክትቅጽል ምዃና እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኣንጻር ኢራን ዝካየድ ግብረ-መልሲ እስራኤል ግን ከምዘይትሳተፍ ኣነጺሮም ኣለዉ።
እዚ መርገጺ፡ ካብ ገለ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካን ካብ ሰበስልጣን ነበር ክልቲኡ ፖለቲካዊ ጽላት ኣንፈት ነቐፌታ ዘስዓበ ኰይኑ’ሎ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ባይቶ ኰይኑ ዘገልግለ ወኪል ሪፓብሊካን ኦሃዮ ማይክ ተርነር፡ ሚስተር ኪርቢ ብዛዕባ ምህዳእ እቲ ግጭት ዝሃቦ ርእይቶ "ጌጋ" እዩ ኢሉ።
"ድሮ እናገደደ ይኸይድ እዩ ዘሎ። እቲ ምምሕዳር ድማ ምላሽ ክህብ ኣለዎ" ክብል ንማእከን ዜና ኤንቢሲ ተዛሪቡ።
ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኰይኑ ዘገልገለ ጆን ቦልተን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንተመሪጻ ምስ እስራኤል ክትጽንበር ከምዘለዋ ገሊጹ።
"[እስራኤል] ምሉእ ብምሉእ እንተዘይኮነ እኳ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ ክፋል [እቲ ፕሮግራም ኑክሌር] ከተጥፍኦ ወይ ከተሰናኽል ትኽእል እያ ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል ንኒውስነሽን ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ "ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ እስራኤል ኣንጻር ኒዩክለራዊ ፕሮግራም ኢራን ክትብገስ ድልውቲ እንተዀይና ኣመሪካ ብዅርዓት ክትጽንበር ይግባእ" ኢሉ።
ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን፡ ድሕሪ’ቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈነወቶ መጥቃዕቲ፡ ባይቶኡ ንእስራኤል ወተሃደራዊ ሓገዝ ክግበር "ደጊሙ ክጽዕር" ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
ቅድሚ ሕጂ ናብ እስራኤል ተወሳኺ ሓገዝ ንምልኣኽ ዝተገብረ ፈተነታት፡ እቲ ጥማር-ሓገዝ ንታይዋንን ዩክረይንን እውን ከጠቓልል ኣለዎ ንዝብል ጻውዒት ሰልፊ ዲሞክራትስ ስዒቡ ደው ምባሉ ይፍለጥ።
ምክትል ጸሓፊ ምክልኻል ማእከላይ ምብራቕ ነበር ሚክ ሙልሮይ ንእስራኤል ዝግበር ሓገዝ "ብዘይ ወዓል ሕደር" ክውሰን ከምዘለዎ እዩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ገሊጹ ዘሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







