ብሪጣንያ ሰብኣልቦ-ነፈርቲ ኢራን ከምዘውደቐት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
‘ሮያል ኤርፎርስ’ ወይ ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ፡ ኢራን ናብ እስራኤል ዘወንጨፈቶም ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኢራን ከምዘውደቐ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ኣረጋጊጹ።
ሱናክ፡ ብሪጣንያ፡ “ኣብ ዝተወሃሃደ ዓለምለኻዊ ምላሽ” ከምዝተሳተፈት ገሊጹ።
ከም ኣካል ናይቲ ስርሒታት ድማ ሮያል ኤርፎርስ “ንዳዕሽ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ንምምካት” ተወሳኺ ነፈርቲ ናብቲ ዞባ ከምዝሰደደ ኣፍሊጡ።
ነፈርቲ ሮያል ኤርፎርስ “ብዙሓት ናይ ኢራን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ” ኣውዲቐን ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ነቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ከምዝዀነነ ይዝከር።
"ሓደገኛን ዘየድልን ምዕባለ ብምዃኑ ብዕቱብ ኮኒነዮ ኣለኹ" ኢሉ እዩ።
ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ምስ መራሕቲ ጕጅለ-7 ክዛተ ምዃኑ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ህድኣት ክዓስል’ውን ተማሕጺኑ።
ኢራን፡ ናይ ሕነ ምፍዳይ ተግባር ከምዝዀነ ዝእመነሉ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብኣማኢት ብዝቝጸሩ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ኣካይዳ እያ።
ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ዝጸንሐ ቅርሕንቲ’ኳ እንተነበረ፡ ከምዚ ዓይነት ቀጥታዊ ግጭት ክርአ ንፈለማ እዋን እዩ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ 300 ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካብ ኣየር ከምዘፍሸላን፡ መብዛሕትአን ካብ ክሊ ኣየር እስራኤል ወጻኢ ከምዝተወቕዓን ሓቢሩ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ "እስራኤል ኵሉ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሰማይ ከተፍሽሎ ሓጊዝናያ" ኢሉ።
ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ፕረዚደንት ባይደን ኣኼባ መራሕቲ G-7 ከምዘአንግድ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ጕጅለ ሸውዓተ - ጂ7 - “ዘይግቡእ መጥቃዕቲ” ብምባል ንስጕምቲ ኢራን ኰኒኖም ኣለዉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ፈረንሳ ካብተን መጥቃዕቲ ኢራን ንምክልኻል ዝነጥፋ ሃገራት ከምዝነበረት እውን ገሊጹ ኣሎ።
ኢራን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሬት እስራኤል እትገብሮ ዘላ ተራእዩ ዘይፈልጥ መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር ዝዀነ ግብረመልሲ ክትህብ ከይትፍትን ክትብል ደጊማ ኣጠንቂቓ። ምላሽ እንተሂባ ድማ ውጽኢቱ ዝኸፍአ ክኸውን እዩ ክትብል ተሓንያ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







