'ኮንዶም' ብዓውታ ብምጽዋዕ መወዓውዒ መከላኸሊ ጥንሲ ዝገበረት ሃገር

ኣብ ሑቕፊ ኣዲኡ ዘሎ ህጻን ቈልዓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንሚልዮናት ሰባት ብዛዕባ ምጣነ ስድራቤት ብኸመይ ክትምህሮም ትኽእል?

ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማኡ ዝዀነ ዓይነት ሕፍረት ወይ ጸለመ ክሳብ ዝስበር፡ ኮንዶም ዝብል ቃል ደጋጊሞም ክዛረቡ ብምግባር?

ቅድሚ 18 ዓመት፡ ጸሓፊ መወዓውዒ ኣናንድ ሱስፒ፡ ንሱን ጕጅለኡን ኣብ ህንዲ ‘ኮንደም ቢንዳስ ቦል’ (ብናጽነት ኮንዶም በል/ሊ) ዝብል ወፍሪ ክነድፉ እንከለው፡ ልክዕ ከምዚ እዮም ገይሮም።

እዚ ምስ መንግስቲ እታ ሃገር ብምትሕብባር ኣብ 2006 ዝተጀመረ ወፍሪ ምንቃሕ ሕብረተሰብ፡ ኣብቲ እዋን ዳርጋ ፍርቂ ዕዳጋ ኮንዶም እታ ሃገር ዝሓዛ ኣብ ሰሜናዊ ህንዲ ኣብ ዝርከባ ሸሞንተ ግዝኣታት ዝነበረ ምንቍልቋል መሸጣን ኣጠቓቕማን ኮንዶም ንምቕያር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

እቲ ጐስጓስ፡ ሓደ ሓፋር ሰብኣይ - ካብ ኣብ ሓደ ረሳሕ መደበር ፖሊስ ገለ ዕረፍቲ ዝረክብ ክሳብ ኣብ ቤት ፍርዲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተኸበበ ረሳሕ ጠበቓ - ብመዛኑኡ ዓው ኢሉን ብንጹርን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኮንዶም ኢሉ ክዛረብ ዝተተባብዓሉ ዘስሕቕ ተርእዮታት ዝሓዘ እዩ።

እዚ ሰብኣይ፡ ክሳብ እታ ቃል ካብ ኣፉ ዘውጽኣ፡ "ቦል፡ ቢንዳስ ቦል (Just say it and say it freely)" እናበለ ሓደ ካብኣቶም ይጕትጉቶ።

እዚ መወዓውዒ ኣዝዩ ፍሉጥ ኰይኑ ሽልማት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ዝረኸበ ኣብ ህንዲ ካብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ጐስጓሳት ምጣነ ስድራ እዩ።

ኣብዚ፡ ንጸገማት ቅልጡፍ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዘጕልሑን ጥዑይ ጾታዊ ርክብ ንምድንፋዕን ዋዛ ዝመልኦ ጭርሖታትን መልእኽትታትን ተጠቒሞም እዮም።

እቶም ጭርሖታት ንመጀመርያ ግዜ ህንዲ ንምጣነ ስድራቤት ዝውፈ ሓድሽ ክፍሊ ምስ ከፈተት ኣብ 1950ታት ዝተቐልቀሉ ኰይኖም፡ - ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ - ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባ ንምጕዳል ድማ ኣጠቓቕማ መከላኸሊ ጥንሲ ንምስራጽ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ጀሚራ።

ከም በዓል ሁም ዶ ሁማረ ዶ (ክልተ ኢና፤ ክልተ ቈልዑ ክንወልድ ኢና) ከምኡ’ውን ቾታ ፓሪቫር፡ ሱኪ ፓሪቫር (ንእሽቶ ስድራቤት ሕጕስቲ ስድራቤት እያ) ዝኣመሰሉ መወዓውዒታት፡ ሰባት ውሑዳት ቈልዑ ክወልዱ ዝላበው መልእኽታት ብራድዮን ቴሌቪዥንን ክመሓላለፉ ተገይሩ እዩ።

ሓሓሊፉ፡ ሓራምዝ’ውን ነቲ መልእኽቲ ኣብ ርሑቕ ዞባታት እታ ሃገር ንምብጻሕ ተጠቒሞምሎም እዮም።

እዞም ጐስጓሳት -ክሳብ ሕጂ ዝቕጽሉ ዘለዉ - ምስቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ትርጕም ምጣነ ስድራቤት ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎም ኰይኖም ኣለዉ።

ክኢላታት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ከም ነውሪ ዝቝጸሩ ከም መከላኸሊ ጥንሲን መቈጻጸሪ ወሊድን ዝበሉ ተኣፈፍቲ ኣርእስታት ሓድሽ ቃላት ንምፍጣር'ውን ከም ዝሓገዙ ይዛረቡ።

"ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮ ተዋዘይትን ሰሓቕትን’ዮም፤ ግን ኮንዶም ዝብል ቃል ኣብ እትዛረበሉ ደቒቕ ይሓፍሩ" ይብል ሱስፒ።

ህንዳውያን ደቂ ተባዕትዮ፡ ብሰንኪ ሕፍረት ኣብ ፍቕራዊ ዝምድናታቶም ብዛዕባ ውሑስ ጾታዊ ርክብ ክዛረቡ ከም ዝስከፉ’ውን መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም’ዮም።

ኣብ መወዓውዒ መጸውዒ ስልኪ ኮንዶም ዝሰርሐ ሰብአይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዓውዒ መጸውዒ ተሌፎን ኮንዶም ዝሰርሐ ሰብአይ

ኣብቲ ጐስጓስ ዝሰርሐት ክኢላ ጥዕና ማሕበረሰብ ሳሽዋቲ ባነርጂ፡ ብድሕሪ ‘ቢንዳስ ቦል’ ዝነበረ ሓሳብ ቀሊል እዩ ነይሩ ትብል - በቃ ደቂ ተባዕትዮ ብዘይስክፍታ ኮንዶም ክሓቱ ምግባር።

ምኽንያቱ ኮንዶም፡ ብኣሽሙርን ብሕሹኽሹኽን ምጽዋዕ ዘድልዮ ሕማቕ ቃል ስለ ዘይኰነ፡ ኮንዶም ኵሉ ሰብ ዝጥቀመሉ እዩ፣ ኵሉ ሰብ ክኣ ክጥቀመሉ ይግባእ ትብል።

ነዚ ንምስራጽ፡ እቲ ጕጅለ ምስ ልዕሊ 40,000 ዕዳጋታት ኮንዶምን ኬሚስትን ብምትሕብባር፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምጥቃም ዝያዳ መከላኸሊ ጥንሲ ምቹእነት ንክስምዖም ዝገብሩ ስራሕቲ ክሰርሕ ጀሚሩ።

"እቲ ኣብ መወዳእታ ውጽኢታዊ ዝዀነ ግን ሓደ ጽቡቕ ዝጸንሐ ዋዛ እዩ ነይሩ - መጀመርታ ጽቡቕ ሰሓቕ ትስሕቕ፡ ድሕሪኡ እቲ መልእኽቲ ይሰርጽ" ይብል ሱስፒ።

መንግስትን ውልቀ ትካላትን ኣብቶም ናይ መወዓውዒ ጐስጓሳት ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ከውጽኡ እንከለዉ፡ ኵሎም ግን ዕዉታት ኣይነበሩን- ገሊኦምስ ተቓውሞ’ውን ኣስዒቦም።

ነቐፍቲ፡ ብዙሕ ካብቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ መደባት ንደቂ ተባዕትዮ ንጐኒ ብምሕዳግ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኰረ ስለ ዝነበረ ውጽኢታዊ ኣይነበረን ይብሉ።

"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክጥቀማሉ እንተዀይነን ኣብ ምርጫ መከላኸሊ ጥንሲ ዝዀነ ኤጀንሲ ኣይነበረንን” ኣወሃሃዲት ቢቢሲ ሚዲያ ኣክሽን ራድሃራኒ ሚትራ።

ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መወዳእታ ምሉእ ጾር መከላኸሊ ጥንሲ ተሰኪመን፤ ደቂ ተባዕትዮ ግን - ኣብ መብዛሕትኡ ስድራ ዝቈጻጸሩ - ብዛዕባ ምጣነ ስድራ ገለ ኣፍልጦ ዘይብሎምን ክቕበሉ ዘይደልዩን ኰይኖም ጸኒሖም።

ሓርማዝ መልእኽታት መከላኸሊ ጥንሲ ሒዙ እንትዘውር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓርማዝ መልእኽታት መከላኸሊ ጥንሲ ሒዙ እንትዘውር

እዚ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ - ካብ 2019 ክሳብ 2021ን ኣስታት 38 ሚኢታዊት ካብተን ኣብ መላእ ሃገር ንሓሙሻይ ሃገራዊ መጽናዕቲ ጥዕና ስድራቤት (NFHS) ዝተዳህሰሳ ደቂ ኣንስትዮ ብመስርሕ ምምካን ሓሊፈን እየን፤ ኣብዚ ግዜ እቶም መጥባሕቲ መትረብ ዘርኢ (vasectomy) ዝገበሩ ደቂ ተባዕትዮ 0.3 ሚእታዊት ጥራይ ነይሮም።

ክኢላ ጥዕና ማሕበረሰብ ኣናንድ ሲንሃ “ጭርሖታት ንባህላዊ ምኽርን ነቲ ዝዓበየ ኣድላይነት ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ምዕባለን ክትክእዎ ኣይክእሉን” ብምባል፡ ማሕበራዊ ስርዓታት ኣብ ምቕያርን ኣወንታዊ ናህሪ ኣብ ምፍጣርን ግን ሓጊዞም እዮም ክብል ይዛረብ።

ብ1975 ዓ.ም ኣብ ዝነበረ ህጹጽ እዋን- ሲቪላዊ ናጽነት ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን - ወፍሪ ምጣነ ስድራ ህንዲ ምዕንቃፍ ኣጋጢምዎ’ዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ መንግስቲ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን ከይተረፈ ክመኽኑ ኣገዲዱ።

“እቶም ስጕምትታት ነቲ ወፍሪ ሕማቕ ስም ክወሃቦ ገይሮም፤ ሃንደበት ድማ፡ ሰባት በቲ መከላኸሊ ጥንሲ ዝብል ሓሳብ ፈሪሖም” ይብል ሲንሃ።

ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ድሕሪኡ ንነዊሕ ዓመታት፡ እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ ምጣነ ስድራ ዳግማይ ምሕሳብን ክጅመርን "ዝያዳ ቅቡል፡ ውዑይን ምሕዝነታዊን ገጽ" ክወሃቦ ጀሚሩ።

ኣብዚ ግዜ፡ ኮንዶም ዝሸጣ ናይ ብሕቲ ትካላት፡ ንመንእሰያት መጻምድቲ መከላኸሊ ጥንሲ ንምሻጥ ዝያዳ ፈጠራዊ መገድታት ክደልያ ጀመራ።

ኣብ መወዳእታ 1980ታት ኤችኣይቪ/ኤድስ ኣብ ምዕራብ ዓቢይ ስግኣት ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣብ ከም ህንዲ ዝበላ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ከይዝርጋሕ ስግኣት ስለ ዝፈጠረ፡ ሓድሽን ዝዓበየን ምውዕዋዕ መከላኸሊ መገዲታት ተጀሚሩ።

ሚትራ፡ “ኣርእስቲ ጾታዊ ርክብ ዝያዳ ናብ ቅሉዕ ወጺኡ፤ ብዛዕባ ኮንዶም ዝግበር ማሕበራዊ ጎስጓሳት ልሙድ ኰይኑ” ትብል።

ካብዚኦም እቲ ኣዝዩ ተዘካሪ ኣብ 2008 ዝነበረ መጸውዒ ድምጺ ኮንዶም እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ብ360 ዲግሪ "ኮንዶም ንቡር ምግባር" ዝብል ወፍሪ እዩ ነይሩ።

እቲ ብቢቢሲ ሚድያ ኣክሽን ዝምራሕን ብቢልን ሜሊንዳ ጌትስ ፋውንዴሽን ዝምወልን ወፍሪ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ህንዲ ንመከላኸሊ ኤችኣይቪ ዝኸውን ውሑስ ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ዝዓበየ መደብ እዩ።

"ኮንዶም" ዝብል ቃል ድማ ኣብ ድምጺ መጸውዒ ሞባይል ስልኪ ብተደጋጋሚ ክትውዕል ተገይሩ።

ኣብቲ ወፍሪ፡ ሓደ ህንዳዊ ሰብኣይ ኣብ ስነ-ስርዓት መርዓ ስልኩ ብድምጺ ኮንዶም ክትጽውዕ ምስ ጀመረት ከም ዝሓረረ ዘርኢ መስሓቕ ቪድዮ'ውን ተዘርጊሑ ነይሩ።

ሚትራ፡ እቲ መጸውዒ ስልኪ ኣዝዩ ፍሉጥ እናዀነ ብዙሓት ሰባት ንኽጥቀምሉ ኣስታት 480 ሽሕ ሕቶታት ከም ዝቐረበን፡ ኣብ ኣሜሪካን ካብ ጃፓን ክሳብ ኢንዶነዥያ፡ ካብ ደቡብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ከይተረፈ ብኤንፒኣር ከም ዝተጻወተት ከም ዝተገብረን ትዛረብ።

“ኣብ መላእ ዓለም ርእሰ ዜናታት ኰይኑ፤ ኣብ ኵሉ ቦታታት’ውን ሽልማት ተዓዊቱ። ግን ናይ ብሓቂ ጽልዋ ነይርዎ፤ እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ።"

ባነርጂ ብወገና፡ ለውጢ ባህሪ ከም ዓቢ ሕንቅልሕንቅሊተይ ምዃኑ ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱ ነገራት ናብ ሓደ ብምምጻእ ከም ዝጅምር ትገልጽ።

"ሓሓሊፉ፡ ከም ዝዝረበሉ ምግባር ጥራይ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።"