ምስጢረ መርዘን እንታይ’ዩ? ብምንታይ’ከ ይፍወስ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰባት ስለምንታይ ብመርዘን ይጥቅዑ?
እዚ ቀሊል ሕቶ’ዩ፤ ግን ከኣ ንምእማኑ ዘጸግምን ዝተሓላለኸን መልሲ’ዩ ዘለዎ - ‘መልሲ’ ብሓቂ ቅኑዕ መግለጺ እንተዀይኑ።
ሳይንስ ክሳብ ዝፈልጦ፡ ነዚ ሕቶ ክወሃብ ዝኽእል ቅኑዕን ግቡእን መልሲ ‘ኣይፍለጥን’ ዝብል’ዩ።
መርዘን ሓደ ካብቶም ልዕሊ 200 ሕማማት ሕማም ርእሲ ኰይኑ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሕማም ጥዕና ህዝቢ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ኣብ ጥሪ 2023 ዝተሓተመ ጸብጻብ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ካብ 14–15 ሚእታዊት ዝርገሐ መርዘን ከም ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሃገራዊ ቤተ መጻሕፍቲ ሕክምና የመልክት።
እዚ ድማ ክሳብ 1.2 ቢልዮን ዝበጽሑ ሰባት ብመርዘን ይጥቅዑ ማለት’ዩ።
እዚ ሕማም ብብዝሒ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዘጋጥም። ብሓፈሻ ካብ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ በዚ ሕማም ክትሳቐ እንከላ፡ ኣብ ደቂ ደቂ ተባዕትዮ ግን ካብ 15 እቲ ሓደ ጥራይ እዩ ብዚ ሕማም ዝሳቐ።
ንማእለያ ዘይብሉ ዓመታት መርመራታትን መጽናዕትን'ኳ እንተተገብረ፡ መሰረታዊ ሳይንስ ብዛዕባ መርዘን ዘለዎ ርድኢት ገና ካብ ምሉእነት ዝረሓቐ ይመስል።
ይዅን’ምበር፡ ‘ዝተወሰነ ርድኢት’ ካብ ‘ባዶ ርድኢት’ ኣዝዩ ዝሓሸ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኰነን።
ሳይንስ ብዛዕባ መርዘን፡ ስለምንታይ ከም ዘጋጥም፡ ስለምንታይ ከም ዘይጠፍእ፡ ንመን ከም ዝጸልዎን ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዘሳቕን ብዙሕ ኣገዳሲ ነገራት ኣቃሊዑ እዩ።
ብዛዕባ መርዘን ስለምንታይ እኹል ርድኢት የለን?
ምስቲ ዘስዕቦ ጥዕናውን ቍጠባውን ጾር ክነጻጸር እንከሎ፡ መርዘን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ትሑት ምወላ ዝረኽቡ ሕማማት እዩ።
እቲ ኵነታት ከም ካልኦት ሕማማት መጽናዕቲ ኣይተገብረሉን፡ ከምቲ ካልኦት ሕማማት ዝረኽብዎ ምርምርን ምወላን ኣይረኸበን።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ሕማም መርዘን ንኣስታት 15 ሚእታዊት ሰባት ይጸሉ፤ ኣብ 2017 ንምርምር ዝረኸቦ ምወላ ግን 22 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ነይሩ።
ቍጽሪ ናይቶም ብኣዝማ ዝተጸልዉ ሰባት ክንዲ ፍርቂ እቶም ብመርዘን ዝተጸልዉ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ሕማም ግን ምርምርን ምወላን ክመጽእ ከሎ 13 ዕጽፊ (286 ሚልዮን ዶላር) ረኺቡ’ዩ።
ናይቶም ብመርዘን ዝተጸልዉ ክልተ ሲሶ ዝዀኑ ሰባት ዝጸልው ሕማም ሽኮር ድማ 50 ዕጽፊ (1.1 ቢልዮን ዶላር) ምወላ ተቐቢሉ። (ብርግጽ፡ ኣዝማን ሕማም ሽኮርን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ ኵነታት ምዃኖም ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ)።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ሕማም ዝግበሩ መጽናዕትታት’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ካልኦት መጽናዕትታት ክንክን ጥዕና ብዝተራእየ ኣንፈት ዝጽለዉ’ዮም። መብዛሕትኡ ኣብ እንስሳታት ዝግበር መጽናዕቲ መርዘን፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ተገይሩ፤ እንተዀነ መርዘን ዝያዳ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጥቅዕ ሕማም’ዩ።
ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝርአ ዝርገሐ መርዘን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ርኡይ ሸለልትነት ውጽኢት ናይቲ ሓካይም ንቓንዛ ደቂ ኣንስትዮ ሕሙማት ዝህብዎ ትሑት ግምት ክኸውን ይኽእል። ኣብ መንጐ መርዘንን ሕማም ኣእምሮን ዘሎ ታሪኻዊን ጾታውን ምትእስሳር’ውን ከንጸባርቕ ይኽእል።
ቍጽሪ ብመርዘን ዝጽለዉ ሰባት ልዑል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣጸቢቘም ክፈልጥዎ ይግቦኦም ማለት ከም ዝዀነ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሩትገርስ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ስነ-ማሕበረሰብ ዝዀነት ጆኣና ኬምፕነር ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ፡ ሓደ ምንጪ፡ “ሕማም ርእሲ ብብዝሒ ኣብ ናይ ስነ-መትኒ ተመላለስቲ ሕሙማት ዝርአን ተመሃሮ ስነ-መትኒ ብዝግባእ ዘይመሃርዎን ጸገም እዩ። ንኤሌክትሪሻናት ምምሃር ግን ድማ ብዛዕባ ኣምፑላት ዘይምንጋር ማለት’ዩ” ኢሉ ከም ዝገለጸላ ትጠቅስ።
መርዘን ሕማም ርእሲ ጥራይ ድዩ?
እቶም ዕድለኛታት ኰይኖም ዘይተጸለዉ ሰባት፡ መርዘን ከም ሓደ ዓይነት ሕማም ርእሲ ክቘጽርዎ ቀሊል’ዩ።
ኣብ መንጐ ሕማም ርእስን ጥዕና ኣእምሮን ምትእስሳር ከም ዘሎ ምኽሓድ ኣይክእልን። ሓያሎ መጽናዕትታት፡ መርዘን ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገማት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ደምዲሞም እዮም።
“ምኽንያታዊ ድዩ ኣይኰነን ግን ዓቢ ሕቶ’ዩ” ይብል መስዑድ ኣሺና - ፕሮፌሰር ስነ-ኣእምሮን ዳይረክተር ኣሃዱ ምርምር መርዘን ሰብኣዊ ማእከል ሕማም ርእሲ ዴንማርክን።
“ከም መርዘን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ዝሰፍሐ ጸገም ምስ ዝህልወካ፡ ምስ ካልኦት ሕማማት ክደራረብ ተኽእሎኡ ኣዝዩ ልዑል እዩ።”
ይዅን’ምበር፡ ‘ሕማም ርእሲ’ ሓደ መዳይ ተመኵሮ መርዘን ክኸውን ከሎ፡ መርዘን ግን ብሓቂ ካብ ሕማም ርእሲ ኣዝዩ ዝዛይድን ብዙሕ ፍልልያት ዘለዎን እዩ።
ሕማም ርእሲ ዝያዳ ልሙድ እዩ፣ ክሳብ 75 ሚእታዊት ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት እንተወሓደ ሓደ ግዜ የጋጥሞም። ብኣንጻሩ፡ መርዘን ኣብ 15 ሚእታዊት ሰባት ጥራይ ዘጋጥም ኰይኑ ካብዚኦም ኣብ ኣስታት 10 ሚእታዊት ሕዱር ከም ዝዀነ መጽናዕቲታት ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ብመንጽር ጾታዊ ፍልልይ’ውን፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብኣስታት ሰለስተ ዕጽፊ ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ብመርዘን ይጥቃዓ።
መብዛሕትኡ ግዜ ‘ንቡር’ ሕማም ርእሲ ብሓደ ወይ ክልተ ፓራሲታሞል ክድሕን ይኽእል፤ መርዘን ግን ሓያልን ሓደ ሓደ ግዜ ኣዝዩ ዘማስንን እዩ።
መርዘንን ካብ መብዛሕትኦም ሕማም ርእሲ ዝፍለየሉ ናይ ገዛእ ርእሱ መለለዪታት’ውን ኣለዉ። መርዘን ዝያዳ ዘማስን ክኸውን፡ ድኻምን ንብርሃን ተነቃፍነትን ክውስኽ፡ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ፡ ተምላስን ምዝባዕ ህዋሳት ከስዕብ ከምኡ’ውን ብዙሕ ኣጋጣሚታት ‘ኦውራ’ (ኣብ ከባቢ ሓደ ነገር ዝርአ ብርሃን) ክርአ ክገብር ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱር ጠንቂ መርዘን
ኣብ 1200 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ ጥንታውያን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ግብጺ፡ መርዘን-መሰል ሕማም ርእሲ ብዝርዝር ይገልጹ፤ ሂፖክራተስ ብዛዕባ እቲ ልሙድ ምስቲ ጸገም ዝተኣሳሰር ምዝንባዕ ርእየትን ተምላስን ጽሒፉ’ዩ።
እዚ ስቅያት ዝመልኦ ሕማም ርእሲ ሓደ ካብቶም ዝጸንሑ ሕማማት ወዲ ሰብ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዘጋጥም ክሳዕ ሕጂ ርግጸኛታት ዘይምዃና፡ ዝያዳ ኣዝዩ ዘገርም እዩ።
ካብቶም ሕጂ እንፈልጦም ብዙሓት ዝተሓላለኹ መስርሓት፡ ሱር ኵሎም ክኸውን ዝኽእል እንተሃልዩ፡ እቲ ብኮርቲካል ስፕረዲንግ ዲፕረሽን ወይ (ሲኤስዲ) ዝፍለጥ’ዩ።
ሲኤስዲ ሓደ ዋህዮ ሓንጐል፡ ዲፖላራይዘሽን (ሃንደበታዊ ለውጢ ሽፋን) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሃንደበታዊ ምፍንጃር ንጥፈታት ምስ ዘጋጥሞ ዝመጽእ እዩ።
እዚ ዲፖላራይዘሽን መሰረት ኵሉ ኣብ ውሽጢ ሓንጐልናን ኣካላትናን ዝፍጸም ንጥፈታትን ምልክታትን እዩ። ይዅን’ምበር፡ ጠለብ ዝሓትት መስርሕ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ተፈጠረ፡ ዋህዮታት ሓንጐል ንሓጺር እዋን ‘ይጭነቝ’፡ ወይ’ውን ናብ ዘይነጥፉሉ ኵነታት ዕረፍቲ ይኣትዉ።
ኵሎም ዋህዮታት ሓንጐል ንሓድሕዶም ስለ ዝተኣሳሰሩ፡ ኵሉ ንጥፈታቶም ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጦምን ኣብ ከባቢኦምን ለውጢ ምትእኽኻብ ኬሚካላት ስለዝፍጠር፡ እቲ ዲፖላራይዘሽን ናብ ጐረባብቲ ዋህዮታት ሓንጐል ‘ይዝርጋሕ’፡ ካብኡ ድማ ናብቶም ዝቕጽሉ፡ ወዘተ።
እዚ መስርሕ'ዚ ንምእማኑ ዘጸግም ቀስ ዝበለ ኰይኑ፡ ካብ ሓደ ክፋል ሓንጐል ናብቲ ዝቕጽል ንምጕዓዝ ብዙሕ ደቓይቕ፡ ሰዓታት ከይተረፈ ክወስድ ይኽእል። ስለዚ ድማ፡ ኮርቲካል ስፕረዲን ዲፕረሽን ወይ (ሲኤስዲ) ይፍጠር ማለት’ዩ።
እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ኣገደስትን ረቀቕትን ከባቢታት ሓንጐል ዝህሉ ዘይንቡር ንጥፈታት ስነ-ኣእምሮ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከስዕብ ይኽእል እዩ። እዚ ዝዝርጋሕ ዘሎ ማዕበል ንጥፈታት ስነ-ኣእምሮ፡ ጠንቂ ናይቶም ምልካተት መርዘን ክኸውን ይኽእል፤ ምናልባት መርዘን ንምንታይ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ከም ዘለዎ’ውን ክገልጽ ይኽእል።
ንዝተወሰነ እዋን ቀንዲ መዳያት መርዘን ስነ-መትኒኣዊ ድዩ ወይስ ሻምብቆኣዊ ዝብል ርኡይ ክትዕ ነይሩ። ስነ-መትኒኣዊ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎን ኣብ ውሽጢን ዋህዮታት ሓንጐል ዘሎ ዘይሓጋዚ ንጥፈታት ዝመጽእ ኰይኑ፡ ሻምብቆኣዊ ድማ ብሰንኪ ኣብቶም ንሓንጐል ዝቐረቡ ሰራውር ደም ዝመጽእ ለውጢ እዩ።
ንብዙሕ ዓመታት፡ መርዘን ብባህሪኡ ዝያዳ ሻምብቆኣዊ ከም ዝዀነ ይግመት ነይሩ።
ይዅን እምበር ኣብ ቀረባ እዋን፡ መብዛሕትኦም ክኢላታት ዝያዳ ስነ-መትኒኣዊ ከም ዝዀነ ይገልጹ ኣለዉ።
ብሓቂ ግን መርዘን ብናይ ስነ-መትኒኣዊ ወይ ሻምብቆኣዊ ረቛሒታት ጥራይ ዝመጽእ ክኸውን ኣዝዩ ጸቢብ’ዩ።
ሕዱር ስቓይ ሕማም መርዘን፡ ናብ ድኹም ጥዕና ኣእምሮ’ውን ከምርሕ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
"ሓደ ሰብ መርዘን መዓስ ከም ዘጋጥምን እቲ ቃንዛ’ውን ኣብ ስራሕን ስድራቤታዊ ሓላፍነቱ ጸግም ከስዕብ እንተዀይኑን ፈጺሙ ብንጹር ኣብ ዘይፈለጠሉ ኵነታት፡ ልዑል ጭንቀት እንተተሰምዖ ዘገርም ኣይኰነን" ትብል ኤስመ ፉለር ቶምሰን፡ ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ትምህርቲ ህይወትን ዕድመ ምድፋእን ኰይና መርዘንን ነብሰ ቅትለትን ዘሎዎም ምትእስሳር ዝምልከት መጽናዕቲ ኣካይዳ እያ።
መብዛሕትኡ ግዜ መርዘን ዘለዎም ሰባት ሓጋዚ ኣልቦ ከም ዝዀኑ ክስምዖም ይኽእል፤ እዚ ብወገኑ ጭንቀቶም ክጋደድ ይኽእል እዩ።
መርዘን ንብዙሓት ሰባት ዘጥቅዕ’ኳ እንተዀነ፡ ብዘገርም መንገዲ ግን ብዙሕ ሰብ መጽናዕቲ ኣይተገብረሉን፤ ብዛዕባኡ እኹል ርድኢት’ውን የለን።
"ብዙሓት ሰባት፡ መርዘን ከም ቀሊል ሕማም’ዮም ዝቘጽርዎ - መንሽሮ ኣይኰነን፡ ፓርኪንሰን’ውን ኣይኰነን" ይብል ፕሮፌሰር መስዑድ ኣሺና።
"ህዝባውን ውልቃውን ጽልዋኡ እንተርኢና ግን፡ መርዘን ቀሊል ጸገም ኣይኰነን።"
መርዘን ክፍወስ ይኽእል ድዩ?
‘መርዘን ፈውሲ ኣለዎ ድዩ?’ ዝብል ሕቶ መልሱ ቀሊል እዩ፤ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንሕማም መርዘን ዝፍውስ መድሃኒት ኣይረኸቡን።
መርዘን ኣዝዩ ዘማስንን ነባሪን ጸገም ካብ ምዃኑ ዝተለዓለ፡ ሰባት ኣብ ዝዀነ ፈውሲ ወይ ሕክምና፡ ወይ’ውን ካብ ገለ ምልክታት እቲ ሕማም እፎይታ ኣብ ዝረኽብሉ ነገር ዓቢ ተገዳስነት እንተርኣዩ ኣይገርምን።
ከም ውጽኢቱ፡ ንሕማም መርዘን ዝኸውን ሰፊሕ ሕክምናታትን ምትእትታዋትን ኣሎ። ገለ ካብዚኦም ነቲ ምልክታት ኣብ ምግታእ ውጽኢት ኣርእዮም’ዮም።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ኣብ ሕክምና መረዘን ካብቲ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ዝተረኣየ ዝያዳ ምዕባለታት ተመዝጊቡ ኣሎ።
እዞም ምዕባለታት እዚኣቶም፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ መድሃኒታት መርዘን ዝሓሸ ውጽኢትን ውሑድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ እዩ።
ብዝዀነ፡ እቶም ምልክታት ሕማም መርዘን ምንካይ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለዉ፤ ካብ ብውልቂ ክፍጸሙ ዝኽእሉ ክሳብ ሕክምናዊ ኣማራጺታት የጠቓልሉ።
መርዘን ዘለዎም ሰባት ንብርሃንን ድምጽን ዝያዳ ተነቃፍነት ከም ዘለዎም ንነዊሕ እዋን ዝፍለጥ’ዩ። ስለዚ ሓደ መፍትሒ መጥቃዕቲ ዘጋጠሞም ሰባት፡ ብርሃንን ድምጽን ዝንክይሉ ኣማራጺታት ክጥቀሙ ይኽእሉ። ንኣብነት ቃንዛ ክስምዖም ከሎ የዒንቶም ብጨርቂ ብምሽፋን ብርሃን ከይርእዩ ብምልኻልን እቲ ዝስምዖም ቃንዛ ክንክዩ ተኽእሎ ኣሎ።
ካልእ ኣማራጺ ኣብ ኣእምሮኣዊ ምትእስሳር ዝተመርኮሰ ፍወሳ (Mindfulness-based therapy) እዩ። እዚ ኣማራጺ ኣእምሮናን ኣካላትን ናይ ምፍላጥ ልምዲ ኰይኑ ትኹረትካ ዝሰርቁ ሓሳባት ክመጹ ከለዉ ካብ ኣእምሮ ምእላይ የጠቓልል። ንቃንዛ መርዘንን ምስኡ ዝመጽኡ ስምዒታትን ንምምሕዳር ድማ ከም ዝሕግዝ ይንገር።
ኣገልግሎት ምኽሪ ምርካብ’ውን ከም ዝሕግዝ ገለ ድማ የመልክቱ። ኣእምሮኣዊ ባህርያዊ ፍወሳ (Cognitive behavioral therapy) ዝያዳ ወጥሪ ክፈጥሩን ንመጥቃዕቲ መርዘን ከቃልዑ ዝኽእሉ ሃሳባትን ባህርያትን ንምቕያር ዝሕግዝ መስርሕ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣብ ኣነባብራና ለውጢ ምግባር’ውን ካልእ ኣማራጺ ምሕደራ ሕማም መርዘን ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክቱ መርትዖታት ኣለዉ።እዚ ለውጢ፡ እኹል ዕረፍቲ ክንረክብ ዘኽእለና ስሩዕ መደብ ድቃስ ልምዲ ምግባር፡ ካብ መርዘን ከበግሱ ዝኽእሉ ገለ መግቢታትን መስተታትን ምዕቃብ፡ ብፍላይ ኣብ ደገ ንጡፍ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ከም ዮጋ ኣስተንትኖን ዝኣመሰሉ ሜላታት ምዝናይ ምትግባር የጠቓልል።
ኣብ ምሕደራ ሕማም መርዝን ኣበርክቶ ዝገብሩ ገለ መሳርሒታት’ውን ከም ዘለዉ ይፍለጥ፤ ገለ ካብዚኦም ዋጋኦም ክባርን ትእዛዝ ሓኪም ዘድልዮምን እዮም። ንኣብነት፡ ኤለክትሪካዊ ዋሕዚ ብምፍጣር ንንጥፈታት ስርዓተ መትኒ ንምዕባይ ወይ ንምንካይ ዝሕግዝ ኒውሮሞዱሌሽን ዝተበሃለ መሳርሒ፡ ብሓካይም ብመርፍእ ዝወሃብ ኰይኑ ምጭንናቕ ጭዋዳታት ደው ክብል ብምግባር ንኣስታት 3 ኣዋርሕ መርዘን ክገብር ዝኽእል ቦቶክስ፡ ፍኹስ ዝበለ መደንዘዚን ካልኦትን የጠቓልል።
ካብዞም ዝተጠቐሱ ኣማራጺታት ብተወሳኺ፡ ምልክታት ሕማም መርዘን ንምፍዋስ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መድሃኒታት ኣለዉ። ገለ ካብዚኦም ምልክታት ምስ ተረኣየ ብቕልጡፍ ዝውሰዱ ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ መትቃዕቲ ከይለዓል ዝከላኸሉ እዮም።
ንኣብነት ከም ኣስፕሪን፡ ኢቡፕሮፈንን ፓራሲታሞልን ዝኣመሰሉ ብዘይ ትእዛዝ ሓኪም ዝሽየጡ መድሃኒታት ጸረ-ቃንዛ፡ ብውሱን ደረጃ'ኳ እንተዀነ፡ ካብ ምልክታት መርዘን ገለ ዕረፍቲ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ይፍለጥ። እቲ ዝገርም ግን ብልክዕ ኣብ መርዘን ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ንጹር ኣይኰነን።
ይዅን’ምበር ናብ ደምካ ኣትዮም ነቶም ምልክታት ከቃልሉ ግዜ ምእንቲ ክረኽቡ፡ እቶም ቀዳሞት ምልክታት መጥቃዕቲ መርዘን ምስተረኣዩ እንተተወሲዶም፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ ክዀኑ ይኽእሉ።
እዞም ልሙዳት መድሃኒታት ጸረ-ቃንዛ ብምውሳድ ውጽኢት እንተዘይተረኺቡ ግን፡ ምስ ሓኪም ምምኻር ኣገዳሲ’ዩ።
ሓካይም ትሪፕታን ዝበሃሉ ዓይነት መድሃኒት ክውሰድ ክመኽሩ ይኽእሉ። እዞም መድሃኒታት ንሕማም መርዘን ፍሉይ መዐገሲ ቃንዛ ኰይኖም ኣብ ከባቢ ሓንጐል ዝርከቡ ሰራውር ደም ክጸብቡ ብምግባር እቲ ከም ኣካል መስርሕ መርዘን ምዃኑ ዝእመን ምግፋሕ ሰራውር ደም ዝቕይሩ እዮም።
መድሃኒታት ብዝምልከት ዘሎ ዳሕረዋይ ምዕባለ፡ ዛቭዝፕረት ወይ ዛቬግፓንት ዝበሃል እዩ። እዚ “ቅልጡፍ ፍወሳ” ከም ዝህብ ዝተገልጸ መድሃኒት፡ ኣብ መጋቢት 2023 ካብ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ፍቓድ ከም ዝረኸበ ማዕከን ዜና ኤንቢሲኒውስ ጸብጺቡ ነይሩ።
ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ፡ መጥባሕቲ ንሕማም መርዘን ከቃልል ከም ዝኽእል ይግለጽ። እዚ ምጕዳል ጸቕጢ ኣየር መትኒ ዝበሃል መጥባሕቲ፡ ብሓካይም ፕላስቲክ መጥባሕቲ ዝጀመረ ሜላ ኰይኑ፡ ኣብ ጠንቂ ቃንዛ መርዘን ዝዀኑ መትኒታት ጸቕጢ የጠቓልል።
ከም ዝፍለጥ፡ ዝዀነ መጥባሕቲ ሓደጋታት ስለዘለዎ ቅድሚ ምውሳንና ልዑል ጥንቃቐ ክንገብር ኣገዳሲ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







