ልዕሊ 100 ዓመት ዝነብሩ ሰባት ስለምንታይ ይበዝሑ ኣለዉ?

ዕድመ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዕድመ ጆሴፋ ማሪያ ዳ ኮንሲካዎ፡ 120 ከም ዝዀነ ስድራአን ይዛረቡ።

ዝበዝሕ ዕደመአን ኣብ ሕርሻ እየን ኣሕሊፈናኦ። እዘን ብራዚላዊት በዓልቲ ጸጋ ዕድመ፡ መበል 120 ዓመት ልደተን ምስ ኣሕለፋ ግን፡ ዓቕመን እናደኸመ ምምጽኡ ስድራአን ኣስተውዒሎም።

ብፍላይ ‘ሽጋራ ሃቡኒ’ ምባል ደው ምስ ኣበላ፡ እታ ስድራ ግር ኢልዋ።

ጆሴፋ ዝበዝሕ ዕደመአን ሽጋራ ኣትኪኸን እየን። ዋላ’ኳ ስድራአን ብዕድመ ምስ ደፍኣ ሽጋራ ምትካኽ ክሓድጋ እንተነገርወን፡ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበረንን።

ብኣንጻሩ፡ “ሽጋራ እንድሕር ዘይሂብኩምኒ፡ ባዕለይ ወጺአ ክዕድግ እየ” ኢለን ከፈራርሓ ጀሚረን። ብሂወት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ደቀን ሲሴራ፡ ወላዲቶም ሽጋራ ምሕታት ምስ ኣቋረጻ ከም ዝሰንበዱ ትገልፅ።

ጆሴፋ 22 ቈልዑ ዝወለዳ ክዀና እንከለዋ፡ ኣብዚ እዋን ብሂወት ዘለዉ ግን ኣርባዕተ ጥራሕ እዮም።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዓቕሚ ጆሴፋ እናደኸመ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ኣብ ቍሸተን ዝርከብ ሓደ ማዕከን ሓበሬታ፡ “ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝዓበየት ሰበይቲ” ክብል ሰምይወን እዩ። ኣብ 1902 [ኣ] እየን ተወሊደን።

ስመን ኣብ መዝገብ ጊነስ ቡክ ንምምዝጋብ ዝገበራኦ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ዕድመ ጆሴፋ ማሪያ ዳ ኮንሲካዎ 120 ከምዝኾነ ስድረአን ይዛረቡ
መግለጺ ስእሊ, ዕድመ ጆሴፋ ማሪያ ዳ ኮንሲካዎ 120 ከምዝኾነ ስድረአን ይዛረቡ

ኣብዚ እዋን ካብ ዓለም እተን ብዕድመ ዝዓበያ ሰበይቲ ተባሂለን ዝተመዝገባ፡ ጓል 118 ዓመት ፈረንሳዊት ፈላሲት እየን፤ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ድማ ወዲ 113 ዓመት ቬንዝዌላዊ ሁዋን ሞራ እዮም።

ኣብ መላእ ዓለም፡ 100 ዓመት ዝሓለፎም ሰባት እናበዝሐ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

ከም ሓበሬታ ጉዳያት ስነ-ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ልዕሊ 621 ሽሕ ሰባት ብውሑዱ ክሳብ 100 ዓመት ነቢሮም።

እዚ ኣሃዝ ኣብ መወዳእታ እዚ ምእተ ዓመት፡ ካብ ሓደ ሚልየን ክዛይድ ከም ዝኽእል ይግመት።

ብ1990 ኣብዚ ዕድመ'ዚ ዝበጽሑ ሰባት 92 ሽሕ ጥራሕ ነይሮም።

መድሃኒታት ብምፍጣሮምን፡ ምስ ዝሓሸ ኣመጋግባን ናብራን ብዝዛመድ፡ ሰባት ብሂወት ዝነብርሉ ዕድመ እናወሰኸ ከምጽእ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ 1960 [ኣ] ዝተወለዱ ሰባት ክሳብ 52 ዓመት እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ክሳብ 2021 ብሂወት ናይ ምንባር መጠን 0.008 ከምዝነበረ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ማእከላይ ገምጋም ብሂወት ናይ ምንባር ዕድመ 73 እዩ። እዚ ቍጽሪ ግን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ።

ኣብ ጃፓን ማእከላይ ዕደመ 73 ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፓብሊክ ድማ ናብ 54 ዝተሓተ እዩ።

ተማራማሪት ህዋስ ፕሮፌሰር ጃኔት ሎርድ፡ “ብዙሕ ዓመት ምንባር ጽቡቕ ናብራ ምሃላው ማለት ኣይኰነን” ትብል።

መብዛሕትኦም ደቂተባዕትዮ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ 16 ዓመታት ዕድመኦም፡ ከም ሽኮርን ምርሳዕን ዝኣመሰሉ ሕማማት ብምቅላስ ከሕልፉ እንከለዉ፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ድማ እዚ ዕድመ ናብ 19 ክብ ይብል።

ምስጢር ነዊሕ ዓመት ምንባር እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዛዕባ ሂወትን ናብራን ሰባት ዘጽንዑ ተመራመርቲ፡ ብፍሉይ 110 ዓመት ብዛዕባ ዝመልኦም ሰባት (Supercentenarians) ይመራመሩ።

“ብዕደመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝተፈልዩ። ንምንታይ ፍሉያት ከም ዝዀኑ ገና ኣይተፈለጠን፡” ትብል እታ ፕሮፌሰር።

እዞም ሰባት እዚኦም፡ ዋላ’ኳ ዕድመኦም እንተደፍአ ብኣንጻራውነት ጥዑያት እዮም።

እተን ብራዚላዊት በዓልቲ ጸጋ ዕድመ፡ ኵሉ ግዘ ክትትል ሕክምና ኣይገብራን። ስጋን ጥዑም ምግብን ይበልዓ።

“ቅሩብ ናይ ምዝካር ክእለታ ትስእን ኣላ። ንሕና ኢና ነንቀሳቕሳን ነሽናን። ይዅን’ምበር ሽጋራ እናትከኸትን ናይ ጉልበት ስራሕ እናሰርሐትን እዚ ዅሉ ዓመት ምንባራ ይገርመና” ትብል ጓል 76 ዓመት ጓለን።

ንተመራመርቲ ዘስደምም ነገር ድማ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ክንድቲ ‘ጥዑይ’ ዝበሃል ናብራ ዘይምድፋኦም እዩ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መጽሔት ሳይንስ ብ 2011 ዝወፅአ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 95 ልዕሊኡን ዕደመ ዝነበሩ ኣሜሪካውያን ኣይሁዳውያን ንጥዕና ዝጐድኡ ልምድታት ዘለዎም እዮም።

እቶም 60 ሚእታዊት ሽጋራ የትክኹ፤ ፍርቆም ድማ ክብደት ሰብነቶም ብሕክምና ካብ ዝምከር ንላዕሊ ክዀኑ እኝከለዉ፡ መብዛሕትኦም ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይገብሩን ብዙሕ ግዜ ኣትኽልቲ ዘይምገቡን እዮም።

ተመራማሪ ዩኒቨርሲቲ ብሪግቶን ፕሮፌሰር ሪቻርድ ፋርጋር፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ፍሉያት እዮም። ሰባት ነዊሕ ዕድመ ንኽነብሩ ካብ ንህቦ ማዕዳ ብኣንጻሩ እዮም ዝነብሩ” ይብል።

እዞም ሰባት ነዊሕ ዕድመ ዝነበሩ፡ ብምኽንያት ዘርኦም (ጂን) ከም ዝዀነ ግምታት ኣለዉ። ምኽንያቱ ዕድመ ዘሕጽሩ ጐዳእቲ ልምድታት ክሃስይዎም ኣይረኣዩን።

ኣብ 2020 ዝተሓተመ ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ዕድመ ክትደፍእ እንከለኻ ዘጋጥሙ ሕማማት ምስ ዘርኢ ዝተሓሓዙ እዮም።

100 ዓመት ዝነብሩ ሰባት እናበጽሑ ምምጻኦም፡ ተመራመርቲ፡ ደቂ ሰባት ምናልባት ንልዕሊ 100 ዓመት ክነብሩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ንኽሓስቡ ደሪኹ ኣሎ።

ሰብጸጋ ዕድመ

ኣብ ዓለም እተን ብዕድመ ዝደፍኣ ፈረንሳዊት ጃኔ ካልሜት ን 120 ዓመታት ነቢረን ብ 1997 እየ ዓሪፈን።

ብመሰረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ ምእተ ዓመት ሰባት ብዕድመ ዝነበርሉ ዓመት ክውስኽ እዩ፤ ሰባት ካብ 125 ክሳብ 130 ክነብሩ ይኽእሉ።

በዓልሞያ ስታትስቲክስ ማይክል ፔራስ፡ “ኣብ 2100 ብህይወት ናይ ምንባር ዕደመ ሕጂ ካብ ዘሎ ከም ዝዛይድ ኣየጠራጥርን። ሰባት ካብ 126፡ 128 - 130 ዓመት ክነብሩ’ዮም” ይብል።

ብመሰረት እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ዕደመ ጃኔ ካልሜት ማእከላይ ብምዃኑ፡ ናብ 68 ሚእታዊት ይወርድ እሞ፡ መበል 127 ዓመት ልደቶም ዘኽብሩ ሰባት ክበዝሑ’ዮም።

ሳይንስ ነዊሕ ዓመት ናይ ምንባር ምስጢር ንምፍታሕ ገና ብዙሕ ይተርፎ።

ኣብ ኮሌጅ ኪንግስ ስለ እርጋን መጽናዕቲ ዘካይድ ዶክተር ሪቻርድ ሲዎ ከም ዝብሎ፡ ሰባት ብዙሕ ዓመት ንኽነብሩ እንታይ ዓይነት ሂወት ክነብሩ (ክደፍኡ) ከም ዘለዎም ክፍለጥ ኣለዎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ነዛ ዓለም ዝመልእዋ 65 ዓመት ዝመልኡን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦምን ከም ዝዀኑ ይገልጽ።

“ብኸመይ ብዙሕ ዓመታት ክንነብር ንኽእል? ምስ ዝብል ሕቶ ብተወሳኺ፡ ብኸመይ ጥዑያት ኴንና ነዊሕ ዓመት ምንባር ንኽእል? እዚ ሕቶ እንተ ተመሊሱ፡ ጥዑያት ኴንና ነዊሕ ዕድመ ክንነብር ንኽእል ኢና” ይብል እቲ ተመራማሪ።

ትካል ኸልፕኤጅ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣረጋውያን ይሕግዝ።

ወሃቢ-ቃል እቲ ትካል ኤድዋርድ ኪለን፡ “ጥዑያት ዝዀኑ ኣረጋውያን ንማሕረሰብ ይጠቕሙ እዮም” ይብል።