ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተዓቀበ ነዳዲ ዘበገሶ ባርዕ 34 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ቀዳም ኣብ ዶባዊት ከተማ ቤኒን ብዝተፈጥረ ባርዕ ሓዊ 2 ህጻናት ዝርከብዎም 34 ሰባት ሞይቶም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሴሜ ፖጂ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተለዓለ ባርዕ 20 ሰባት እውን ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተዓቀበ ነዳዲ ምዃኑ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቤኒን ኣቶ ኣላሳኔ ሰዱ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ሮይተርስ ግን፡ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ፡ ቁጽሪ እቶም ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት 35 ከም ዝዀነ'ዩ ጸብጺቡ።
ብመሰረት'ዚ ጸብጻብ፡ እቲ ባርዕ ነዳዲ ኣብ ዝቕድሓሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።
እቲ ባርዕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ድንኳናት እውን ከም ዘዕነወ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ከባቢ፡ ዘይሕጋዊ መኽዘን ነዳዲ ኣሎ።
ብርክት ዝበላ ሞተር ብሽክለታታት፡ ባጃጃትን ካልኦት መካይንን ድማ ነዳዲ ክቀድሓ ተኣኪበን ከም ዝነበራ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ቤኒን፡ ካብታ ነዳዲ እተፍሪ ጎረቤት ናይጀርያ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ነዳዲ ምእታውን ምኽዛንን ዝተለምደ እዩ።
እዚ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ዘእትውዎ ነዳዲ ድማ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ንተጠቀምቲ ይሽየጥ።
ኣብ ቤኒን ባርዕ በንዚን ሳሕቲ ዝረአ’ዩ፡ ኣብ ናይጀርያ ግን ብተደጋጋሚ ከም ዘጋጠመ ይግለጽ።
ናይጀርያ ቅድሚ ሕጂ ንዋጋ ነዳዲ ትገብሮ ዝነበረት ድጎማ ምቁራጻ፡ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







