ስደተኛታት ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ 16 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዱባይ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 16 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 9 ድማ ቈሲሎም።
እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሓደ ካብቶም ዝኣረጉ ከባቢታት ዱባይ ዝዀነ ከባቢ ኣልራስ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ከባቢ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ነጋዶን ይነብሩሉ።
ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከምዝሓበራእኦ እቲ ባርዕ ኣብ ራብዓይ ናይቲ በዓል ሓሙሽተ ደብሪ ህንጻ እዩ ተላዒሉ።
ኣገደስቲ ረቛሕታት ጸጥታን ድሕነትን ህንጻታት ዘይምኽባር ቀንዲ መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ምዃኑ ሲቪል ምክልኻል ዱባይ ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ ኣልራስ ብዝብል ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ ጥቓ እቶም ፍሉጣት መስሕባት በጻሕቲ ዝዀኑ ዕዳጋታት ወርቅን ቀመማትን እታ ከተማ ይርከብ።
ሲቪላዊ ምክልኻል ዱባይ፡ ‘ዘ ናሽናል’ ንዝተበሃለ ጋዜጣ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ባርዕ ሓዊ መርመራ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ወነንቲን ነበርትን ናይቶም መንበሪን ንግዳውን ህንጻታትን፡ ሓደጋታት ንምክልኻል ኣቐዲሞም ናይ ጸጥታን ድሕነትን ጠለባትን መምርሕታትን ምሉእ ብምሉእ ክኽተሉ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ኣረዲኡ።
ካብቶም ዝሞቱ ኣርባዕተ ህንዳውያንን ሰለስተ ፓኪስታናውያንን ምዃኖም ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።
ሳሊንጋ ጉዱ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ን ‘ዘ ናሽናል’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ ግዝኣት ታሚል ናዱ ህንዲ ዝመጸ ሰራሕተኛ ዝዀነ ሓዉ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ንዝነበሩ ነበርቲ ንምድሓን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ከምዝሞተ ተዛሪቡ።
"ሓወይ ዝሰርሓሉ ህንጻ ስለዝነበረ ኣዝየ ፈሪሐ። ክሕግዝ ኢሉ ደይቡ፡ ከይተመለሰ ተሪፉ" ይብል።
ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ምፅራይ ብዝተሓሓዝ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







