ኣብ መንበሪ ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ዛጊድ ልዕሊ 70 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ዋንነት እታ ከተማ ዝዀነ ህንጻ ብዘጋጠመ ባርዕ ዛጊት ብውሑዱ 74 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ነቶም ተቐማጦ ናይቲ ህንጻ ከም ዘውጽኡን፡ ምድላይን ምርካብን ሬሳታት ይቕጽል ከም ዘሎን ሰብ መዚ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ህጹጽ ምሕደራ ጆሃንስበርግ ሮበርት ሙላውድዚ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓደ ወዲ 18 ወርሒ ህጻን ዝርከብዎም 12 ህጻናት ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ብውሕዱ 52 ሰባት ከም ዝቖሰሉን ካልኦት ብዙሓት ድማ፡ ካብ መስኮት ብምዝላል ክኸውን ብዝኽእል ናይ ሕቖ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠሞምን ገሊጹ።
ናብቲ ከባቢ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ እቲ ፍጻመ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ምዃኑ ሓቢሩ።
"ነፍሲ ወከፍ በዚ ሓደጋ ዝተሃስየ ሰብ" ዝተሰምዖ ሓዘን’ውን ገሊጹ።
ነበርቲ ናይቲ ኣብ ማእኸል እታ ከተማ ዝርከብ ሓሙሽተ ደብሪ ህንጻ፡ መብዛሕትኦም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ምንባሮም ጸብጻባት ይሕብሩ።
“ስርሒታት ምጥፋእ ባርዕ ምስተኻየደ፡ ህጹጽ ምሕደራ ጆሃንስበርግ ጠንቂ ናይቲ ባርዕ እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ መባእታዊ ምርመራታት ከካይድ እዩ” ክብል ሙላውድዚ ንመርበብ ሓበሬታ ታይምስ ላይቭ ገሊጹ።
ብዙሓት ግዳያት መንነቶም ንምልላይ ከጸግም ይኽእል
ኣብዚ ጽሑፍ ዘለዉ ዝርዝራት ንገለ ኣንበብቲ ዘሰክፉ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ብዙሓት ካብቶም ዝተረኸቡ ሬሳታት ኣዝዮም ስለዝተቓፀሉ መንነቶም ንምልላይ ከጸግሞም ከም ዝኽእል ጸብጻብ ቻነል ተለቬዥን ኒውዝሩም ኣፍሪቃ ሓቢሩ።
"እቶም ካብቲ ህንጻ ክወጹ ክንርእዮም ዝኸኣልና ሬሳታት ንምልላይ ንምእማኑ ዘጸግም ክኸውን እዩ። እቶም ሬሳታት ምስቲ ሃልሃልታ ብቐጥታ ዝተራኸቡ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ክብል፡ ሪፖርተር ኒውዝሩም ኣፍሪቃ ኣያንዳ ንያቲ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ታሪኽ ጆሃንስበርግ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ባርዕ ሓዊ
እቲ ፍጻመ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ኣብ ጆሃንስበርግ ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ባርዓት ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።
እቲ ህንጻ ንኣጠቓቕማ ውሑስ ከም ዘይኰነ ዝተኣወጀ ኣረጊት ህንጻ’ዩ - ግን ከኣ ኣብ ማእከል ከተማ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ ህንጻ ንብዙሓት ሰባት ከካርይዎ ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።
ከምዚኦም ዝበሉ ህንጻታት መብዛሕትኡ ግዜ ማይ ዘይብሎም ኰይኖም፡ ንተኻረይቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምሃብ ዝግበር ብዙሕ ዘይሕጋዊ ምትእስሳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓደጋ ባርዕ ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
ሮበርት ሙላውድዚ ነቲ ፍጻመ ክገልጽ እንከሎ፡ "ንኣስታት 22 ዓመታት ኣብዛ ከተማ ከገልግል ከለኹ ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ደገ እቲ ህንጻ ዓሪዶም ዜና ኣዝማዶም ክሰምዑ፡ ገሊኦም ድማ ካብ ንብረቶም እንታይ ከም ዝደሓነ ክፈልጡ ይጽበዩ ኣለዉ።
ከንቲባ ከተማ ጆሃንስበርግ፡ ነቶም ነበርቲ እቲ ህንጻ ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዕዞምን ተመሳሰልቲ ህንጻታት ድማ ናብ ማሕበራዊ ኣባይቲ ከም ዝቕይሮምን ገሊጹ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
'ኣሓተይ ሞይተን'
ሓደ ካብቲ ባርዕ ዝደሓነ ነባሪ ንቻነል ቴሌቪዥን ደቡብ ኣፍሪቃ ኒውዝሩም ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣሓቱ በቲ ባርዕ ሓዊ ከም ዝሞታ ሓቢሩ።
"ሰባት ካብቲ ህንጻ ክወርዱ ፈቲኖም፡ ብሙሉኡ ሓምሻይ ደርቢ ግን ብባርዕ ተዋሒጡ ነይሩ" ክብል፡ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጹ።
ወሲኹ "ኣሓተይ፡ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣሓተይ፡ ስኢነ። ሕጂ ሞይተን ኣለዋ" ኢሉ፡ እቲ ስሙ ዘይተገልጸ ኣብ ጭንቀት ዝርከብ መንእሰይ።
ንሱ ንባዕሉ ብመስኮት ዘሊሉ ካብ ሞት ከም ዝደሓነ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ደቡብ ኣፍሪቃ ስሕበት ስደተኛታት
እቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ከባቢ ማእከላይ ጆሃንስበርግ፡ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነብሩሉ እዩ።
መብዛሕትኦም ኣብቲ ዝተቓጸለ ህንጻ ዝነብሩ ድማ፡ ወጻእተኛታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይንገር።
ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበያ ቁጠባ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ጎረባብትን ካብ ርሑቕ ሃገራት ኣፍሪቃን ንዝመጹ ሰባት እትስሕብ ኰይና ኣላ።
ንነዊሕ እዋን ሰባት፡ ብፍላይ ኣብ ጽላት ዕደና ስራሕ ክደልዩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክስደዱ ጸኒሖም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ግና እቲ ቁጽሪ ስደተኛታት ወሰኽ ኣርእዩ’ዩ።
ወግዓዊ ስታቲስቲክስ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ 60 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር 2.9 ሚልዮን ስደተኛታት እዮም። እንተዀነ ብዙሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከም ዘለዉ ስለ ዝፍለጥ፡ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ዝዛይድ ክኽውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ካብ 2020 ዝተረኽበ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ካብ ጎረባብቲ ዚምባብወ፡ ሞዛምቢክ፡ ሌሶቶን ማላዊን ዝመጹ ብዙሓት ኣለዉ።
ካብ ሃገራት ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት’ውን ሒደት ኣይኰኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







