‘ሬሳ ወገናትና ሰጊርና ኢና ስዑዲ ዓረብ ኣቲና’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢቢሲ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ ዝኣተወ መንእሰይ ያሕያ ከዘራርቦ እንከሎ፡ ገና ቁስሊ እግሩ ኣይሓወየን ነይሩ።
ኣብ የመን ብደላሎ ተታሒዙ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ገንዘብ ብዝኸፈሉዎም መራሕቲ መገዲ ተሓቢሮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ እንከለው’ዩ ኣብ ዶባት ብጥይት ተሃሪሙ።
እቲ ጥሜትን ጽምእን ዝተፈራረቖ ጕዕዞ ከቢድ እዩ ነይሩ። ነዊሕ ተጓዒዞም ንስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ እናተተስፈው ኣብ ዶብ የመንን ስዑድን ከላሺን ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ጸኒሖምዎም።
“መገዲ ሰዓት ክተርፈና እንከሎ ካብ ርሑቕ ብኽሻፋ ርእዮምና። ኣነ ንሓንቲ ካብተን ኣብ መንገዲ ዝደኸማ ኣሓትና ተሰኪመ እናሰገርኩ ብጥይት ተሃሪመ። ይዅን እምበር ጕዕዞይ ካብ ምቕጻል ኣይዓገተንን።”
ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝብገሱ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ብደላሎ፡ ሸፋቱን ዕጡቓትን እናተሳቐዩ ከምኡ’ውን ገንዘብ እናተሓተቱ ድሕሪ ምምጽኦም፡ ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ሞት ከም ዝተጸበዮም ያሕያ ይገልጽ።
“ክንደይ መንእሰያት ኣብ በረኻታት ተሪፎም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ከም እንስሳ ተደፊኦም ዝቐረዩ ኣይቑጸሩን። መብዛሕትኡ ግዜ ሞርታር እዮም ዝትኩሱ። ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ክሰግሩ ምስ ዝፍትኑ ግን ከቢድ ኣጽዋር ከይተረፈ ይትኩሱ እዮም" ይብል።
ያሕያ ዋላ’ዃ ኣብ እግሩ እንተተሃርመ፡ ሓቦ ገይሩ ዶብ ከም ዝሰገረን ናብ ስዑዲ ክኣቱ ከም ዝኸኣለን ይገልጽ።
ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ሕክምና ምስ ረኸበ ብእግሩ ክኸይድ ክኢሉ ኣሎ፤ እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ ንእሽቶ ዓቐበት ክድይብ ይጽገም እዩ።
ተስፋይ [ስሙ ዝተቐየረ] ከም ያሕያ በዚ መስርሕ ዝሓለፈ ስደተኛ እዩ። ካብታ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ኲናት ዝጸንሐት ትግራይ ተበጊሱ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።
ቅድሚ ናብ የመን ምእታው፡ ነቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘስግሩ ደላሎን መራሕቲ መንገዲን ዝኽፈል ገንዘብ ተሓቲቱ፡ ክኸፍል ግን ዓቕሚ ኣይነበሮን። ስለዚ ክሳብ ነቲ ክፍሊት ዝኸውን ገንዘብ ዝረክብ ኣብ የመን ክጸንሕ ተገዲዱ።
እቶም ስደተኛታት ዝኸፍልዎ ገንዘብ ክሳዕ ዝረኽቡ፡ ደላሎ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ዝኸፍአ መዳጎኒ ቦታታት እዮም ዝጸንሑ።
“ስድራ ቤት፡ ነቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘስግሩ ዝኽፈል ገንዘብ” ክልእኹ ከም ዝሕተቱ ተስፋይ ይገልጽ።
ክፍሊት ምስ ፈጸሙ መራሕቲ ተመዲቦምሎም ናብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ጉዕዞ ይቕጽሉ።
“እንተዀነ ናብ ከባቢ ዶብ ምስ ቀረቡ፡ 'ካብዚ ንላዕሊ ንኽንመርሓኩም ዘኽእል ገንዘብ ኣይተኸፍለልኩምን' ኢሎም ኣብ በረኻ ገዲፎሞም ይምለሱ” ይብል።
“ገንዘብ ከፊልና ክነስና፡ 'ባዕልኹም ስግሩ' ኢሎም ገዲፎም ይኸዱ።"
እቶም ኣብ ጥቓ ዶብ ዝተገደፉ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ዘይፍለጥ ኣኽራንን በረኻን መንገዲ ስሒቶም፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ኣንፈት ይጓዓዙ።
"ባዕሎም ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ክኸዱ ምስ ዝፍትኑ'ዩ ጸገም ዝፍጠር። ገለ ሰባት ቅኑዕ መንገዲ ሒዞም ናብ ስዑዲ ይኣትዉ፡ መብዛሕትኦም ግን መንገዲ ስሒቶም ናብቲ ወተሃደራት ዝርከብዎ ኣንፈት ስለዝኸዱ ይትኩሱሎም። ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ በረኻ ይተርፉ" ይብል እቲ ሬሳ ብዙሓት ሰባት እናረኣየ ምስ ካልኦት 14 ስደተኛታት ዶብ ዝሰገረ ተስፋይ።
"እቶም ወተሃደራት ‘ተመለሱ!' ዝብል መጠንቀቕታ ኣይህቡን። ኣነጻጺሮም እዮም ዝትኩሱ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ብዙሓት ኣብኡ ሞይቶም ይተርፉ። ኣነ ባዕለይ በዚ መንገዲ [ናብ ስዑዲ ዓረብ] ካብ ዝኣቱ ሰለስተ ወርሒ ገይረ ኣለኹ።”
ካብቶም ምስኡ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 15 ስደተኛታት፡ ንሱን ካልእ ሓደ ሰብን ጥራይ’ዮም ካብቲ ተዅሲ ኣምሊጦም ንስዑዲ ኣትዮም።
“ስለዘይንፈልጦ ከመይ ጌርና ክንሰግር ንኽእል? ብዕድል ኢና ወጺእና። እቶም ምሳና ዝነበሩ ገሊኦም ተሃሪሞም ሞይቶም፤ ገሊኦም ድማ ንድሕሪት ተመሊሶም። ካብኣቶም ምሳይ ካብ ትግራይ ዝመጹ ነይሮም። ተሃሪሞምን ቆሲሎምን ንድሕሪት ሃዲሞም። ጥይት ተተኲሱ ክንበታተን ከለና 15 ዝነበርና፡ ክልተ ጥራይ ኢና ሰጊርና" ክብል ተዘክሮኡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
ተስፋይ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዶብ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ዝትኩሱ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ፡ እቶም ሓለውቲ ዶብ ወተሃደራት ከከም ኵነታቱ ካብ ክላሽ ክሳብ ከቢድ ኣጽዋር ይትኩሱ እዮም። ኣብ ዙርያ ዶባት እውን ዕርድታት ኣለዎም።
“ኣብ ዕርድታቶም ኣጻዊዶም እዮም ዝጽበዩ። ካልእ ኣማራጺ ስለዘየለ፡ ቅልቅል ክትብል ከለኻ ይትኩሱ" ይብል።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስደተኛ መሓመድ ሙሲም ሙሜ እዩ፤ ንሱ ብሰንኪ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝነበረ ድርቅን ግጭትን ኣብ 2011 እዩ ናብ ስደት ኣምሪሑ።
ኣብዚ እዋን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት የመን ዝርከብ መሓመድ፡ እቲ ኵነታት “ስዑዳውያን ኣብ ዶባቶም ኣብ ኣየርን ኣብ መሬትን ሰባት ይቐትሉ ኣለዉ” ክብል ይገልጾ።
“ወገናትና ኣብ ኵሉ ቦታ ይቕተሉ ኣለዉ። ብስዑዳውያን ጥራይ ዘይኰነስ ብኣሰጋገርቲ እውን። ሰባት ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዮም ዘለዉ።"
"ንቕተልን ንዕመጽን ኣለና። ደቂ ተባዕትዮ ከይተረፉ’ዮም ዝዕመጹ” ብምባል ኢትዮጵያውያን ዒላማ ዓመጽ ይዀኑ ከም ዘለዉ ይሕብር።
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብኣሰጋገርቲ ተታሊሎም ዶብ ሰጊሮም ሓሽሽ ንከጓዓዕዙ ይግደዱ ከም ዘለዉ ይሕብር።
“እዚ ድማ ቍጽሪ ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝቕተሉ ወገናት ከምዝውስኽ ይገብር ኣሎ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ሬሳታት ሰጊርና ኢና ሓሊፍና’
ያሕያ ኣብ ልዕሊኦም እናተተኰሰ ተሰኪምዋ ዝሰገረ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ብህይወት ተሪፉ ሎሚ ኣብ ሪያድ ትርከብ።
ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ግን ተሃሪሞም ክወድቁን ክሞቱን ከም ዝረኣየ ይዛረብ። ቅድሚኦም ክሰግሩ ፈቲኖም ብዝተተኰሶም ጥይት ተሃሪሞም ኣብቲ በረኻ ዝተረፉ ብዙሓት ሬሳታት ከም ዝረኣየ’ውን ይገልጽ።
“ሬሳ መሊኡ እዩ። ካብ ናይ ጽዕነት መኪና ዝተራገፈ እምኒ እዩ ዝመስል። ምዉታት ሓሊፍካ ኢኻ ትኸድ። ገሊኦም ንብረቶም ምስ ተሰከሙ፤ ገሊኦም ድማ ገለ ካብኣተን ዝደኸማ ደቂ ኣንስትዮ ሓዚሎም እንከለዉ ተሃሪሞም ምስ ወደቑ፡ ሬሳታቶም ተደራሪቡ ይርአ። ዝቝጸር ኣይኰነን። ሬሳታት ብጸሓይ ይቃጸል ኣሎ።"
ያሕያ፡ መብዛሕትኡ እቲ ሬሳታት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ምዃኑ እውን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ደላሎ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘውርድዎ ስቓይን ግህሰትን ካብቲ ብወተሃደራት ሓለዋ ዝፍጸም ከም ዘይንእስ ዝገልጽ ተስፋይ ብወገኑ፡ ዕድመኦም ክሳብ 12 ዓመት ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ግዳያት ክዀኑ ከም ዝረኣየ ይዛረብ።
እቶም ደላሎ ብዘይ ምሕረት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከይተረፉ ካብ ሃገር ክወጹ ብምግባር ኣብ የመን ይእክብዎም። ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ድማ፡ ድራር ጥይት ኰይኖም ይተርፉ ኣለዉ።
"እቲ ካልእ ዓቢ ሰብ'ዩ፤ እዞም ደቂ 12ን 13ን ዓመት ህጻናት ኣብ በረኻ ክተርፉ ምርኣይ ግን ዘሕዝን'ዩ። ካብቶም ቅድመና ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ብጥይት ዝተቐተሉ ርእየ’የ" ይብል።
"እቶም ሓለውቲ ዶብ ዝትኩስዎ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ብዝሒ ሰባት ዝምርኮስ’ዩ። ብዙሕ ሰብ እንተርእዮም መድፍዕ ይጥቀሙ። ውሑዳት እንተርእዮም ስናይፐርን ሞርታርን ይጥቀሙ። ኣነ ክሰግር እንከለኹ፡ ብቑጽሪ ክገልጾ ዘይክእል ሬሳታት ደቂ ዓደይ ከይተረፈ ርእየ ኣለኹ። ብዙሓት ካብቶም ቅድመና ክሰግሩ ዝፈተኑን ምሳና ዝነበሩን ምማቶም እናረኣና ሂወትና ከነድሕን ንጎዪ ነይርና" ይብል።
ድሕሪ’ዚ ዅሉ መስዋእቲ’ኸ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህይወቱ ኣብ ሓደጋ አእትዩ፡ ሬሳታት ሰጊሩ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝሰገረ ዝገልጽ ተስፋይ፡ ድሕሪ’ዚ ዅሉ ስቓይ ኣብ ሓዘንን ጣዕሳን ይርከብ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ኵነታት ከምቲ ቅድሚ ናብ ስደት ምኻዱ ዝስምዖን ዝሓስቦን ዝነበረ ስለዘይረኸቦ እዩ።
“እቲ ጣዕሳ ክወጻለይ ኣይከኣለን። ኣብዚ መጺአ እቲ ዝሓሰብክዎ ኣይረኸብኩን፤ ስራሕ የለን። ብጸሓይ ንቃጸል ኣለና። ከቢድ ኵነታት እዩ ዘሎ።
"ብኸመይ ከም ዝረኽቦ ኣይፈልጥን እምበር ዝምለሰሉ ዕድል እንተዝረክብ ፈጺመ ድሕር ኣይምበልኩን። እቲ እንኮ ኣማራጺ በቲ ዝመጻእኩሉ መንገዲ ምምላስ ጥራይ'ዩ" ክብል ኵነታቱ ይገልጽ።
ተስፋይ ግቡእ መግቢ፡ ማይን መጽለልን ከይረኸበ ምስ ካልኦት ስደተኛታት ተምሪ በረኻ ይከናኸን ኣሎ። እዚ’ውን እንተ ተረኺቡ እዩ። ንሰሙናት ወይ ንኣዋርሕ ሽቕለት ኣልቦ ኰይኖም ክሳቐዩ ይኽእሉ እዮም።
ብተመሳሳሊ ያሕያ’ውን፡ "ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፤ ስራሕ ዝበሃል የለን። መብዛሕትኦም ኣስሪሖም ደሞዝ ዝኽልክሉ እዮም። ብፍላይ ድማ ሰሪሐን ዘይክፈለን ደቂ ኣንስትዮ ብዙሓት ኣለዋ። ኣነ ግን ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ሰሪሐ ተኸፊለ እየ፤ ዘለኽዎ ቦታ ግን በረኻ’ዩ" ይብል።
ንሱ’ውን ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝደሊ ብጣዕሳ ይዛረብ። ግን ነዚ ዕድል ምርካብ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይፈልጥ’ዩ።
ካብ በረኻ ናብ ከተማ ምእታው ካልእ ዋጋ ዘኽፍል ክኸው እንከሎ፡ በቲ ዝመጻሉ ቦታ ዳግማይ ዶብ ክትሰግር ምፍታን ድማ ንሞት ዘቃልዕ እዩ።
ያሕያን ተስፋይን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ቆላሕታ ስለዘይሃቦ ህይወት ኣሽሓት ኣብ በረኻ ይጠፍእ ከምዘሎ ይገልጹ።
"ሓበሬታ ስለዝሰኣነ ዘይኮነስ ንዜጋታቱ ስለዘይሓሊ እዩ" ብማለት ነቶም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘስካሕክሕ ኵነታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ህጹጽን ነባሪን ፍታሕ ክህብ ብዘይምኽኣሉ ይወቕሱዎ።
ብዛዕባ እቲ ቅትለት እንታይ ተባሂሉ?
ስራሕ ደልዮም ዝጓዓዙ ኢትዮጵያውያን ከም መተሓላለፊ ኣብ ዝጥቀሙሉ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ብዙሓት ስደተኛታት ኮነ ተባሂሉ ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ይቕተሉ ከም ዘለዉ 'ሚድል ኢስት ኣይ' ዝተበሃለ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።
ዓለምለኻዊ መርበብ መጽናዕትን ትንተናን ስደት ‘ሚክስድ ማይግሬሽን ሰንተር’ ብ5 ሓምለ 2023 ዘውጽኦ መጽናዕቲ መሰረት ብምግባር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ "ደለይቲ ስራሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብስናይፐርን ሞርታራትን ዒላማ ይዀኑ ኣለዉ" ይብል 'ሚድል ኢስት ኣይ'።
‘ሚክስድ ማይግሬሽን ሰንተር’ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳያት እቲ ቅትለት ዝዀኑ ስደተኛታት ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማትን ኲናትን ካብ ሃገሮም ተመዛቢሎም፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብባሕሪ ናብ የመን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብሓለውቲ ዶብ ይቕተሉ ከም ዘለዉ የብርህ።
ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ብፍላይ ካብ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ጀሚሩ ሓደገኛ እናዀነ ከም ዝመጸ ይንገር፤ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 30 ሚያዝያ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ ዳርጋ 430 ሰባት ከምዝሞቱን 650 ድማ ከምዝቘሰሉን 'ሚድል ኢስት ኣይ' ይሕብር።
እቲ ቅትለትን መጥቃዕትን ኣብ የመን ኣብቲ ዕጡቓት ሑቲ ዝቈጻጸርዎ መስመር ኣልጀውፍ ከም ዝፍጸምን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ጂዛን እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጥምን እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።
ኣቐዲሙ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ ስክፍታ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2022፡ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ብዝምልከት ሓያሎ ፍሉይ ጸብጻባት ኣውጺኡ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ትካል፡ 30 ሚእታዊት ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ 7 ሚእታዊ ድማ ህጻናት እዮም።
ኣብቲ ከባቢ ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ኣጸጋሚ ብምዃኑ፡ ኣባላት ሕክምና ነቶም ዝተጎድኡ ክሕግዙ ኣይከኣሉን።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝፍጸም ተዅሲ ዝተጐድኡ ሰባት ሕክምና ክረኽቡ ዝከኣሎም ዝጽዕሩ’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ግን ዓቕሙ ድሩት እዩ።
ብመሰረት ‘ሚክስድ ማይግሬሽን ሰንተር’፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለትን ግህሰታትን ኣድማዒ መርመራ ኣይተኻየደን።
ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ኣብ ጅዳ ካብ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያን ብተሌፎንን ብኢመይልን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ብተወሳኺ፡ ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ መብርሂ ክንሓትት ዝጸሓፍናዮ ኢመይል፡ ክሳዕ እዚ ጽሑፍ ዝተሓትመሉ ዕለት መልሲ ኣይተረኸበን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







