ስደት ኣፍሪቃውያን ንፖለቲካ ኤውሮጳ ይጸልዎ ኣሎ ድዩ?

ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ኣብ ኣረግቶት ጀላቡ ክሳፈሩ ድሉዋት ዝዀኑ ሒደት ኣይኰኑን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ኣብ ኣረግቶት ጀላቡ ክሳፈሩ ድሉዋት ዝዀኑ ሒደት ኣይኰኑን

ቁጽሪ ናይተን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ስደተኛታት ጽዒነን ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግራ ጀላቡ ብቕልጡፍ ይውስኽ ኣሎ።

ኤውሮጳ ድማ ነዚ ጃምላዊ ፍለሰት ክትምክት እናተቓለሰት ትርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ቱኒዝያ፡ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ንጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ዝብገሱላ ሃገር ኮይና ኣላ።

ኣብዛ ሃገር ድማ ተስፋን ሕልምን ከምኡ’ውን ተስፋ ምቑራጽ ኣሎ።

መሓመድ "ቢቢ" ላይን ባሪ፡ ካብ ዓዱ ሴራሊዮን 5000 ኪሎሜተር ተጓዒዙ ዝመጸ’ዩ።

“ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ክኸውን ጥራይ’ዩ ድልየተይ” ይብል። “ብቑዕ ምኾንኩ ነይረ” ክብል ምእንቲ ንስድርኡ ሕልሙ ናብ ጋህዲ ክቕይር ከም ዝደሊ ይገልጽ።

“ሕልመይ ኣሜሪካ ከይደ ኩዕሶ ሰኪዔት ምጽዋት'ዩ።"

ቁሩብ ካብቲ ገማግም ባሕሪ ርሕቕ ኢሉ ግን፡ ንሱ ምስ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ክገብሮ ዝሓሰበ ጉዕዞ ባሕሪ ሓደጋታት ከም ዘለዎ መዘኻኸሪ ኣሎ።

ሕልሚ መሓመድ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ምዃን'ዩ
መግለጺ ስእሊ, ሕልሚ መሓመድ ተጻዋታይ ኩዕሶ ሰኪዔት ምዃን'ዩ

ኣብቲ መራኽብ ኣብ ወደብ ላ ሉዛ ጠጠው ዝብላሉ ቦታ መርበበባት ዓሳ ኣሎ። ካብ መንጎ እዞም መርበበባት መዓልታዊ ዝገፍዎም ነገራት ግን ሬሳታት ይርከቡ - ሬሳታት ናይቶም እተን ኣረግቶት ጀላቡ ክጥሕላ ወይ ክግልበጣ ከለዋ ዝሞቱ ስደተኛታት።

ዋሂድ ዳሄች ኣብዚ "ደላዪ ሬሳ" ተባሂሉ ይፍለጥ። ሰባት ሬሳ ምስ ረኸቡ ይነግርዎ’ሞ ንሱ ድማ ንሰበስልጣን የፍልጥ። እዚ ስርሑ ከም ዝዀነ ዋሂድ ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ገለ ኣወዳት ክሕንብሱ እንከለዉ ሬሳ ሓደ ህጻን ረኺቦም እዮም።

ምስ’ዚ ኹሉ ግን ኣብተን ኣረግቶት ጀላቡ ንምድያብ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ድሉዋት ዝዀኑ ሰባት ኣይሰኣኑን።

መብዛሕትኦም ናብ ጣልያን ገጾም እዮም ዝኸዱ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 72 ሽሕ ሰባት ሰጊሮም ኣለዉ። እዚ ድማ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ዕጽፊ እዩ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ተስፋ ቆሪጾም ካብታ ኣህጉር ዝሃድሙ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃውያን እዮም። ፖለቲካ ኤውሮጳ ንኽቕየር ድማ ምኽንያት እናዀኑ ይርከቡ።

ናብ ኤውሮጳ ክሰገራ ዓቕሚ ዘይብለን ዝተደርበያ ጀላቡ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ
መግለጺ ስእሊ, ናብ ኤውሮጳ ክሰገራ ዓቕሚ ዘይብለን ዝተደርበያ ጀላቡ ኣብ ገማግም ቱኒዝያ

ሓዳስ የማናዊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ እገዳ ሓይሊ ባሕሪ ክትገብር ቃል ብምእታዋ ዝተመርጸት እያ - እዚ ድማ ምስቲ ሪሺ ሱናክ፡ ጀላቡ ንኢንግሊዝ ቻነል ከይሰግራ “ደው ከብል” ዝኣተዎ መብጽዓ ዝመሳሰል’ዩ።

መብዛሕትኦም ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት መዕለቢኦም ኣብ ሲሲሊ እዩ። ሓድሽ ዝተመርጸ ከንቲባ ካታንያ ኤንሪኮ ትራንቲኖ ድማ መሻርኽቲ ሜሎኒ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ከንቲባ፡ ዞባኡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ክጻወር ምጽባይ ምስሉይነት ምዃኑ ይገልጽ።

"ናብዚ መጺኦም ኩሎም ዝሓሸ ህይወት ንኽህልዎም ዘድልዮም ደገፍ ክረኽቡ ዘይከኣል’ዩ" ይብል።

ኣብ ሓደ እዋን ምስ ርሑቕ የማናዊ ኢጣልያ ምትእስሳር ኣለዋ ተባሂላ ትውቀስ ዝነበረት ሜሎኒ፡ ሕጂ ከም ኣካል "ጋንታ ኤውሮጳ" ተሓቚፉ ኣላ። ከምዚ ኢላ ዝገለጸታ ድማ እታ ኣብ ቀረባ እዋን ምስኣ ብሓባር ናብ ቱኒዝያ ምብጸሕ ዘካየደት ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን እያ።

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ሳይድ ጀላቡ ከይሰግራ ደው ንምባል እንተሓጊዙ ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ ደገፍ ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩሉ ኣሎ።

እዚ ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ኣካታዒ እዩ - ምኽንያቱ ስዒድ ዓሌታዊ ጽልኢ ኣለዓዒሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ መራሒ’ዩ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ሃገሩ ንኣዕራብ ውሽጢ ዓዲ ብጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ንምትካእ ውዲት ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ስምዒት ጸረ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ኣይኰነን ዘሎ። ኣብ ጀርመን፡ እቲ ርሑቕ የማናዊ ሰልፊ ኤኤፍዲ ጽልውኡ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ዳህሳስ ምስቲ ዘመሓድር ዘሎ ሰልፊ ቻንስለር ሾልዝ ዝዀነ ሶሻል ዲሞክራትስ ተቐራራቢ ተቐባልነት ከም ዘለዎ የመልክት። መረጻታት ዝካየደሉ ግዜ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ድማ፡ እዚ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ግዝኣት ባቫርያ ጀርመን እትርከብ ሮዘንሃይም ናይ ብዙሓት ስደተኛታት ቀዳመይቲ መዕረፊት እያ። ኣብ 2015 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶርያውያን ስደተኛታት ንፈለማ እዋን መሬት ጀርመን ዝረገጹ ኣብ ሮዘንሃይም እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ቅልውላው፡ ጀርመን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ’ያ።

ጀርመን ካብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጀርመን ካብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ዝሃደሙ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ

መራጽቲ ኣብ ክንክን ጥዕና፡ ቤት ትምህረቲን ኣባይትን ሕጽረት ዘጋጥም ዘሎ ብሰንኪ ስደተኛታት እዩ ኢሎም ብቐሊሉ ክእመኑ ከም ዝኽእሉ ከንቲባ ሮዘንሃይም ኣንድርያ ማርዝ ትገልጽ።

እቲ ግርምቢት ዝዀነ ነገር ግን ሃገራት ኤውሮጳ - ብፍላይ ጣልያንን ጀርመንን - ዝያዳ ሰባት፡ ዝያዳ ሰራሕተኛታት የድልየን’ዩ።

መንግስቲ ጀርመን እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘይሕሰብ ዝነበረ ሓሳብ ይሓስብ ኣሎ፤ ኣብታ ሃገር ዝርአ ከቢድ ሕጽረት ሰራሕተኛ ንምፍታሕ እቶም ክሳዕ ጠለባቶም ዝፍጸም ስራሕ ከይሰርሑ ዝተኸልከሉ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ስራሕ ዝኣትውሉ መንገዲ ንምምችቻው ሓሳብ የቕርብ ኣሎ።

ይኹን እምበር ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ መራጽቲ ፖለቲከኛታቶም ንህዝቦም ቀዳምነት ክህቡ ጸቕጢ እናገበሩ ይርከቡ።

መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈረሰሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣመሓዳሪ ጥምረት ኣብ ሓድሽ ገደብ ፍልሰት ክሰማማዕ ስለዘይከኣለ እዩ።

እተን ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ዓቐን ሊበራል (ኣብ ጽገናዊ ለውጥታት እምበር ኣብ መሰረታዊ ለውጥታት ዘይኣምና) ዝነበራ ሃገራት ስካንዲናቭያ እውን ተሪር ፖሊሲታት ወሲደን ኣለዋ።

ብሶሻል ዲሞክራት ዝምራሕ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 2021 ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ዝርከባ ሃገራት ክግዕዝ ዝፈቅድ ሕጊ ኣጽዲቑ’ሎ።

ንሓንቲ ድኻ ስድራቤት ገንዘብ ንምልኣኽ ወይ እውን ካብ ኲናትን ዓመጽን ንምህዳም ዝዓለመ ሕልሚ ስደተኛታት ዘደንግጾም ውሑዳት እዮም።

እቲ ዘሎ ቁሩብ ድንጋጸ ድማ ነቶም ናብ ኤውሮጳ ክመጹ ዝደልዩ ሰባት መዓጾ ንምኽፋት ናብ ዘኽእል ሓባራዊ ድልውነት ኣይተቐየረን። እኳ ደኣስ ኣንጻር እዚ እዩ ዝዀን ዘሎ።