ቱኒዝያ፡ ስደተኛታት 'ካብ ባልኮኒታት ተደርብዮም'

ጎማ መኪና ዘንድዱ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ቱኒዝያ ኣብ እትርከብ ከተማ ስፋክስ ካብ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ከምዝቘሰሉን ተገሊጹ።

ብሰኑይ ምስ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈጥረ ባእሲ፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ድሕሪ ምቕታሉ እዩ እቲ ናዕቢ ተወሊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ብዙሓት ካብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ካብታ ስፋክስ ዝተበሃለት ቱኒዝያዊት ከተማ ከምዝተሰጎጕ ይግለጽ።

ድሕሪ'ቲ ዝተፈጠረ ጎንጺ ስዒቡ ቱኒዝያውያን ደቂ ተባዕትዮ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ጐማታት ብምንዳድ ንስደተኛታት መንገዲ ክዓጽዉ ተራእዮም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፡ ገለ ስደተኛታት ካብ ባልኮኒ ክድርበዩ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ብሴፍ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ሓደ ዘይመንግስታዊ ጕጅለ ሓቢሩ።

ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከኣ ካብቶም ዒላማ ዝዀኑ ስደተኛታት ይርከብዎም።

ብዙሓት ሰባት ካብታ ከተማ ክወጹ ከምዝተገደዱ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ከተማ ስፋክስ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ደልዮም ናብታ ኣብ ኢጣልያ እትርከብ ደሴት ላምፔዱዛ ብጀልባ ዝጓዙ ስደተኛታት ዝብገሱላ ቀንዲ ቦታ ከምዝዀነት ይፍለጥ።