‘ሕብሪ ቆርበተይ የነጽለኒ ኣሎ’

ካውላ ኪሲኪሲ

ምንጪ ስእሊ, KHAWLA KSIKSI

ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከቡ ስደተኛታት ድሕሪ ምንቃፉ፡ ዝያዳ ተርእዮታት ዓሌታውነት የጋጥመን ከምዘሎ ይገልጻ።

"ኣብ ቱኒዝያ ሰባት ቱኒዝያዊት ምዃነይ ኵሉ ግዜ ኣብ ሕቶ የእትውዎ እዮም" ትብል ካውላ ኪሲኪሲ ዝተባህለት ጸላም ቱኒዝያዊት ተጣባቒት መሰላት።

ኣብ ለካቲት ፕረዚደንት ካይስ ስዒድ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ትሕቲ ሰሃራ "ህጹጽ ስጕምቲታት" ክውሰድ ብምእዛዝ፡ ዲሞግራፊያውን ባህላዊ መንነትን እታ ሃገር ንምቕያር "ገበናዊ ውዲት ይፍትኑ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።

ካብ ሽዑ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዓመጽ ይውስኽ ከምዘሎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር። እቲ መግለጺ ነቶም ካብ 10-15 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ዝዀኑ ጸለምቲ ቱኒዝያውያን ኵነታቶም ኣጋዲድዎ ይርከብ።

ንግዲ ባሮት ኣብ ቱኒዝያ ካብ ዝተርፍ ዳርጋ 180 ዓመት’ኳ እንተቝጸረ፡ እዚ ቍጽሪ፡ ንገለ ዘርኢ ባሮት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ዘጠቓልል፡ ገለ ድማ መበቆሎም ኣዝዩ ንድሕሪት ዝድህስስ እዩ።

ሚስ ክሲክሲ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ሓደ ሓደ ግዜ ብዓረብኛ እዛረብ፡ ኣካል ቱኒዝያ ክኸውን ስለዘይደልዩ ድማ ብፈረንሳ ይምሉሱለይ" ኢላ።

ዓረብኛ ወግዓዊ ቋንቋ ቱኒዝያ ኰይኑ፡ ወ/ሮ ክሲክሲ ግን ብዙሕ ግዜ ክትዛረቦ ከላ ከም እትነጽገም ትዛረብ፤ ምኽንያቱ ካልኦት ሰባት ምስኣ ናይ ሓድነት ስምዒት ኣፍልጦ ክህቡ ስለዘይደልዩ።

ቋንቋ ፈረንሳ ምስ ፍሉይ ዕድልን ትምህርትን ዝተኣሳሰር'ኳ እንተዀነ፡ "ናይ ደገ" እውን እዩ፡ ስለዚ ሰባት ብፈረንሳይኛ ክምልሱላ ከለዉ፡ ቱኒዝያዊት ከምዘይኰነት ብንጹር ይገልጹ ኣለዉ።

መስረቲት ‘ድምጽታት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ’ ዝዀነት ሚስ ክሲክሲ፡ ነቲ ‘ጸለምቲ ቱኒዝያውያን የለዉን’ ዝብል ግጉይ ኣረኣእያ ክትምጕት ትደሊ።

"ኣብ ልዕለይ [ንዓይ ዝመስሉ ሰባትን] ኣዝዩ ሰፊሕ ዓመጽ'ኳ እንተሃለወ፡ ቱኒዝያዊት ከምዝዀንኩ እዩ ዝስምዓኒ" ትብል እታ ጓል 31 ዓመት።

"ከም ቱኒዝያውያን ኣይኰኑን ዝሕዙና፡ ንነብሶም ድማ ከም ኣፍሪቃውያን ኣይቈጽሩን።"

ንሳ ከምእትብሎ፡ ቱኒዝያ ዋላ'ኳ ኣብ 1956 ካብ ፈረንሳ ናጽነት እንተረኸበት፡ ቱኒዝያውያን ንባዕሎም ከም ኣውሮጳ ክረኣዩ ይደልዩ" ትብል።

ንጸለምቲ ድማ “ረሰሓትን ርኹሳትን" እዮም ዝብል መግዛእታዊ ኣረኣእያ ድማ ይቕጽል ከምዘሎ ትምጕት።

"ስለዚ ኢና ኣብ ቱኒዝያ ዓቢ ቅልውላው መንነት ዘለና። ኣብ ወረቐት ናጽነት ነይሩና፡ እቲ መግዛእታዊ ፖለቲካ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ቦታኡ ኣሎ።"

ኣብዚ ጉዳይ ተቓውሞ ንምስማዕ ናብ ኣደባባይ ዝወፅኡ ቱኒዚያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጸለምቲ፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስልጣን ዘይምህላዎም፡ ነቲ ‘ጸለምቲ ዜጋታት ቱኒዝያ የለዉን’ ዝብል ሓሳብ ዘደልድል እዩ ኢላ ትኣምን።

"ስለዚ ከም ጸለምቲ ቱኒዝያውያን እዅላት ምዃንና ብቐጻሊ ከነረጋግጽ ኣለና" ትብል ሚስ ክሲክሲ።

ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከቢድ'ዩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምዃኑ ትዛረብ።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኩሎም መምህራን ኣብ ኣእምሮኦም ‘ጸለምቲ ሰባት ብዙሕ በላሕቲ ስለዘይኰኑ፡ ኣነ ክትቀድሕ እያ’ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ ነጥቢ ክረክብ ነይሩኒ።"

እታ ኣክቲቪስት ጽቡቕ ትምህርቲ ክትረክብ ዘኽእላ ገንዘባዊ ዓቕሚ ከም ዝነበራ፡ እዚ ፍሉይ ዕድል ግን ብዙሕ ግዜ ክትንጸል ከምዝገበራ ትዛረብ፡ "ኵሉ ግዜ ኣብቲ ክፍሊ እንኮ ጸላም ሰብ ምዃንካ፡ ከም እትግለልን ንበይንኻን ከም ዝስምዓካን ይገብር።"

"ኵሉ ነገር ጻዕዳ ኰይኑ ይስምዓኒ፡ ኣነ ድማ ጸሊም ነጥቢ።"

ልክዕ ከም ሚስ ክሲሲ፡ ሁዳ ምዚዮደት፡ እቲ ጸገም ሕብረተሰብ ቱኒዝያ ኣብ "ሓደ ዓይነት ሃገራውነት" ዝተሃንጸ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ዓሌትነት ምዝታይ ዘየፍቅድ ምዃኑን ትዛረብ።

"ኣብ ቱኒዝያ ኣዝዩ ዝያዳ ዘሰክፍ ነገር እንተሃልዩ፡ ዓሌትነት ንርእሱ ዘይኰነስ፡ ዘስካሕክሕ ተመኵሮ ዓሌትነት ከይዝረብ ዝኽልከለሉ ‘ዓሌትነት ምኽሓድ' እውን ዩ፡" ትብል እታ ጓል 46 ዓመት ተመራማሪትን መምህርን።

ንመግለጺታት እቲ ፕረዚደንት ኣመልኪታ፡ ሚስ ምዚዮደት ሓዊሱ ገለ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ቱኒዝያ፡ ኣብ ፌስቡክ "ዝዀነ ዀይኑ ወረቓቕተይ ክሕዝ" ዝብል ጐስጓስ ተሳቲፈን።

እዚ ዝገብሩ ፓስፖርቶምን መለለዪ መንነቶምን ቱኒዝያውያን ምዃኖም ንምርኣይ ኰይኑ፡ ግን ከኣ ምስ ጸለምቲ ስደተኛታት ምትሕግጋዝ እውን ይገብሩ ነይሮም።

ምዚዮደት ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝ ተወሊዳ፡ እንተዀነ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ስለዝዓበየት፡ ኣብ 1980ታት ‘ሓውሲ ባርነት’ ዝረኣየትሉ ቦታ እዩ።

እቲ ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ምሻጥ ዘጠቓለለ ንግዲ ባሮት ኣብ ቱኒዝያ ብ1846 ተኣጊዱ፤ እቲ ጽልዋኡ ግን ምስኦም ይነብር ኣሎ።

"ንጸለምቲ ሰባት ባሮት ዘይኰነስ ኣብ ክንድኡ ‘ኣገልገልቲ’ ኢሎም ዝጽውዑ'ኳ እንተዀኑ፡ መቐጸልታ ዘቤታዊ ባርነት ተራእዩ'ዩ - ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንጸሊም ሰብ ንምምልካት እትገልጽ ናይ ቱኒዝያ ዓረብኛ ቃል 'ወሲፍ' ምባል የዘውትሩ" ትብል ሚስ ምዚዮደት።

ቱኒዚያ ንዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ 2018 ከም ገበን እንተኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዋላ'ኳ ፍሉይ ድሕረ ባይታ እንተሃለዋ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትጽቢታት ሞያ ንጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ሳዕስዒት ወይ ደርፊ ዝኣመሰሉ ነገራት - "ወይ ከም ምንዝርና" ዝኣመሰሉ ነገራት ጥራይ ከምዝጽበየን ትዛረብ።

“ካብቲ ስእሊ ንነብሰይ ሓራ ንምውጻእ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ" ትብል።

ንወ/ሮ ምዚዮደት፡ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ ስደተኛታት ትሕቲ ሰሃራ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣንጻር ጽድያ ዓረብ ምዃኑ ትኣምን።

ኣብ 2011፡ ኣብ ጐደናታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ማዕበል ተቓውሞታት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ፕረዚደንት ዜን ኣል ዓቢዲን ቤን ካብታ ሃገር ሃዲሙ።

ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ምልካዊ ስርዓት ድማ ዲሞክራሲ ምትእትታው ተራእዩ ነይሩ።

ቱኒዝያ ኣብ 2018 ዓሌታዊ ኣድልዎ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ቱኒዛውያንን ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ዝፍጸም ዓሌትነት ከም ገበን ዝቘጽር ፍሉይ ሕጊ ኣጽዲቓ።

ኣብ ዞባ ዓረብ ብፍሉይ ብዓሌታዊ ምኽንያት ዝግበር ኣድልዎ ‘ገበን’ ዝገበረት ፈላመይቲ ሃገር ኰይና።

ክልቲአን፡ ወ/ሮ ክሲክሲን ሚስ ምዚዮደትን፡ እዚ ሕጊታት እዚ'ኳ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ቱኒዝያውያን ዘጋጥሞም ኣድልዎ ክቕጽል ከምዝፈቐደ ይዛረቡ።

ኣብ ለካቲት፡ ኣማኢት ሰባት ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ጸለምቲ ቱኒዝያውያንን ንምድጋፍ ናብ ጐደናታት ቱኒዝ ወጺኦም፡ እዚ ድማ እቲ መንእሰይ ወለዶ ለውጢ ክርኢ ከምዝደሊ ተስፋ ከምዘሎ ዘርኢ ኣወንታዊ ምልክት እዩ ትብል ሚስ ምዚዮደት።

"ኣብ ማእከል ከተማ ቱኒዝ ካብ ዝካየዱ ዝነበሩ ዓበይቲ ሰልፍታት ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ጸለምቲ ዘይኮኑ ቱኒዝያውያን ዝቘመ ኰይኑ፡ ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ እዩ ዝብሉ ዝነበሩ ሰልፊታት ምርኣየይ ንብዓት ፈጢሩለይ" ትብል።

"እቲ ጉዳይ ናይ ሕብሪ ጸሊም ‘ምበር፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ ተረሲዑ"።