ስደተኛታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ናይ ዝተገመቱ 18 ሰባት ሬሳ ኣብ ጫካ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, DIMITRIS ALEXOUDIS/EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ከቢድ ባርዕ ጫካ ኣብ ዘጋጠመሉ ሰሜናዊ ግሪክ ናይ 18 ሰባት ሬሳ ተረኺቡ።
እቶም ግዳያት ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፈናዊ ጸብጻባት ይገልጹ። መርመርቲ ናብቲ ኣብ ጫካ ዳድያ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣቕኒዖም ኣለዉ።
ኣብ ጥቓ ዶብ ቱርኪ ዝርከብ ከባቢ ሰሜን ምብራቕ ግሪክ ብተደጋጋሚ ባርዕ ጫካ ከጋጥም ጸኒሑ'ዩ።
ካብቶም ናብ መርከብ ክግዕዙ ዝተገበሩ ዜጋታት ዕሸላትን ኣብ ጽኑዕ ክንክን ዝርከቡ ሕሙማትን ይርከቡዎም።
ሰራሕተኛታትን ተሓከምትን ኣብ ከተማ ኣለክሳንድሮፖሊስ ዝነበረ ሆስፒታል ኣብ ወደብ ናብ እትርከብ መርከብ ክግዕዙ ተገይሩ።
ከቢድ ንፋስን ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንትግሬድ ዝበጽሕ ሙቐትን ዝፈጠሮ ባርዕ ጫካ ንብዙሕ ከባቢታት ግሪክ ኣጥቂዑ ኣሎ።
ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ኣብቲ ጫካ ዝበዘሖ መዕቆቢ እንስሳት ኣለክሳንድሮፖሊስ ባርዕ ጫካ ከምዝተጋፈሐ ይግለጽ። ነበርቲ እቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ክወጹ ድማ ናይ ህጹጽ እዋን መልእክቲ ናብ ቴሌፎኖም ተላኢኽዎም።
ቅድሚ እዚ ናይ ሕጂ ዜና፡ ስደተኛ ከምዝኾነ ዝግመት ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝሞተ ተገሊጹ ነይሩ።
ብሰኑይ ድማ ፖሊስ ኣብ ገጠር ኣቫንታስ ዳህሳስ ኣብ ዘካይዱሉ ኣብ ጥቓ ሓደ ጉጂ [ኣጉዶ] ገዛ ናይ 18 ሰባት ሬሳ ረኺቦም።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝጠፈአ ነባራይ ብዘይምህላዉ፡ እቶም ሬሳታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጠቒሱ።
እቶም ሬሳታት ኣብ ክልተ ጉጅለ ከምዝተረኸቡን ቁጽሪ ግዳያት ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእልን ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ኩሎም በቲ ባርዕ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ኣለሻ ይካየድ ከምዘሎ ሰብ ሞያ ምጥፋእ ሓዊ ገሊጾም።
ግዝኣት ኢቭሮስ ስደተኛታት ሶርያን እስያን ካብ ቱርኪ ብሩባ ኢቭሮስ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝሓልፉሉ ቀንዲ መንገዲ እዩ። ጫካ ዳድያ ድማ ስደተኛታት ዝመርጽዎ መንገዲ እዩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ናይ ወጻኢ ስልኪ ዘለዎም ሰባት ሓዊሱ ናብ ኩሎም ሰባት ናይ መጠንቀቕታ ምልእኽቲ ከምዝተልኣኸ እዩ ዝገልጽ። ንስደተኛታት ዝሕግዝ ጉጅለ እውን ንብዙሓት ስደተኛታት ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ከምዝሓተተ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ጥራሕ ኣብ ግዝኣት ኢቭሮስ፡ 380 ሽሕ ኤከር መሬት በቲ ባርዕ ነዲዱ። እቲ ባርዕ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝቕጽል ዘሎ ኮይኑ፡ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ሰሜን ምዕራብ ኣተንስ ካብ ከባቢኦም ክወጹ ተነጊርዎም ኣሎ።
ኣብ ዙርያ ኣብ ጎቦ ፓርኒታ ኣብ ዝርከብ ታሪኻዊ ገዳም ብዘጋጠመ ባርዕ 50 ደቂ ኣንስትዮ ፈለስቲ መውጽኢ ስኢነን ከምዘለዋ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ማእከላይ ግሪክ ካብ ዝርከባ ደሴታት ኢቭያን ቦይትያን እውን ብዙሓት ነበርቲ ክግዕዙ ተገይሩ።
ኣብ ምዕራብ ኣቴንስ ብተመሳሳሊ ሓያሎ መኽዘናት ዝነደዱ ኮይኖም እቲ ከባቢ ብትኪ ተሸፊኑ ተራእዩ።
ብካልእ ዜና ፈረንሳ ብድሕሪ እቲ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ዝተርኣየ ከቢድ ዋዒ፡ ብሰኑይ ዝለዓለ መጠን ሙቐት ኣመዝጊባ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







