ብደርሁ ዝተረኽበት፡ ንዘመናት ተቐቢራ ዝነበረት ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትሕቲ ኣኻውሕ ካፑዶሽያ፡ ቱርኪ፡ ልዕሊ 85 ሜትር ንታሕቲ ዝተቐበረትን ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ጥቕሚ ዘይነበረትን ዓባይ ትሕተ-ምድራዊት ከተማ ትርከብ።
ብ 'ጐልጐል ፍቕሪ ካፑዶሽያ' ክጓዓዝ እንከለኹ፡ ብርቱዕ ንፋስ ነቲ ሓመድ ናብ ኣየር የዕርጎ ነበረ። ሮዛን ብጫን ሕብሪ ዘለዎም ኩርባታት ነቲ ዓሚቚ ስንጭሮ ዝበዝሖ መልክዓ ምድሪ ኣወቂቦምዎ፡ ካብ ርሑቕ ድማ ኣዕምዲ ኣኻውሕ ይረኣዩ።
ደረቕን ውዑይን ንፋስ ዝነፍሶ ኰይኑ ጽባቐኡ ግን ፍሉይ እዩ። ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዘጋጠመ እሳተ ጐመራ ነቶም ከቢቦምኒ ዘለዉ ኣብ ርእሶም ቅርጺ ቃንጥሻ ዝመስሉ ኣኻውሕ ዝፈጠሮም ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ማእከላይ ቱርኪ ዝመጽኡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ በጻሕቲ ንእግሪ ጕዕዞ ወይ ብተንሳፋፊ ባሉን ንዝግበር ናይ ኣየር ጕዕዞ ይመርጽዎ።
ኣብ ትሕቲ መልክዓ ምድሪ ካፑዶሺያ ግን፡ ሓደ መስተንክር ንዘመናት ተሓቢኡ ጸኒሑ’ሎ። ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 20,000 ሰባት ሃለዋቶም ክሓብኡላ ዝኽእሉ ከተማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኻውሕ ተቐቢራ ትርከብ።
እታ ሎሚ ብደሪንኩዩ እትፍለጥ ጥንታዊት ከተማ ኤለንጉቡ፡ ካብ ጽፍሒ-ምድሪ ልዕሊ 85 ሜትር ተቐቢራ ትርከብ ኰይና፡ 18 ደረጃታት ገለርያ ዝሓዘት እያ። እዛ ኣብ ዓለም ብዅዕታ ዝተረኸበት ዝዓበየት ከተማ ትሕቲ መሬት፡ ንኣሽሓት ዓመታት ዳርጋ ብቐጻሊ ኣብ ጥቕሚ ትውዕል ነይራ።
ኣብ መወዳእታ ግን ብ1920ታት ካፑዶሽያውያን ግሪኽ፡ ኣብ እዋን ኲናት ግሪኽ-ቱርክ ስዕረት ምስ ኣጋጠሞምን ኵሎም ናብ ግሪኽ ምስ ሃደሙን ጥርሓ ተሪፋ። እቶም ኣማኢት በዓትታት ማይላት ዝተዘርግሑ በዓቲ-መሰል ክፍልታት ጥራይ ዘይኮኑስ፡ እተን ኣብቲ ዞባ ዝተረኽባ ካልኦት ንኣሽቱ ልዕሊ 200 ትሕተ-ምድራዊ ከተማታት እውን ምስዞም ገለርያታት ዝተሓሓዝ ትሕተ-ምድራዊ መርበብ ዘለወን ክኾና ከምዝኽእላ ይሕሰብ።
ንዑደተይ ዝመርሕ ዘሎ ሱሌማን ከምዝሓበረኒ፡ ከተማ ደሪንኩዩ "ዳግማይ ዝተረኸበት” ኣብ 1963 ኰይኑ ብሓደ ኣብቲ ከባቢ ደርሁ ዘፍርን እናጠፍእኦ ይጽገም ዝነበረን ስሙ ዘይተገልጸ ውልቀሰብ እዩ። ገዛኡ ኣብ ዘሐድሰሉ ዝነበረ እዋን፡ እተን ደርሁ ኣብ እዋን ዳግመ-ምህናጽ ብዝተፈጥረ ንእሽቶ ነቓዕ ኣቢለን ይጠፍኣሞ ፈጺሙ ክረኽበን ኣይክእልን ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, RalucaHotupan/Getty Images
እቲ ቱርካዊ ነቲ ኵነታት ክከታተሎ ምስ ጀመረን ኵዕታ ምስ ኣካየደን ሓንቲ ጸልማት መሕለፊት ረኸበ። እዚ ፈላማይ ርኽበቱ ድማ ናብ ትሕተ-ምድራዊት ከተማ ደሪንኩዩ ዝወስዱ ካልኦት ልዕሊ 600 መእተዊታት ምስ ብዙሓት መንበሪ ገዛውቲ ክቃልዑ ምኽንያት ኮነ።
ሽዑ ብቕልጡፍ ኵዕታ ምስተጀመረ፡ ናይ ትሕቲ መሬት መንበሪ ኣባይቲ፡ ደረቕ መኽዘን መግቢ፡ ደምበ ጥሪት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ እንዳ ወይኒን ቤተ ጸሎትን ዝሓቘፈ ዝተሓላለኸ መርበብ ተረኺቡ። እዚ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሓብአ ምሉእ ስልጣነ እዩ ነይሩ። ኣብ 1985 ድማ እታ ዞባ ኣብ ዝርዝር ቅርስታት ዓለም ዩኔስኮ ክትሰፍር በቕዐት።
እታ ከተማ መዓስ ከምዝተሃንጸት ዝሕብር ሓቀኛ መረዳእታ ክሳብ ሎሚ’ኳ እንተዘይተረኸበ፡ እታ ብግሪካዊ ፈላስፋን ጸሓፍን ኣብ ከባቢ 370 [ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ] ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኣናባሲስ ዘርእስታ መጽሓፍ እታ ንደሪንኩዩ እትጠቅስ ነዊሕ ዕድመ ዘቝጸረት መጽሓፍ ከምዝዀነት ይእመን።
ኣብታ መጽሓፉ ነቶም ኣብ ከባቢ ካፓዶሺያ ኣብ ገደል ኣብ ዝርከቡ በዓቲታት ዝነብሩ ዝነበሩ ኣናቶልያውያን ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፍሎሪዳ ስቴት ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ክላሲካዊ መጽናዕትታት ኣንድርያ ደጅዮርጊ ከም ዝብሎ፡ ካፓዶሽያ ኣብ ከርሳ ማይ ስለዘይብላን ብቐሊሉ ክጽረብ ዝኽእል ኣኻውሕ ዝሓዘት ብምዃና፡ ነዚ ዓይነት ኣብ ትሕቲ መሬት ዝካየድ ህንጸት ምችእቲ ከምዝዀነት ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Richard Beck/Getty Images
ምስ ምፍጣር ከተማ ደሪንኩዩ ብዝተሓሓዝ መን’ዩ ክነኣድ ዘለዎ ዝብል ግን ሎሚ’ውን ብኸፊል ምስጢር ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። መሰረት ናይቲ ሰፊሕ መርበብ ትሕተ-ምድራዊ በዓትታት በቶም ሂቲት ብዝብል ዝፍለጡ ህዝብታት [ኣብ ካልኣይ ሚለንየም ዝገነኑ ኣባላት ጥንታውያን ህዝብታት ኢንዶ-ኣውሮጳ] ከምዝተሰርሐ ይግመት።
"ኣብ ከባቢ 1200 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ካብ ፍሪግያውያን [The Phrygians] መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸሞም፡ ነቶም ቀዳሞት ሒደት ደረጃታት እቲ ከውሒ ኲዕቶም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል ክኢላ ኤ በርቲኒ ኣብቲ ብዛዕባ ዞባዊ ስነህንጻ በዓቲ ዝጸሓፎ ጽሑፍ። ኣብ ውሽጢ ደሪንኩዩ ድማ ነዚ ግምት ዘረጕዱ ቅርስታት ሄታውያን ተረኺቦም’ዮም።
ይዅን እምበር፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል እታ ከተማ፡ በቶም ኣብ ዘመነ ሓጺን ዝነበሩ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ፍሪግያውያን ኣርኪተክተራት እተሃንጸ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ፍሪግያውያን ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ቀዳሞት ሃጸያዊ ግዝኣት ኣናቶልያ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ኣብ መጀመርታ ደሪንኩዩ ንመኽዘን ኣቑሑት ዝውዕል ከምዝነበረ ይግመት። ቀንዲ ዕላምኡ ግን ካብ ወጻእተኛታት ወረርቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ምዃን እዩ ነይሩ። ፍሪግያውያን፡ ፋርሳውያን፡ ሰልጁካውያንን ካልኦትን ኵሎም ኣብቲ ዞባ ክነብሩን በብእዋኑ ነታ ትሕቲ መሬት ዝነበረት ከተማ ከስፍሑን እንከለዉ፡ ብዝሒ ህዝቢ ደሪንኩዩ ኣብ ዘመነ ቢዛንታይን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ዝበጽሐ ኰይኑ ኣስታት 20,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ መሬት ይነብሩ ነይሮም።
"ናብራ ትሕቲ መሬት ምናልባት ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እቶም ነበርቲ ኣብ ዝተዓሸጉ ዓታሮ ጭቃ ኣካሎም የዕርፉ፣ ብርሃን ሽግ ይጥቀሙን ኣብ ዘዳለውዎ ቦታታት ድማ ሬሳታት ይጕሕፉን ነይሮም" ይብል መራሒ ዑደተይ ሱሌማን።
ነፍሲ ወከፍ ደረጃ እታ ከተማ ንፍሉይ ኣጠቓቕማ ብዝምችእ ኵነታት ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ምህንድስ ዝተሰርሑ እዮም። ዝፍጠር ጨናን መርዛም ጋዛትን ንምንካይ ድማ ጥሪት ናብ መሬት ኣብ ዝቐረበ ክፍሊ ደምበ ተሰሪሑለን ይነብራ ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, SVPhilon/Getty Images
ውሽጣዊ ክፍልታት እታ ከተማ ንመንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርትን መአከቢ ቦታታትን ዝሓዘ እዩ። እቶም ንዝተፈላለዩ ዕለማታት ዝተዳለዉ ክፍልታት፡ ነበርቲ ደሪንኩዩ ንኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንኽጸንሑ ድሉዋት ከም ዝነበሩ ዘመልክቱ እዮም።
እቲ ዝያዳ ዝድነቕ ግን ንመላእ እታ ናይ ትሕቲ መሬት ከተማ ጽሩይ ኣየርን ጽሩይ ማይን ንምቕራብ ዝተዘርግሐ ዝተሓላለኸ ስርዓት እዩ። እቲ ቀዳማይ ህንጸት ደሪንኩዩ ኣብ ዙርያ እዞም ክልተ ኣገደስቲ ባእታታት ዝተማእከለ ምዃኑ ምግማት ይከኣል። ኣብ መንጎ ብዙሓት መንበሪ ኣባይትን ኮሪደራትን እታ ከተማ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዚ ኣየር ንኽህሉ ዘኽእሉ ልዕሊ 50 ሻምብቆታት ንፋስ ተዘርጊሖም ኣለዉ።
ህንጸት ደሪንኩዩ ዝተፈለየ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ካፓዶሺያ ግን እታ እንኮ ትሕተ-ምድራዊት ከተማ ኣይኮነትን። 445 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝስፍሓት ዘለዋ ብምዃና፡ ካብተን ኣብ ትሕቲ ቆላታት ኣናቶልያ ዝርከባ 200 ትሕተ-ምድራዊ ከተማታት እታ ዝዓበየት እያ። ካብተን ንኣሽቱ ከተማታት እተን ልዕሊ 40 ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ደረጃታት ትሕቲ መሬት ተቐቢረን ይርከባ።
መብዛሕትአን ብጥንቃቐ ብዝተዃዕቱ ገለርያታት ኣቢለን ምስ ደሪንኩዩ ዝራኸባ ኰይነን፡ ገሊአን ክሳብ 9 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ እየን። ኵለን ድማ ብቕልጡፍ ናብ ላዕሊ ምምላስ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ህጹጽ እዋን መህደሚ መንገድታት ኣለወን። ናይ ካፓዶሽያ ትሕተ-ምድራዊ ምስጢራት ግን ገና ኵሉ ከምዘይተዃዕተ እዩ ዝግለጽ።
ብ2014 ኣብ ትሕቲ ዞባ ነቭሰሂር ሓዳስን ዝዓበየትን ትሕተ-ምድራዊት ከተማ ተረኺባ’ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







