ድሕሪ ውዕል ሰላም ኣብ ትግራይ ጾታዊ መጥቃዕትታት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ተገሊጹ

ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶርያ ድሕሪ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸመን ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።

'ፊዚሽያንስ ፎር ህዩማን ራይትስ' ከምኡ'ውን 'ኦርጋናይዜሽን ፎር ጀስቲስ ኤንድ ኣካውንታቢሊቲ ኢን ዘ ሆርን ኦፍ ኣፍሪካ' ዝተባህሉ ትካላት ዘካየድዎ መጽናዕትን ላንሰት ዝተባህለ ፍሉጥ መጽሄት ዝተሳተፈሉን ጸብጻብ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ብውሑድ 128 ደቂ ኣንስትዮ ጥቕዓት ከምዝተፈጸመን ሓቢሩ።

ትካላት ጥዕና እቲ ክልል፡ ብምኽንያት ኲናት ስለዝተዘረፉ ወይ ስለዝዓነው፡ ብዙሓት ጥቕዓት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ኣገልግሎት ጥዕና ከይረኸባ ኣዋርሕ ከምዝሓለፉ ተገሊጹ።

ብወተሃደራት መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብኤችኣይቪ ከምዝተለኸፋን ናይቶም ዝዓመጹወን ቆልዑ ከዕብያ ከምዝተገደዳን እቲ ጸብጻብ የመልክት።

እቶም ኣጽናዕቲ፡ ካብ ትካላት ጥዕና ትግራይ፡ ብግምት 300 ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ ብገምሪ መሪጾም።

ካብዚአን እተን 128፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘጋጠመን፡ ውዕል ሰላም ኣብ ጥቅምቲ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ድሕሪ ምፍራሙ እዩ ክኸውን እንከሎ፡ እተን 76 ምኢታዊት ክልተን ልዕሊኡን ብዝኾኑ ሰባት ዝተዓመጻ ከምኡ ድማ ሓንቲ ብ 19 ደቂ ተባዕትዮ ዝተዓመጸት እየን።

ኣስታት 94 ምኢታዊት ጾታዊ መጥቃዕትታት እንትፍጸመን፡ እቶም ዓመጽቲ ኮንደም ኣይተጠቐሙን።

መብዛሕተኦም ነቲ ጾታዊ መጥቃዕቲትታት ዝፈጸሙ ደቂ ተባዕትዮ ብብረት፣ ብበሊሕ ነገር ወይ ብበትሪ ኣፈራሪሖም እዮም ፈጺሞምዎ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሕብሮ ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን እናተወሰዳ ብተደጋጋሚ ተዓሚጸን።

እቲ ጾታዊ ዓመጽ ብወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ምስኦም ምትእስሳር ዘለዎም ሚሊሻታት ከምዝተፈጸመ እቲ ጸብጻብ የምልክት።

ናይ ይግበኣኒ ሕቶ ኣብ ዝለዓለሉ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ካብ ጥቅምቲ 2013 ክሳብ ጥቅምቲ 2015 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ 86 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ካብዚአን እተን 68 ብዕስለ ከምዝተደፈራን እቲ መጽናዕቲ ጠቒሱ።

ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ተስፋሕፊሑ ኣብ ዝነበረ ኲናት፡ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ኮይኖም ተዋጊኦም እዮም።

ሰራዊት ኤርትራ ሓዊሱ ተሳተፍቲ እዚ ኲናት ዝነበሩ፡ ሰራዊት ፌደራል፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ሓይልታት ትግራይን ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም ኣለው።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ፡ እቶም ዝተፈጸሙ ጾታዊ መጥቃዕቲታት፡ ኣገዲድካ ምድፋር ከም መሳርሒ ኲናት ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለን ስልታውን ምዃኑን ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

እዚ ጽብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ የለን። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን እቲ ኲናትን ድሕሪኡን ብሰራዊቱ ተፈጺሞም ኣብ ዝተባህሉ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ናይ ባዕሉ ምጽራይ ከምዘካይድ ገሊጹ ነይሩ።

ኤርትራ ነቲ ብተደጋገሚ ዝቐርብ ክሲ፡ "መሰረት ዘይብሉ ጸለመ" ክትብል እያ ትምልስ።