መንግስቲ ኤርትራ፡ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰረ ተፈሊጡ

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ

ምንጪ ስእሊ, catholicgheez

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጎስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ቀዳም ንግሆ 15 ጥቅምቲ ካብ መገሻኦም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው፡ ብኡ ንብኡ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተሲሮም ከምዝወሰድዎም ምንጭታት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ኣቡነ ፍቕረማርያም ድሕሪ ማእሰርቶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንዝምልከቶ ኣካላት መንግስቲ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ምስ ሓተተት፡ “ሒዝናዮም ኣሎና” ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህበ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

ይዅን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣቡነ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝኣሰሮም ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

ኣባ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ከምቲ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ብመንፈሳዊ ሓልዮትን ብፍቕሪን እትናብዮ፡ መንግስቲ ከኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምቕራብ ንህዝቢ ከገልግሎ ኣለዎ ዝብል መንፈሳዊ ማዕዳኦም ከቕርቡ ዝጸንሑ ኣቡን ምዃኖም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ እውን ዝሓለፈ ሰሉስ ካብ ሰገነይቲ ንደልየካ ኣለና ኢሎም ከምዝወሰድዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ሰበስልጣን መንግስቲ ንሃለዋት እቶም ካህን ብዝምልከት ካብታ ዝተኣስሩላ ሰዓት ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ይዅን ሓበሬታ ኣይሃቡን። ኣበይ ከምዝተቐየዱን ስለምንታይ ከምዝተታሕዙን እውን ዝተገልጸ ነገር የለን።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ቐረባ ዕለታት ኣባ ኣብርሃም ዝተባህሉ ካህን ማሕበር ካፑቺኒ እውን ካብ ከተማ ተሰነይ ብኣባላት ጸጥታ ተኣሲሮም ከምዘለው ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

ኵሎም እዞም ኣገልገልቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣቡንን ካህናትን ምኽንያት መእሰሪኦም ኣይተገልጸን።

ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዓድታት ጸንዓደግለ ዝጀመረ ሓያል ግፋን ሃድንን መንእሰያት፡ ናብ ኵሉ ከባቢታት ኤርትራ ከምዝለሓመን ኣዴታት ደቅኽን ኣምጽኣ እናተባህላ ይእሰራን ይጋፍዓን ከምዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ንደቂ ኣንስትዮን ጸገማት ጥዕና ንዘለዎም ከይተረፈ ክሳብ ልዕሊ 55 ዝዕድመኦም ደቂተባዕትዮ ዒላማ ስለዝገብር ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጭንቀትን ስንባደን ፈጢሩ ዘሎን እዩ።

ካብታ ሃገር ዝውጽኡ ዘለዉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ማእሰርቲን ምዕሻግ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ዝርከብዎ ምስርጣያት ብቐጻሊ ይካየድ ኣሎ።

ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን
መግለጺ ስእሊ, ካተድራል ኣስመራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ብማሕበር ላሳለ እትመሓደር ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ከምኡ’ውን ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ቴክኒክ ዶንቦስኮ ከምዝሃገረ ይፍለጥ።

ኣብ 2019 እውን ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ ከምኡ'ውን ሃይማኖት እስልምና ዝመሓደራ ንዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሃጊሩ እዩ።

ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከባ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ከም ዝወረሰን ኣብ እዋኑ ከምዝተቓለሐ ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣዋጅ ቑጸሪ 73/1995 መሰረት ብምግባር እየ ዝወርሰን ዘለኹ እዩ ዝብል።

ነተን ትካላት ምስ ሃገረን ከኣ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ እቲ ናይ ምህጋር ውሳነ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ደርጊ ብ1982 ዓ/ም ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ከም ካምቦኒ፡ ላሳለን ቅድስቲ ሃናን ዝኣመሰላ ዘካየዶ ተግባር ከም ዝርእዮ እቲ ጉባኤ ገሊጹ ነይሩ።

ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መንግስቲ ኤርትራ ንዅሉ ዘማእከለ ዴሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጽ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን መንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝህበን ኣርባዕተ ትካላት ሃይማኖት እያ።

ኣብዚ እዋን ርክብ መንግስትን ቤተክርስትያን ኣዝዩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ናጽነት ሃይማኖት ዝከታተል ኣካል፡ ኮሚሽን ኣህጉራዊ ናጽነት ሃይማኖት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ 2020 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ዝቐጸለን ኣብ ዝበኣሰ ኵነታት ከምዝወረደን ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ግን፡ "ኣብ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኰይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል እምነት ተኽብር ሃገር እያ" ዝብል ምላሽ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።