ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝኸዱዋ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓለዋ ዶባታ ዘጽንዕ ሓድሽ ሓይሊ ወዲባ

ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሓለውቲ ዶባት በቲ ሓድሽ ትካል ተቘጺሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሓለውቲ ዶባት በቲ ሓድሽ ትካል ተቘጺሮም ኣለዉ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ጸጥታ ዶባት ሃገሩ ንምሕያል ሓድሽ ሓይሊ ሓለዋ ዶባት ወግዓዊ ገይሩ።

እቲ ምጅማር እቲ ሓይሊ ሓለዋ ኣብታ ኣብ ዶብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዚምባብወ ኣብ እትዋሰነሉ ከባቢ እትርከብ ዕምርቲ ከተማ ሙሲና እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።

ኣብ ስነስርዓት እቲ ምረቓ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ሰነድ ጕዕዞ (ፓስፖርት) ዘይብሎም ዜጋታት ወጸኢ ንማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ደቡብ ኣፍሪቃ የጋድድዎ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ።

ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዉ ተኣፈፍቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓደ እዩ።

መንግስቲ ብፍላይ ቍጽሪ ካብ ሃገራት ትሕቲ-ሰሃራ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ሰባት ክቈጻጸር ሓያል ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

ቍጥዐ ዝሓደሮም ዜጋታት እታ ሃገር፡ መንግስቲ ዶብ ብዝተዋደደ መንገዲ ኣይሓለወን ዝብል ነቐፌታ የቕርቡ።

በዚ ምኽንያት ቅሬታ ዝሓደሮም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድጋፍ ንምርካብ፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ኣብ ዝካየድ መረጻ ስደተኛታት ዝጸልዉ ሰልፊታት ንኽዕወቱ ጐስጓሳት ይገብሩ ኣለው።

ክሳብ እቲ ሓድሽ ሓይሊ ሓለዋ ዶባት ዝምስረት፡ ዶባት ደቡብ ኣፍሪቃ ብኣርባዕተ መንግስታዊ ኣካላት ይሕሎ ነይሩ።

ይዅን እምበር እቲ ሚልዮን ዶላራት ወጻኢ ብምግባር ዝተመስረተ ሓለዋ ዶብ ዘመሓድር በዓል መዚ ካብ ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን ቀጺሉ ሳልሳይ ዝዓበየ ትካል ኣኽባሪ ጸጥታ ክኸውን እዩ።

ድሕሪ ምቛም እዚ ሓለዋ ዶባት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝን ቍጽጽርን ሓደ ውሁድ ምምሕዳራዊ ኣካል ክዀኑ’ዮም።

ነዚ ሓለዋ እዚ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተመልሚሎም ኣለው፤ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ብምውህሃድ ከም ዝሰርሑ ድማ ተገሊጹ።

እዚ ሓድሽ ኣካል ሓለዋ 8 ናይ ባሕርን 52 ዶባት መሬት ከምኡ’ውን 11 ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ የመሓድር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቐዲሙ ምስ ፕረዚደንት ራማፎሳ ዝተዘራረበ ፕረዚደንት ዚምባብወ ኤመርሰን ምናንጋግዋ’ውን ኣብቲ ስነስርዓት እዞም ሓደስቲ ሓለዋ ዶብ ተረኺቡ ነይሩ።

ራማፎሳ፡ እቲ ሓድሽ በዓል መዚ ምሕደራ ዶባት፡ ዘይሕጋዊ ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ብምግታእ፡ ናጻ ዞባ ንግዲ ኣፍሪቃ ንምሕያል ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ብሚልዮናት ዝቝጸር ናይ ኤሌክትሪክ ሓጹር ምፍራሱ ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ናይ ምቍጽጻር ዕማም ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ይንገር።

ሓያሎ ኣባላት ኣኽበርቲ ሕጊ’ውን ካብ ስደተኛታት ብላዕ ተቐቢሎም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ዓመት ቈጸራ ህዝቢ ከተካይድ እንከላ፡ እቲ ውጽኢት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክግለጽ ትጽቢት ይግበር።

ብ2011 ዓ.ም ዝተኻየደ ቈጸራ ህዝቢ ከም ዘመልክቶ፡ ሰነድ ዘይብሎም ዝርከብዎም 3.96 ሚልዮን ዜጋታት ወጻኢ ኣብታ ሃገር ይነብሩ።

እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር 6 ሚእታዊት ይሕዝ።

መንግስቲ ኣብ ዶባት ሰነዳት ዘይብሎም ሰባት ኣብ ምቍጽጻር ድኹም ምዃኑ ክግለጽ እንከሎ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ቍጽሪ ስደተኛታት ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ምዃኑ ዝኣምኑ ብዙሓት ኣለው።

ምንቅስቓስ ኣንጻር ስደተኛታት ብወግዒ ዝመርሑ ከም ዱዱላ ዝኣመሰሉ ውድባትን ትካላትን፡ ዘይሕጋዊ ስደት ነቲ ኣብታ ሃገር ንዝርአ ዘሎ ገበን ኣበርክቶ ኣለዎ ብምባል ይኸሱ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ጸረ-ስደተኛታት ዓመጽ፡ ጽልእን ግጉይ ሓበሬታን ዝመልኦ እዩ።

በዚ፡ ስራሕ ኣልቦ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝመጽኡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ስርሖም ከም ዝተወሰዶም ክኣምኑ ይንገሮም ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ጎስጓስ ዱዱላ ብዝፈጠሮ ጸቕጢ ኣብ ሱዌቶ፡ ብዜጋታት ወጻኢ ዝመሓደራ ድኳናት ተዓጽየን እየን።

እዚ ክልተ ህጻናት ካብ ሓደ ድኳን ብሽኮቲ ዓዲጐም ምስ በልዑ ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ዝስዓበ እዩ።