ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያዊ ጀነራል 'ብዝተቐበረ ነታጒ ተቐቲሉ'

ሜጀር ጀነራል ቭላድሚር ዛቫድስኪ

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY

መግለጺ ስእሊ, ሜጀር ጀነራል ዛቫድስኪ ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተቐተለ እዮም ጸብጻባት ዝገልጹ

ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ዩክረይን ኣብ መሬት ብዝተቐበረ ነታጒ ከምዝተቐተለ ደገፍቲ ሩስያ ዝኾኑ ምንጪታት ገሊጾም።

ወዲ 45 ዓመት ሜጀር ጀነራል ቭላድሚር ዛቫድስኪ ምክትል ኣዛዚ ኮር ከምዝነበረ እውን ጠቒሶም።

ድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝጀመረቶ ወራር፡ ብውሑድ ካልኦት ሽዱሽተ ጀነራላት ሩስያ ከምዝሞቱ ይእመን።

ብዛዕባ ቅትለት እቲ ጀነራል ዛጊት ብሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ዝተውሃበ ሓበሬታ የለን፤ ብዛዕባ ተቐቲሉሉ ዝተብሃለ ቦታ ዝወጹ ጽባጻበት እውን ዝጋጨዉ እዮም።

እንተኾነ እቲ ሚኒስትሪ፡ ዋላ ቀረባ ኣዝማድ እቶም መወትቲ ብዕሊ ወጺኦም እናተዛረቡ'ውን፡ ብዛዕባ ሞት ላዕለዎት ወታሃደራዊ ሓለፍቲ ዝምልከት መግለጺ ክህብ ኣይስማዕን።

ሜጀር ጀነራል ዛቫድስኪ ብረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝተቐተለ እዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።

እቲ ምፍንጃር ብትኽክል ኣበይ ከምዝተፈጸመ ምርግጋጽ ኣይተኻኣለን፡ ኣሃድኡ ግን ኣብቲ እዋን ኣብ ኬርሶን ከምዝነበረት ይእመን።

ቅድሚ እቲ ናይ ሕዚ ምድቡ፡ ኣብ ጥቓ ሞስኮ ናይ ዝነበረት ካንተሚሮቭስኪ ተባሂላ እትጽዋዕ ፍልይቲ ክፍለ ሰራዊት ታንከኛ ኣዛዚ ነይሩ።

ቅትለት እቲ ጀነራል እንተተረጋጊጹ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጀመር ዝተቐተለ መበል ሻብዓይ ጀነራል ክኸውን እዩ።

ኣርባዕተ ጀነራላት ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ናይቲ ኲናት ምማቶም ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ካልኦት ክልተ ከኣ ኣብ ክራማት እዚ ዓመት እዮም ሞይቶም።

ሌተናል ጀነራል ኦለግ ሲኮቭ፡ ብሩስያ ኣብ ዝተትሓዘ ደቡባዊ ዩክረይን ወታሃደራውያን ኣዘዝቲ ሩስያ ኣብ ዝነብሩሉ ሆቴል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐተለ እዩ።

ምንጭታት ዩክረይን ካልኦት ሸውዓተ ጀነራላት ከምዝተቐተሉ እኳ እንተገለጹ፡ ካብዚኦም ብውሕዱ ሰለስተ ብህይወት ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።

ብካልእ ዜና፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ዩክረይን ከበድቲ መጥቃዕቲታት ትፍጸም ኣብዘላትሉ፡ ኣመሪካ፡ ምክልኻል ዩክረይን ንምሕያል ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ጆን ኪርቢ ሓቢሩ።

እቶም ሓገዛት መከላኸሊ ኣጽዋር፣ ትራንስፎርመራት፣ ጀነሬተራትን ካልኦት ንህዝባዊ ቀረብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክን ሙቐትን ዝሕግዙን ከምዝኾኑ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።

ንሱ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ጎንጺ ክቕጽሎ ከምዝደልን ኣብዚ ቆራር ወቕቲ እቲ መጥቃዕቲ ናብቲ ህዝቢ ይደፍኦ ከምዘሎን ብምጥቃስ ወቒሱ።

ኪርቢ ዩክረይን ነቲ ወራር ክትምክትን ኣብዚ ናይ ቁሪ ወቕቲ ዘድሊ መሰረተ ልምዓት ጸዓት ክህልዋን ዝከኣለና ክንገብር ኣለና ኢሉ።