ንሰለስተ ዓመት ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ክኽፈታ እየን - ዩኒሴፍ

ተመሃሮ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጐ ማእኸላይ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ቅድሚ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ክዕጸዋ ዝተገደዳ ኣብያተ ትምህርቲ ዳግም ንምኽፋት መደብ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ እዋን እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ተዘሚተንን ዓንየንን እየን።

ኣብ 2021 ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ፡ ርብዒ ካብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ እዋን ኲናት ጉድኣት ከም ዝበጽሐን የመልክት።

መምህራን እውን ንኽልተ ዓመት ደሞዝ ኣይተኸፍሎምን።

ሓላፊ ጉዳያት ትምህርቲ ዩኒሴፍ ቻንስ ብሪግስ ንቢቢሲ ፎከስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ኣብቲ ክልል ኣብያተ ትምህርቲ ዳግማይ ንምኽፋት መደብ ከም ዘሎ ብምግላጽ “ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ንምጅማር ዕድላት ይርእዩ ኣለው፤ እዚ ግን ገና ኣይጸደቐን" ኢሉ።

"ብምሉኡ ስርዓተ ትምህርቲ ትግራይ ፈሪሱ'ዩ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት (2022) ሓምለ ጀሚሩ 2.3 ሚልዮን ህጻናት ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ኰይኖም ኣለው” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምስ በዓልቲ ቤቱን ኣርባዕተ ደቁን ዝነብር መንግስት ገብረመድህን ዝተባህለ ሓደ ወላዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝተወልዐሉ እዋን ክልተ ደቁ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

"ክምህሮም ፈቲነ’የ፤ ግን ትኹረት ዝሰርቁ ነገራት’ዮም ነይሮም - ድምጺ ቦምባታትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን። እቶም ቈልዑ ጠበንጃ ዝሓዙ ወተሃደራት ይርእዩ እሞ ድሕሪኡ ንዕኦም ከምስሉ ይጅምሩ” ኢሉ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዝዀኑ ኣይተ መንግስት እውን ደሞዞም ካብ ዘይረኸቡ ኣዋርሕ ኣቑፂሮም ነይሮም።

"ደሞዝና ስለ ዘይነበረና እንታይ ከም እንምግቦም’ውን ይጨንቀና ነይሩ። ኣብ ምምሃር ጥራይ ከተተኩር ቀሊል ኣይነበረን። ትማሊ ግን ደሞዝ ተቐቢለ፤ ስለዚ ሕጂ ንደቀይ ክዳውንትን መግብን ክገዝእ ይኽእል እየ።”