ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ማዕረ ክንደይ ኣሻቓሊ እዩ?

ቫይረስ ኮሮና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ኣተሓሳሳቢ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብ ‘XBB.1.5’ ዝተመዝገበ ሓድሽ ዓሌት፡ ኣብ ብሪጣንያ’ውን ይርአ'ሎ፤ ስለዚ፡ ብዛዕባኡ ምፍላጥ እዋናዊ እዩ።

እዚ ቫይረስ’ዚ ነቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣልፋ፡ ቤታ፡ ጋማን ደልታን ብዝብል ዝተፈልጡ ዓይነታት እቲ ቫይረስ ዝሰዓበ ኰይኑ፡ ካልእ ጨንፈር ናይቲ ብደረጃ ዓለም ዓብላሊ ዝዀነ ኦሚክሮን [Omicron Covid variant] እዩ።

ኦሚክሮን ኣብ መወዳእታ 2021 ካብ ዝቕልቀል ንደሓር፡ ካብ ኵሎም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ዓይነታት ቫይረስ ኮሮና ዝያዳ ተላባዕቲ ዝዀኑ ብዙሓት ንኡሳን ዓሌታት ፈጢሩ እዩ።

ምልክታት እዚ ሓድሽ ‘XBB.1.5’ ዓይነት ቫይረስ፡ ምስቶም ዝቐደሙ ዓሌታት ኦሚክሮን ተመሳሳሊ ይዅን እምበር፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ ገና ምዃኑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ፤ ብዙሓት ሰባት ግን ንቡር ምልክታት ሰዓል እዮም ዘርእዩ። 

 ‘XBB.1.5’ ካብቶም ዝቐደሙ ዝያዳ ተላባዒን ሓደገኛን ድዩ?

እዚ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ንባዕሉ ካብቲ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ብሪጣንያ ክዝርጋሕ ዝጀመረ ዓሌት ‘XBB’ ቫይረስ ዝማዕበለ ኰይኑ፡ ብሰበስልጣን ጥዕና ግን፡ ገና ምስቶም ኣሰከፍቲ ዝበሃሉ ኣይተመደበን።

XBB ንዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ኣካላትና ከጥቅዕ ዝሕግዞ ጀነቲካዊ ልውጠት [ሚውቴሽን] ነይርዎ። እዚ ባህሪ’ዚ ግን ብኣንጻሩ ንዋህዮታት ደቂ ሰባት ናይ ምርኻስ ዓቕሙ እውን ኣጕዲልዎ እዩ።

ፕሮፌሰር ዌንዲ ባርክለይ ካብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን፡ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ኮሮና ዘለዎ ጀነቲካዊ ልውጠት ግን፡ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ብምምላስ፡ ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ ሰብነትና ከጥቅዕ ሓይሊ ዝህቦ ምዃኑ ትገልጽ፤ እዚ ድማ ብቐሊሉ ክዝርጋሕ ይገብሮ።

ንሳ ኣተሓሒዛ፡ እዚ ፍልቀት ናይቲ ቫይረስ፡ እቲ ቫይረስ ንርእሰ ምክልኻል ኣካላትና ዝሓልፈሉ ሓድሽ መገድታት ንምርካብ ንከኽእሎ ዘማዕብሎ መስርሕ ምዃኑ ኸኣ ተረድእ።

ሳይንሰኛታት ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ‘XBB.1.5’ ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ክሳብ ሕጂ ዝተራእዩ ንኡሳን ዓሌታት ኦሚክሮን ቫይረስ ኮሮና “ብልጫ" ከምዘለዎ ትማሊ ረቡዕ ኣረጋጊጾም።

እዚ ይዅን ግን፡ ካብቶም ካልኦት ዝያዳ ከቢድ ወይ ጐዳኢ ምዃኑ ዘርኢ ምልክት ከምዘየለ ገሊጾም።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ቫይረስ ኣብ ሕሙማት ዘስዕቦ ጽልዋ ዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብ መጽናዕትታት ላቦራቶሪ፡ ጸብጻብ ሆስፒታላትን መጠን መልከፍቲን ብቐረባ ክከታተል ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ቫይረስ’ዚ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብብዝሒ ክላባዕ ከም ዝጸንሐን፡ ቍጽሪ ሆስፒታላት ዝኣተዉ ሕሙማት ኮሮና ይውስኽ ከምዘሎን ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ብሪጣንያ'ውን፡ ምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ከም ዘሎን ከም ሳዕቤኑ ምዕባይ እቲ መልከፍቲ ክርአን ብዙሓት ሰባት ሆስፒታል ክሕዙ ከም ዝኽእሉን ፕሮፈሰር ባርክለይ ስግኣታ ትገልጽ።

ፕሮፈሰር ፖል ሃንተር ብወገኑ፡ እቲ ተኽእሎ ናይዚ ሓድሽ ቫይረስ ነቲ ማዕበል መልከፍቲ ከዕርጐ ይኽእል እዩ፤ ግን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእል፡ ይብል።

ሃገራዊ ትካል ጥዕና ብሪጣንያ፡ ማንታ-ለበዳ፣ ጉንፋዕን ኮሮናን ከይክሰት ፍርሒ ፈጢሩ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ ነቲ ድሮ ተዋጢሩ ዘሎ ትካል ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእልን ኣተንቢሁ።

ተመራመርቲ ብዛዕባ XBB.1.5 ይጭነቝ ዶ?

ክታበት ኮሮና፡ ንብዙሓት ሰባት ካብ ጽኑዕ ሕማማት ተኸላኺሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ክታበት ኮሮና፡ ንብዙሓት ሰባት ካብ ጽኑዕ ሕማማት ተኸላኺሉ እዩ

እዚ ብ ‘XBB.1.5’ ተለልዩ ዘሎ ቫይረስ፡ ነቲ ብክታበት ዝወሃብ መከላኸሊ ኣንጻር ከበድቲ ሕማማት "ክሰብር" ከም ዝኽእል "ዝዀነ ምልክት" ስለዘየለ፡ ብሓፈሻ ከም ዘይትሻቐል ፕሮፌሰር ባርክለይ ትገልጽ።

እንተዀነ፡ ኣብቶም ካብቲ ክታበት ውሑድ ረብሓ ዝረኸቡ ማለት ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ዘለዎምን ኣብቶም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባትን ዘለዎ ጽልዋ ግን ከም ዘሻቕላ ትዛረብ።

ፕሮፌሰር ሃንተር፡ XBB.1.5 ዝያዳ ሓደገኛ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ከምዘይረኣየ ብምግላጽ፤ እዚ ማለት ካብቶም ዝነበሩ ዓሌታት ኦሚክሮን "ኣብ ሆስፒታል ከእትወካ ወይ ክቐትለካ" ዝያዳ ተኽእሎ የብሉን ማለት እዩ፡ ይብል።

ንሱ ኣተሓሒዙ፡ "እቲ ግርንቢጥ ዝዀነ ነገር ግን፡ ኵሉ ሰብ ካብ ቻይና ክወጹ ዝኽእሉ ዓሌታት ቫይረስ ጥራይ ዘተኵረ ምዃኑ እዩ፤ XBB.1.5 ግን ካብ ኣሜሪካ እዩ ወጺኡ" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ደቪድ ሀይማን ብወገኑ፡ ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ዓሌት ገና ክፍለጥ ዝግባእ ብዙሕ ዝተረፈ ነገር ከም ዘሎ ይኣምን።

እንተዀነ ከም ብሪጣንያ ዝኣመሰላ ልዑል መጠን ክታበት ዘለወን ሃገራትን ቅድሚ ሕጂ ብመልከፍቲ ዝተፈተና ሃገራትን ዓቢ ጸገም ከስዕበለን ተኽእሎ ከምዘየለ ይገልጽ።

ኣብ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ብሰንኪ ነዊሕ ዕጽዋን ትሑት መጠን ክታበት ዘለወን ሃገራት ግን፡ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ኣሰካፊ ምዃኑ የተሓሳስብ።

"ቻይና እቲ ዓይነት ቫይረስ ኣብቲ ትሑት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎ ህዝቢ ከመይ ከም ዝኸይድ ንምርኣይ፡ ብዛዕባ ዝተለኽፉ ሰባት ሕክምናዊ ሓበሬታ ከተካፍል ይግባእ፡" ይብል ፕሮፌሰር ሀይማን።