ሃሪ ከይን ንጋንታኡን ኣርሰናልን ኣድሒኑ

ሃሪ ከይን በዛ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ ዘመዝገባ ሸቶ ኣቢሉ ናይ ጋንታኡ ቶተንንሃም ዝለዓለ ኣምዝጋቢ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃሪ ከይን በዛ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ ዘመዝገባ ሸቶ ኣቢሉ ናይ ጋንታኡ ቶተንንሃም ዝለዓለ ኣምዝጋቢ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ

ሃሪ ከይን፡ ጋንታኡ ቶተንሃም ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ ተዓዊታ ንኽትወጽእ ትማሊ ዘመዝገባ እንኮ ሽቶ ተሓጊዙ፡ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሽቶ ኣብ ታሪኽ 'ታ ጋንታ ክኸውን በቒዑ።

ሓለቓ ጋንታ እንግሊዝ ሃሪ ከይን ምስ ቶተንሃም ኰይኑ ኣብ ዘካየዶ ጸወታታት እዛ ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ሲቲ ዘመዝገባ ሸቶ መበል 267 ሸቶኡ ኰይና፡ ነቲ ብጂሚ ግሪቭዝ ተታሒዘ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን እታ ክለብ’ዩ ኣመሓይሽዎ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ወዲ 29 ዓመት ሃሪ ከይን፡ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 200 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ነቲ 260 ሸቶታት ዘመዝገበ ኣለን ሺረርን፡ 208 ሸቶታት ዘመዝገበ ዋይን ሩንን ተኸቲሉ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ።

ቶተንሃም፡ ዋላ’ኳ ኣብ መበል 87 ደቒቕ ተኸላኻለያ ክሪስትያን ሮሜሮ ብቐይሕ ካርድ እንተተሰጐጋ፡ ነታ ኣብ መበል 15 ደቒቕ ብመገዲ ከይን ዘመዝገበታ ሸቶ ኣውሒሳ፣ ካብታ ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ፍልልይ ናብ ክልተ ነጥቢ ከተውርድ ዕድል ዝነበራ ማንቸስተር ሲቲ ሰለስተ ነጥቢ መንዚዓ።

እዚ ዓወት እዚ ግን ንቶተንሃም ጥራይ ኣይኮነን ኣሰራሲሩ፤ ነታ ብቀዳም ብኤቨርተን ዝተሳዕረት ኣርሰናል’ውን፡ ነቲ ብድኽመታ ዝኸሰረቶ ነጥቢ፡ ብመንዲ ዓወት ቶተንሃም ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዘለዋ ፍልልይ ሓደ ተረፍ ጸወታ እንከለዋ፡ ሓሙሽተ ኰይኑ ክቕጽል ክኢሉ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ 22 ጸወታታት ዘካየደት ቶተንሃም፡ 39 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ 5ይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ፡ ኣርሰናል 20 ጸወታ ኣካይዳ 50 ነጥቢ፡ ማንቸስተር ሲቲ ብ 21 ጸወታታት 45 ነጥቢ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ 21 ጸወታ ኣካይዳ 42 ነጥቢ፡ ከምኡ ኸኣ 21 ጸወታታት ኣካይዳ ዘላ ኒውካስል 40 ነጥቢ ኣዋህሊለን ተኸታቲለን ኣለዋ።

ሃሪ ከይን ቅድሚ 12 ዓመት ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ምስ ቶተንሃም ኰይኑ ጸወታ ብምክያድ ኣንጻር ጋንታ ሻምሮክ ሮቨርስ’ዩ ቀዳመይቲ ሸቶኡ ከመዝግብ ክኢሉ።

ብሓፈሻ ምስታ ጋንታ 416 ግዜ ብተሰሊፉ ኸኣ፡ 267 ሸቶታት ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ገና ኣብ ጽቡቕ ቍመና ስለዘሎ ከኣ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ሓፈሻዊ ሸቶታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ብሸሞንተ ሸቶታት ቀዲምዎ ዘሎ ዋይን ሩኒ ብቐሊሉ ከርክቦ ከርክቦ ከም ዝኽእል ይግመት።