ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሽዱሽተ ወርሑ እንታይ ኣሳሊጡ?

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ንምቍራጽ ኣብ ፕሪቶርያ ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ክልል ትግራይ መረጻ ክሳብ ዝካየድ ግዝያዊ መንግስቲ ምምስራት ወሳኒ ዕማም እዩ ነይሩ።
ንዅሉ ዝሓቍፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም ዕማም ዝተዋህቦ ህወሓት፡ መንግስቲ ንምቛም ኣዋርሕ ወሲዱሉ’ዩ።
ህወሓት፡ ዶክተር ደብረጽዮን ፕረዚደንት ናይቲ ምምሕዳር ክኸውን መሪጹ’ኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ፈደራል ግን "ሓድሽ ሰብ ኣምጽኡ" ብምባሉ እቲ ምድንጓይ ከም ዝተፈጠረ ኣብቲ እዋን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ኣብሪሆም ነይሮም።
ዳግመ መረጻ ድሕሪ ምክያዱ፡ ጌታቸው ረዳ ንመወዳድርቱ ብሓደ ድምጺ በሊጹ ብ14 መጋቢት 2015 ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ተመዚዙ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ጌታቸው፡ “ግዝኣት ትግራይን ተመዛበልትን ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ቦታኦም” ንምምላስ ከም ዝሰርሕ ምግላጹ ይፍለጥ።
ይዅን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣተገባብራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከም ዝተደናጐየ ብምግላጽ፡ እቲ ዝቘመ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ’ዩ ሓቢሩ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሳዕ ሕጂ እንታይ ሰሪሑ? እንታይ ብድሆታትከ ኣጋጢሞም?
ዳግመ መረጻ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ነቲ መስርሕ ተቓዊሞም ካብ መረጻ ዝሰሓቡ ውድባት ነይሮም - ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ከምኡ’ውን ውድብ ነጻነት ትግራይ (ውናት)።
ሳወት ኣብ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ፍትሓዊ ውክልና ኣይተገብረን ብምባል ዝተወሃቦ ኮታ ከም ዘይተቐበለ ዝዛረብ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ውድብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዛጊት ዝሰርሖ ነገር የለን ይብል።
"ቀዳማይ ሓላፍነት ዝዀነ መሰጋገሪ ይዅን ቀዋሚ መንግስቲ፡ ድሕነትን ጸጥታን ህዝቢ ምሕላው ወይ ድማ ብሕጊ ዝተዋህቦ ስልጣን ምፍጻም’ዩ። እቲ ቀዳማይ ዕማም ልኡላውነት እቲ ክልል ናብ ንቡር ምምላስን ድሕነትን ሰላምን እቲ ክልል ምሕላውን'ዩ" ኢሉ።
“ናይ ጫካ ሸፋቱ፡ ናይ ህዝቢ ከብቲ እናሰረቑ ይሓርዱ ኣለዉ። ሸፋቱ ከተማታት እውን ታርጋ ዘይብለን መካይን እናዘወሩ፡ ህዝቢ ይቐትሉን ይዘምቱን ኣለዉ” ብምባል ቅሬታኡ ገሊጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሰላምን ግጭትን ዝዀነን ፖለቲካ እቲ ክልል ብቐረባ ዝዕዘብን ሸቲል ትሮንቮል፡ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ንኸይጠሓስ ኣብ ምርግጋጽ እጃሙ ከም ዝፈጸመ ይገልጽ።
"እቲ ዝዓበየ ውጽኢት፡ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ክቕጽል ምግባሩ’ዩ። ርክብ መንግስቲ ፈደራልን ግዝያዊ ምምሕዳርን ጽቡቕ ስለዝዀነ ናብ ግጭት ኣይተመለሱን። ዋላ’ኳ ቅልጡፍ እንተዘይኰኑ፡ ኣብ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ዝተቐመጡ መትከላት ምትግባር ግን ይቕጽል ኣሎ።”
"ስለዚ እቲ ዓቢ ነገር ኣብ መንጐ ፈደራልን ግዝያዊን ምምሕዳር ዘሎ ርክብ ዘይምቍራጹን ኣብ መንጐ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዘሎ ሰላማዊ ዝምድና ምቕጻሉን'ዩ" ይብል።
ግዝያዊ ምምሕዳር ድሕሪ ኲናት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ኣምሓራ ዝኣተዉ ከባቢታት ክሳዕ ሕጂ ከምልስ ከም ዘይከኣለ ዝገልጽ እቲ ፕሮፌሰር፡ እዚ ካብ ስልጣን እቲ ምምሕዳር ወጻኢ ምዃኑ እዩ ዘረድእ።
“ክፍጸሙ ትጽቢት ዝተገብረሎም ብዙሕ ነገራት ኣለዉ። ካብዚኦም እቲ ኣገዳሲ ነገር ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ እዩ። እዚ ማለት ምዕራብ ትግራይን ገለ ከባቢታት ራያን ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ መቐለ ዘሎ ምምሕዳር ኣይኣተወን። እዚ ውድቀት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ነቲ ከባቢ ምምላስ ብሕታዊ ስልጣኑ ስለዘይኰነ። ነዚ መፍትሒ ምርካብ ሓላፍነት መንግስቲ ፈደራል እዩ።"
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ጌታቸው፡ ብዛዕባ እቶም ሕቶታት ይግባኣኒ ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን ክልል ኣምሓራ ክሰማምዑ ስለዘይከኣሉ እቲ ጉዳይ ብፌደራል መንግስቲ ክፍታሕ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ እዩ።
ሚኒስትር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ምዕራብ ትግራይን ራያን ዝቘሙ "ዘይሕጋዊ" ምምሕዳራት ከም ዝፈርሱን ተመዛበልቲ’ውን ናብ ከባቢኦም ከም ዝምለሱን ገሊጹ ነይሩ።
ኣቶ ሃይለ ብወገኑ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ሰብኣዊ ኣሰራርሓ ብዝተኣሳሰር እኹል ስራሕ ከም ዘይሰርሐ የመልክት።
"ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ብምግባር ህይወት ተመዛበልቲ ከድሕን ኣይከኣለን።"
ኣብዚ መዳይ ብመጠኑ ተመሳሳሊ መርገጺ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ፕሮፌሰር ሸቲል፡ መንግስቲ ፈደራልን ካልኦትን ክጻወትዎ ዘለዎም ተራ ምህላዎም ይሕብር።
“እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ካብ መግቢ ክሳብ ቀረብ ሕክምና፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀጻሊ ኣብ ምግባር ዕዉት ኣይኰነን። እዚ ግን ንበይኑ ዝፍጽሞ ኣይኰነን። ብፈደራል መንግስቲን ዓለምለኸ ትካላት ልምዓትን ብሓባር ዝካየድ’ዩ። እዚ ንምዕዋት ናይ ኵሉ ተሳትፎ ስለ ዝሓትት ዝተሓላለኸ’ዩ” ይብል።
ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ዜጋታት ዝለኣኽ እኽሊ፡ ኣብ ዘይዕላማኡ ድሕሪ ምውዓሉ፡ ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራትን ዩኤስኤኣይዲን ሓገዝ ምሃብ ምቍራጾም ዝዝከር’ዩ።
ድሕሪ'ዚ ስጕምቲ ኣብ ትግራይ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ጌታቸው ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ መሓውራት ብሰባት ዝስረቕ እኽሊ ሓገዝ ከም ዘረጋገጸን ምስዚ ተተሓሒዙ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝተኣሰሩን ሓቢሩ’ዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዘተኣማምን ድሕንነትን ሰላምን ዘይምህላዉ፡ ፕሮፌሰር ሸቲል ዝጠቕሶ እቲ ዝዓበየ ድኽመት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር’ዩ።
“ኵነታት ጸጥታ ትግራይ ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ። ኣብ ገጠርን ንኣሽቱ ከተማታትን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መቐለ እውን ብተደጋጋሚ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለ ዝተቐትለት ዘውዲ መርትዖ እያ። ንነበርቲ ትግራይ ሓለዋ ድሕነት ክገብር ቀጥታዊ ስልጣን ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር’ዩ፤ ኣብዚ መዳይ ኣይተዓወተን።”
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብቲ ክልል መንግስቲ ዘይፈልጦም ኣብያተ ማእሰርቲ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ነበርቲ ጅሆ ተታሒዞም ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ክኸፍሉ ይግበሩ ከምዘለዉ ተዛሪቡ’ዩ።
"እቶም ዓጀብቲ ኣለና እንብል ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ዘይንወድቀሉ ምኽንያት የለን" ብምባል ክብደት እቲ ጸገም ገሊጹ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ መቐለ ጥራይ ዝተቐመጠ’ዩ ክብል ዝነቐፈ እቲ ፕሮፌሰር፡ እቲ መንግስቲ ካብ ውሽጢን ካብ ደገን ብድሆታት ይገጥምዎ ኣለዉ ይብል።
"ኣብ ህወሓት ብዛዕባ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ሕጊን ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋንን ዝተፈላለየ ሓሳብ ዘለዎም ጉጅለታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ንርኢ ኣለና። ጌታቸው’ውን ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ፈደራል መንግስትን ዓለምለኻዊ ትካላትን ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ኣባላት ህወሓት ከይተረፈ ብድሆታት ከም ዘጋጥሙ ጠቒሱ’ዩ።”
ካብዚ ብተወሳኺ "ኣብ መንጐ ምሁራት ትግራይ ናይ ስልጣን ቃልሲ" ብንጹር ከም ዝረአ ይገልጽ። ሓይልታት ጸጥታ ተሓታትነቶም ንምምሕዳር ጥራይ ዘይምዃኑ ነቲ ኵነታት ከም ዘጋደዶ’ውን የመልክት።
ፕረዚደንት ጌታቸው፡ ምምሕዳሩ ብዞባን ወረዳታትን ደረጃ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ጸገማት ከም ዘጋጠሞን ምምሕዳሩ ንምድኻም ዝሰርሑ ኣካላት ከም ዘለዉን ኣብ መግለጺኡ ምጥቃሱ ዝዝከር’ዩ።
ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ሳወት ኣቶ ሃይሉ ግን ምስዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።
"ብሕጊ 60 ሚእታዊት ስልጣን ዝወሰደ ህወሓት’ዩ። እቶም ጀነራላት ደገፍቲ ህወሓት እዮም። ሲቪክ ሕብረተሰብን ምሁራትን እውን ንህወሓት እዮም ዝውግኑ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ 100 ሚእታዊት ህወሓት’ዩ" ብምባል ካብ ውሽጥ ዘጋጥሙ ብድሆታት ኣለዉ ዝብል ሓሳብ ሓቂ ከም ዘይኰነ የብርህ።
እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ "ደሞዝ ኣይከፍልን፡ ጥሮታ ኣይከፍልን። ስለዚ 'እንታይ ሰሪሑ' እንተይልኩም መልሰይ 'ዋላ ሓንቲ' እዩ" ይብል።
“ጥሮታ ብፌደራል መንግስቲ’ዩ ዝኽፈል። እቶም ጥሮተኛታት እንታይ ገይሮም? ሰራሕተኛታት መንግስቲ ንምንታይ ደሞዝ ዘይወሃቡ? 100 ቢልዮን ንኲናት እንተ ኣውጺእካ፡ 10 ቢልዮን ንሰላም ከተውጽእ ከመይ ይኸብድ?” ክብል ይሓትት።
ባጀት ሓደ ዓመት ጥራይ ከም ዝተፈቐደሎም ዝገለጸ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ስራሕ ዘይተሰናበቱ 270 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ብምህላዎም ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ደሞዝ ንምኽፋል ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።
ኣብ ገለ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ‘ተገዛኢ’ ፌደራል መንግስቲ’ዩ ተባሂሉ ክግለጽ ምስማዕ ልሙድ’ዩ።
ፕሮፌሰር ሸቲል፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንፈደራል መንግስቲ ተሓታቲ ክኸውን ዝተሃንጸ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።
"እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተመስረተሉ ሕጋዊ ቅርጺ እንተርኢና ንፈደራል መንግስቲ ተሓታቲ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ኣይኰነን። ከም ሓቂ ንምምሕዳር ትግራይ ዘጸግም ዘሎ እዚ’ዩ።"
"እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምንጽብራቕ ዝከኣሎ ዝገብር ዘሎ እመስለኒ" ዝብል እቲ ፕሮፌሰር፡ ኣብ ቀጻሊ ኣብቲ ክልል ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ ከቢድ ዕማም ከም ዝጽበዮ የመልክት።
ህወሓት ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምምራሕ ብቑዕ ትልሚ ከም ዘይብሉ ዝምጕት ኣቶ ሃይሉ ከበደ ብወገኑ፡ እቲ ክልል ብስርዓት ንምንቅስቓስ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣገዳሲ’ዩ ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







