ትግራይ፡ ብጭካነ እናተሃርሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰልፈኛታት

ሰብመዚ ጸጥታ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ንሓያለ መራሕቲን ኣባላትን ተቓወምቲ ውድባት እናሃረሙ ክኣስርዎም ከምዝተራእዩ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ንሎሚ 2 ጻጉሜን 2015 ኣ.ግ ኣብ ከተማ መቐለ ኣደባባይ ሮማናት ክካየድ ኣብ ዝጸውዕዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ ናብቲ ከባቢ ድሕቲ ምምርሖም ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ፡፡
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ስእልታት ገለ ግዳያት ክሳብ ዝደምዩ ከምዝተሃርሙ የርኢ።
እቶም ውድባት ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢታት ክግበሩ ዝጽውዕ ‘ኪዳን ሱር በቆስ ለውጢ’ ዝተባህለ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካይዱ ከጋውሑ ዝቐነዩ ኮይኖም፡ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግና ቅንያት በዓላት ከምዝኾነ ብምግላጽ እቲ ሰልፊ ከይካየድ ኣዚዙ፡፡
ንመግለጺ እቲ ምምሕዳር ዘይተቐበሉ እቶም ውድባት እቲ ሰልፊ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ንምክያድ ጎስጓስ ኣብ ዘካይዱሉ እዋን፡ መራሕትን ኣባላትን ውድባት ሳወት፣ ባይቶናን ውናትን ትማሊ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ፡፡
ትማሊ ኣብ ህልዉ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንመራኸቢ ብዙሃን እቲ ክልል መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር መሰል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ እንተኾነ ኣብዚ እዋን ጭቡጥ ናይ ጸጥታ ስግኣት ከምዘሎ ተዛሪቡ፡፡
"ሰላማዊ ሰልፊ ምፍቃድን ምኽልካልን ዝበሃል ከምዘየለን ከፍልጡ ጥራሕ ከምዘልዎምን ምስቶም መራሕቲ እተን ውድባት ተረዳዲእና ኢና፡፡ ሰልፊ ዝግበረሉ ቦታ ምውሳን ግን ናይቶም ፖለቲካዊ ውድባት ስልጣን ኣይኮነን’’ ኢሉ።
ብዛዕባ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣደባባይ ሮማናት ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ መብርሂ ዝሃበ ኣባል መሪሕነት ውድብ ባይቶናን ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፍን ኣይተ ዮሴፍ በርሀ፡ ናብ ሰልፊ ዝወጹ ኣባላት ውድባትን ካልኦትን ብፖሊስ ይውሰዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡
‘‘ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝካየደሉ ቦታ ብንጉሆ ኢና ወጺእና፤ ኮይኑ ግና ብዙሕ ሰራዊት ኣዋፊሮም ስለዘለዉ ንዘዝመጸ እናሓፈሱ እዮም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝወስድዎ ዘለዉ’’ ኢሉ።
ኣስዒቡ ‘‘ኣብ ዙርያ እቲ ኣደባባይ ብዙሕ መንእሰይ ኣሎ፤ ግን የባርርዎ እዮም ዘለዉ፡፡ ኣብቲ ከባቢ ሻሂ እውን ክትሰትይ ኣይትኽእልን’’ ክብል ገሊፁ።
ኣይተ ዮሴፍ ሕዚ እውን ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ይፍትኑ ከምዘለዉ ተዛሪቡ፡፡

ኣቶ ጌታቸው እቶም ውድባት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሙሉእ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ስለዘይተመዝገቡ ናይ ኣደባባይ ሰልፊ ክገብሩ ከምዘይክእሉ እውን ተዛሪቡ፡፡
"ብሕጋዊ መንገዲ ምክታዕ ስለዝገደፍዎ እምበር እቶም ውድባት ብመሰረት ቦርድ መረጻ ሕዚ ዘለዎም ቁመና: ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር ኣኼባ ክጽውዑ እንተዘይኰይኑ ኣብ ኣደባባ ሰልፊ ክጽውዑ መሰል የብሎም" ክብል ገሊፁ።
ቀንዲ መበገሲ ምኽልካል እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ኣብ መቐለ ርኡይ ጸጥታዊ ጸገም ስለዘሎ እዩ ዝብል እምነት ኣንጸባሪቝ።
"ግዝፍ ዝበለ ናይ ነተጉቲ ምትእኽኻብ ኣሎ፤ ካብ ጐረባብቲ ከባቢታት ዝመጸ እዩ’’ ኢሉ።
ኣይተ ዮሴፍ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ንምንታይ ከምዝኸልከሉዎም ሓቲቶም እንተነይሮም ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ‘‘ገሊኦም 'ትእዛዝ እዩ ተዋቡና፤ ናዓና እንታይ ትብሉና፤ ዝብል መልሲ ይህቡኻ፡ መብዛሕተኦም ግን ከዛርቡኻ እውን ፍቓደኛ ኣይኮኑን፡፡ ሰፊሕ ፕሮፖግንዳ እዩ ተሰሪሑ፡፡ ዓዲ ከፍርሱ፡ ከዐምጹ. . . ዝብል’’ ክብል ኣረዲኡ።
ካልኦት ንቢቢሲ ምስክርነት ዝሃቡ ሰባት እውን ፖሊስ ንጉሆ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ናብቲ ኣደባባይ ዝመጹ ሰባት ከምዝኣሰረን ካልኣይ ተወዲቦም ሰልፊ ንምክያድ ዝፈተኑ ከምዝበተነን ተዛሪቦም፡፡
ብተወሳኺ ፖሊስ ፎቶ ክስእሉ ረኺበዮም ናይ ዝበሎም ሰባት ቴሌፎን ከምዘሕደገን ንምጽራይ ብዝብል ከምዝሓዞምን ገሊጾም፡፡
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ምስክር ዓይኒ ‘‘ ዝተወሰኑ ፖሊስ ናብ ገጽና እንትፍ ኢሎምልና ንዝበልዎም ሰባት ብበትሪ ከምዝወቕዑን ኣዘዝቲ ፖሊስ ክወቕዑ ከምዘይግባእ ትእዛዝ እንተመሓላልፉን ሰሚዐን ተዓዚበን’’ ኢሉ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ሰላማዊ ሃዋህው እኳ እንተሃለወ ፖሊስ ኣብ ወሰና ወሰን ደው ኢሎም ንዝዕዘቡ ሰባት ናብ ዋኒኖም ክኸዱ ይእዝዙ ከምዘለዉ ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም፡፡
ብሓላፊ ጸጥታ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፍሰሃ ኪዳኑ ናብ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ከምዝተልኣኸ ዝተገለጸ ደብዳበ፡ እቲ ሰልፊ ‘‘ሱር ነቀል ለውጢ ምምጻእ ብዝብል መንግስቲ ንምግልባጥን ዕግርግር ንምፍጣርን ዝግበር ንጸላኢ ዘቃልዕ ተግባር’’ ክብል ይገልጾ፡፡
‘‘እዚ ዝበሃል ዘሎ ሰልፊ ብመሰረቱ ሕጋዊ ዝኾነ ናይ መሰል ሕቶ ንምንጽብራቕ ዘይኮነስ ናዕብን ዕግርግርን ዘኸትል ናይ ቀለም ኣብዮት ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ’’ ይብል።
ኣብ ቀረባ ውጉኣትን ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ኣብ ከተማ መቐለ ብደተጋጋሚ ሰልፊ ከካይዱ ተራእዮም እዮም፡፡
ቅድሚ ኣዋርሕ ቀረብ መድሓኒትን ምግብን ክመሓየሸሎም ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዝወጹ ጉድኣት ተጋደልቲ ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ጋዝ ብምትኳሶም ከቢድ ተቓውሞ ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







