ኣሳልጣኒ ማን ዩናይትድ ተጻወትቱ ኣብ ሜዳ፡ 'ከም ዝጭነቑን ከም ዝፈርሑን' ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣርባዕተ ተኸታታሊ ስዕረታት ዘመዝገበት ማንቸስተር ዩናይትድ፡ ሎሚ ሰንበት (16፡30 GMT) ነታ መራሒት ዘላ ሊቨርፑል ንምግጣም ናብ ኣንፊልድ ክትጓዓዝ እያ።
ኣሞሪም መዝነት ምስልጣን እዛ ታሪኻዊት ጋንታ ኣብ ሕዳር ካብ ዝሕዝ ንደሓር ኣብ ክልተ ላዕለዎት ጸወታታት ተዓዊታ፡ ካብ ዞባ ምውራድ ብሸውዓተ ነጥቢ ጥራሕ ተፈንቲታ ትርከብ።
"እንታይ መሲለ ከም ዘለኹ ኣብ ገጸይ ርኣዩዎ፣ ምስቲ ዝመጻእኩሉ እዋን ዝነበርኩዎ'ውን ከተነጻጽሩዎ ትኽእሉ ኢኹም፡" ክብል፡ እቲ ካብ ሸሞንተ ጸወታታት ሓሙሽተ ግዜ ዝተሳዕረ ኣሞሪም ይዛረብ።
"ጽቡቕ ውጽኢት እንተ ዘይኣምጺእና ብርግጽ ብዙሕ ጸቕጢ ኣሎ፡" ብምባል ድማ መግለጺኡ ይቕጽል።
ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ብቦርንማውዝ 3 ብ 0፡ ብዎልቭስ 2 ብ 0፡ ብኒውካስል 2 ብ 0 ስዕረት ኣመዝጊባ።
ካብ 1979 ኣትሒዛ ኣብ ሓደ ዓመተ ስፖርት ኣከታቲላ ኣርባዕተ ጸወታታት ተሳዒራ ኣይትፈልጥን።
ሸቶ ከይመዝገበት ንኣርባዕተ ተኸታታሊ ጸወታታት ዝተጓዕዘትሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ድማ ብምያዝያ 1909 እዩ ዝነበረ።
ኣሞሪም ብዛዕባ ተጻወትቱ፡ "ኣብ ሜዳ ይጭነቑን ሓድሓደ ግዜ ድማ ፍርሒ የርእዩ፡" ምህላዎም ይገልጽ።
"ነዚ ክንብድሆ እዩ ዘለና፡" ይብል።
እታ ካብ መራሒት ሊቨርፑል ብ23 ነጥቢ ድሒራ እትርከብ ዩናይትድ፡ ብድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ 2016 ዋይን ሩኒ ብዘመዝገባ እንኮ ሸቶ ዝተዓወተቶ፡ ኣብ ኣንፊል ክትዕወት ኣይከኣለትን ኣላ።
ዩናይትድ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ዝገጠመቶ፡ ሸቶታት ከተመዝግብ ኣይከኣለትን።
ኣብ ከምዚ ኵነት እናሃለወት፡ ኣሞሪም ነታ ጋንታን ደገፍታን ዝሓሸ ግዜ ይመጽእ ከም ዘሎ ገሊጹ።
"ዝከኣለኒ ዘበለ ክገብር እየ፣ ንምሕጋዛ ኵሉ ነገረይ እየ ዝህባ ዘለኹ። ክንዕወት ድማ ኢና። ኣብዛ ህሞት ኴንካ ነዚ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ምዃኑ እፈልጥ እኳ እንተዀንኩ፡ ግና ክንዕወት ኢና፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት፡ ኒውካስል ናብ ቶትንሃም ብምጓዓዝ 2 ብ 1 ረቲዓታ።
ኣብዚ ጸወታ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ መበል 13 ናይ ሊግ ሸቶኡ ኣብዚ ዓመተ ከመዝግብ እንከሎ፡ ወዲ ጋንታኡ ኣንቶኒ ጎርደንን ተጻዋታይ ቶትንሃም ዶምኒክ ሶላንከን ድማ ሓሓንቲ ሸቶ ኣቝጺሮም።
ኢሳቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 12 ጸወታታቱ 13 ሸቶታት ከመዝግብ በቒዑ።
ኣብ ሸውዓተ ተኸታታሊ ግጥማት ሸቶ ብምምዝጋቡ ድማ ኣብ ታሪኻ እዛ ጋንታ ምስ ኣላን ሸረርን ጆ ዊሎክን ተሰሪዑ።
ክሳዕ ሕጂ ልዕሊኡ ሸቶታታት ኣቝጺሮም ዘለዉ ኤርሊንግ ሃላንድን መሓመድ ሳላሕን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኮል ፓልመርን ብራያን ምቤውማን ድማ ምስኡ ተመዓራርዮም ይርከቡ።
እታ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እትርከብ ኣርሰናል ምስ ብራይተን ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ፡ 1 ብ 1 ብምውጻእ ኣገደስቲ ክልተ ነጥብታት ከሲራ።
ናብ ክሪስታል ፓላስ ዝገሸት ቸልሲ'ውን 1 ብ 1 ብምውጻእ ኣብ ተኸታታሊ ነጥቢ ምጥፋእ ረጊጻ ትርከብ።
እታ ኣብ ተኸታታሊ ስዕረት ዝጸንሐት ማንቸስተር ሲቲ ንዌስትሃብ 4 ብ 1 ክትድህኻ እንከላ፡ በርንማውዝ 1 ኤቨርተን 0፡ ኣስቶን ቪላ 2 ሌስተር ሲቲ 1፡ ሳውዝሃምፕተን 0 ብረንትፎርድ 5 ተፈላልየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







