ድሕሪ 45 ዓመት ሃገራዊ ቀብሪ ዝተፈፀመሉ ፕረዚደንት

 ዊልያም ቶልበርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊልያም ቶልበርት ካብ 1971 ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ልዕሊኡ ዕልዋ ዝፍፀም ንትሽዓተ ዓመታት ፕረዚደንት'ዩ ነይሩ

ኣብ ዕልዋ መንግስቲ ዝተቐትለን ሬስኡ ኣብ ሓደ ጃምላዊ መቓብር ከም ዝተደርበየን ዝእመን ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ዊልያም ቶልበርት፡ ድሕሪ 45 ዓመት ምሳልያዊ ዳግማይ ቀብሪ ተፈፂምሉ።

እቲ ፕረዝደንት ምስ ተቐትለ ድሕሪ 10 መዓልታት፡ 13 ኣባላት ካቢኔኡ ኣብቲ ዘይወግዓዊ ወተሃደራዊ መጋባእያ ዝቐረቡ ኰይኖም፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞኖሮቭያ ጥቓ መደቀሲ ሰራዊት ዝርከብ ገምገም ባሕሪ፡ ዕርቃኖም ብምውፃእ፡ ኣብ ዓንድታት ተኣሲሮም ብወተሃደራት ብዝተተኰሰ ጥይት ተረሺኖም።

ናይ ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ዊልያም ቶልበርት ሓዊሱ፡ ናይ ዓሰርተ ኣርባዕቲኦም ኣስከሬን ዋላ'ኳ እንተ ዘይተረኸበ፡ ፕረዚደንት ጆሴፍ ቦኣካይ ከምኡ'ውን ካልኦት ሰብመዚን ክቡራት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ንሕድሕዶም ሃገራዊ ቀብሪ ተፈፂምሎም።

እዚ ሃገራዊ ዳግማይ ቀብሪ፡ ምስቲ እዛ ሃገር ዘሕለፈቶ ዓመፅ ዝመልኦ ሕሉፍ ታሪኽ ብምንፅፃር፡ ከም ትእምርቲ ሕውየትን ምምላስ ሰላምን ተራእዩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ቦኣካይ፡ "እዚ ናይ ሃገራዊ ሕልና ተግባር እዩ። ንታሪኻዊ ጌጋታት ብምቕባል ንሓቂ፡ ፍትሕን ዕርቅን ሓበራዊ ተወፋይነት ዳግማይ እነረጋግፀሉ እዩ፡" ኢሉ።

ኣብዚ ሃገራዊ ቀብሪ ገዚፍ ጕድጓድ ዝተዃዕተ ክኸውን ከሎ፡ ምናልባት ኣስከሬን ናይቶም ግዳያት መርሸንቲ እንተ ተረኽበ ብዝብል ኣይተደፍነን።

እቲ ኣብ 12 ሚያዝያ 1980 ዝተኻየደ ወዲ 28 ዓመት ሳጅን (ሰርጌንተ) ሳሙኤል ዶይ ስልጣን ዝጨበጠሉ ዕልዋ መንግስቲ፡ እቲ ንልዕሊ 100 ዓመታት ብውሑዳን ኣመሪካ - ላይበርያውያን ተባሒቱ ዝነበረ ፖለቲካዊ ልዕልና ከብቅዕ ዝገበረ እዩ።

ኣመሪካ - ላይቤርያውያን ዓሌት ናይቶም ኣብ 1800ታት ካብ ኣመሪካ ናብ ላይበርያ ዝመፅኡ ፀለምቲ ጊላታት ኰይኖም፡ ክሳብ እቲ ኣብ 1980 ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘበን ፖለቲካ እታ ሃገር ዝበሓቱ እዮም።

ዊልያም ቶልበርት ኣብ መንበር ፕረዝደንትነት ዝፀንሓለን ትሽዓተ ዓመታት፡ ብዓሌታዊ ዘይምዕሩይነትን ኣብ ህዝቢ እናዓበየ ብዝኸደ ዘይምዕጋብን እየን ዝግለፃ።

ኣብ ልዕሊ ቶልበርት ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ላይበርያ ዘይርጉእነት ካብ ምብጋስ ሓሊፉ፡ ጠንቂ ክልተ ኣዕነውቲ ኲናት ሕድሕድ ኰይኑ እዩ። እዞም ኲናት ሕድሕዳት ኣብ 2003 እዮም ኣብቂዖም።

እቲ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ሳሙኤል ዶይ ንርእሱ፡ ኣብ 1990 ብዕጡቓት ሓይልታት ብጭካነ እዩ ተቐቲሉ። ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቦኣካይ ድማ ዳግማይ ቀብሩ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዓዱ ተፈፂሙ ኣሎ።

 ሳሙኤል ዶይ (ፀሊም መነፀር ዝገበረ)፡ ድሕሪ ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ንህዝቢ እታ ሃገር መልእኽቲ እናኣሕለፈ

ምንጪ ስእሊ, Eugene Shaw via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳሙኤል ዶይ (ፀሊም መነፀር ዝገበረ)፡ ድሕሪ ዝተፈፀመ ዕልዋ መንግስቲ ንህዝቢ እታ ሃገር መልእኽቲ እናኣሕለፈ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ቦኣካይ ኣብ ቀብሪ ሳሙኤል ዶይ፡ "እዚ ቀብሪ ጥራሕ ኣይኰነን። ከም ሃገር ብዛዕባ ሕሉፍን ህሉውን እንሓስበሉ ፍሉይ ህሞት እዩ፣ ምስ ታሪኽና እንዕረቐሉ፣ ካብ ቍስልታትና እንሓውየሉን ብኽብርን ብዕላማን እንዝክረሉን እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዳግማይ ቀብሪ ናይቶም ኣብ 1980 ዝተረሸኑ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ስድራቤታት ንፍቱዋቶም ክዝክሩ፡ ከም ሃገር ድማ ንግዳያት ክብሪ ዝወሃበሉ እዩ ነይሩ።

ኣብ ላይበርያ ፍልጥቲ ጠበቓ ዝዀነት የቬት ቼሰን፡ ጓል እቲ ምስቶም 13 ካቢነታት ዝተረሸነ ምኒስተር ፍትሒ ጆሴፍ ቼሰን እያ።

የቬት፡ "45 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ፣ እቲ ስቓይ ግና ኣይሃሰሰን ናይ ቀረባ እዋን ኰይኑ ይስመዐካ፡" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እቶም ብሰሉስ ዝተፈፀሙ ዳግማይ ቀብርታት፡ ናይቲ ነዊሕ መስርሕ ምዃኑ ብምርግጋፅ፡ " እዚ ፅምብል ጥራሕ ኣይኰነን፡ ምፍላም ሕውየት'ምበር። ፍፃመ ዕርቂ ኣይኰነን፡" ኢላ።

ጓል እቲ ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ዝነበረ ቻርለስ ሴሲል ዴኒስ ዝዀነት ቢንዱ ዴኒስ ድማ፡"ብዙሓት ገፃት ሕውየት ኣለዉ። ንዓና ግና፡ ብዋናነት ንላይበርያ ንዝወደቑ ጀጋኑ ክብሪ ምሃብ ካብቶም ብዙሓት መገድታት ሕውየት'ዩ።

"ኣቦታትና ንፖለቲካዊ ስልጣን ክበሃል፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝተፈንፈነን ጨካንን መንገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብዘይ ምሕረት ተቐቲሎም። ሕውየት ማለት ምርሳዕ ከም ዘይኰነ ክሳብ ዝተረዳእኹም፡ ኣብ ሓደ ገፅ ኢና ዘለና፡" ኢላ።

ቻርለስ ሴሲል ዴኒስ፡ ኣብ ግዜ ፕረዚደንትነት ዊልያም ቶልበርት፡ ምኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ላይበርያ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዊልያም ቶልበርት ዝርከቦም 14 ኣባላት ካቢነ ብዝተተኰሰ ጥይት ስለ ዝተረሸኑ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ዳግማይ ቀብሪ ስድራቤታት ንወተሃደራዊ ክብሪ 21 መዳፍዕ ክትኰስ ኣይደለዩን። ኣብ ክንድኡ ድማ 21 መለኸታት (trumpets) ተነፊሖም።

ፕረዝደንታት ነበር ናይታ ሃገር ናብቲ ሽም ኵሎም ግዳያት መርሸንቲ ዝሓዘ ሓወልቲ መቓብር ብበብዓመቱ ብምኻድ ክሳብ'ዚ ግዜ'ዚ ይዝክርዎም እዮም።

እቶም 14 ሰብመዚ እታ ሃገር ተረሺኖም ከም ዝተቐበርሉ ዝእመን ጃምላዊ መቓብር፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ዝተዃዕተ'ኳ እንተዀነ፡ ኣስከሬኖም ስለ ዘይተረኸበ ግና፡ ሬሳ እቶም ግዳያት እንታይ ከም ዘጋጠሞ ወይ ድሕሪ ምቕታሎም ናበይ ከም ዝተወስደ ዘይተፈትሐ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ።

ፎቶ ዝተረሸኑ ሰብመዚ

ምንጪ ስእሊ, Moses Kollie Garzeawu / BBC

መግለጺ ስእሊ, ሕድሕድ ስድራ ግዳያት ባንዴራ ላይቤርያ ተበርኪትሎም እዩ።

ሓላፊት እቲ ዳግማይ ቀብሪ ጃርሶ ማሌይ ጃላህ፡ "ኣብ ሃገርና ዘጋጠሙ ዘይንዀርዓሎም ነገራት ኣለዉ፤ ኰይኑ ግና ላይቤርያውያን ኢና። ሃገርና ንምስጓም ድማ ክንሓብር ኣለና፡" ብምባል ንቢቢሲ ገሊፃ።

ንኣገልግሎት እቶም ዝተቐተሉ 14 ሰብመዚ ክብርን ኣፍልጦን ንምሃብ፡ ንሕድሕድ ስድራ ግዳያት ባንዴራ ላይበርያ ተበርኪትሎም እዩ።

ኣብ 2006፡ ኣብ እዋን ጐንፅታት ንዝተፈፀሙ ግፍዕታት ምስክርነት ንምእካብ ዘኽእል ኮምሽን ሓቂን ዕርቅን (TRC)፡ ብፕረዚደንት ነበር ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ከም ዝተመስረተ ይዝከር።

እቲ ኮምሽን ኣብ 2009፡ ብገበናት ኲናት ናይ ዝኽሰሱ ሰባት ዝርዝር ወግዓዊ እኳ እንተ ገበረ፡ ዝዀነ ሕጋዊ ስጕምቲ ግና ኣይተወሰደን።

ክሳብ እዚ ግዜ'ዚ፡ ናብ ኣብያተ ፍርዲ ላይበርያ ዝቐረቡ ወይ'ውን ፍርዲ ዝተዋህቦም የለዉን። ገለ ገበናት ኵናት ዝፈፀሙ ግና ኣብ ካልኦት ሃገራት ተፈሪዶም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዝደንት ጆሴፍ ቦኣካይ፡ ጥርጡራት ገበናት ኲናትን ገበናት ቍጠባን ዝተኣናገድሉ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ንምጥያስ ዘኽእል ሕጋዊ ትእዛዝ ከም ዘፅደቐ ይፍለጥ።