መራሒ ላይበሪያ ነበር ቴይለር ኣብ ምርጫ ሃገሮም ስውር ኢድ ይህልዎም'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ላይበሪያ ዝነበሩ ቻርለስ ቴይለር ብዝፈፀምዎም ገበናት ኲናት 50 ዓመታት ተፈሪድዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንግሊዝ ይርከቡ። ኮይኑ ግን ዝመፅእ ሰሉስ ሃገሮም ኣብ እተካይዶ መረፃ ኢዶም ንምሕዋስ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ይጥቀሙሉ ከይህልዉ ይጥርጠር።
"ሎም መዓልቲ ዝመፁ እንተዝኾኑ ቀይሕ መንፀፍ ኣንፂፈ ምተቐበልክዎም" ይብል ኣብ ማእከላይ ላይበሪያ-ግባርታላ ዝነብር ወዲ 32 ዓመት ሉተር ካሴል።
እዞም ከቢቦም ኮፍ ብምባል፡ ቢራ እናሰተዩ ብዛዕባ ዝመፅእ ዘሎ መረፃ ሃገሮም ዝዝትዩ ዘለው ሰባት፡ ስግኣት ከምዘለዎም ዘጠራጠር ኣይኮነን።

ዝርከቡሉ ከባቢ ኣብ 1990ታት ዓመፅቲ ቻርለስ ቴይለር ማእከሎም ገይሮምዎ ዝነበረ እዩ።
እቲ መዋፈሪ ዓንዩ፡ ህንፃታቱ ብተኽሊታት እንተተዓበጡ'ኳ ስም ቴይለር ግን ሕዚ'ውን ኣይሃሰሰን።
"ዋላ'ውን ብድምፅታት ተኹሲ እንተተዓጀበ ሽዑ ዝነበረ ህይወት ይሓይሽ" ክብል ይዛረብ ሓደ ስግኣቱ ዝገልፅ ወሃብ ርእይቶ ። መዓልታዊ ጠለባት ምምላእ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምብፅሖም ድማ የሕዝኖ።

ኩዕሶ እግርን ፖለቲካን
ፕረዝደንት ንምዃን ንሳልሳይ ግዘ ይነሓናሕ (ዝወዳድር) ዘሎ ብሉፅ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃ፡ ብዘይተለመደ ኩነታት ንበዓልቲ ቤት ቻርለስ ቴይለር ንዝነበራ ጆዌል ሃዋርድ ቴይለር፡ ምኽትሉ ገይሩወን ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ ቴይለርን ናሽናል ፓትሪዮቲክ ፓርቲ (NPP) ዝተብሃለ ሰልፎምን ተሪር ተቓውሞ ዝነበሮ ዊሃ፡ ሕዚ ነዚ ምውሳኑ ሕቶታት የለዓዕል ኣሎ።
ሕብረት ጆርጅ ዊሃ ዝመርሖ ሰልፊ (ኮንግረስ ዴሞክርቲክ ቼንጅ)ን ሰልፊ ኤን ፒ ፒን ክፍጠር ዝኸኣለ፡ ቻርለስ ቴይለር ኣብ ወርሒ ጥሪ ልደቶም ከኽብሩሎም ንዝተኣከቡ ደገፍቶም መልእኽቲ ስልኪ ቅድሚ ምሕላፎም ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ናይ ስልኪ መልእኽቲ ኣብ እንግሊዝ ብጥብቂ ካብ ዝሕሎ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም'ዮም ኣሕሊፎምዎ።
ሽዑ ድማ "እቲ ሰውራ ህይወቶም" ከምዝኾነ ብምዝራብ ህዝቢ ንውድቦም ከይጠልም ተማሕፂኖም። "ናብቲ መሰረት ተመለሱ፡ ሽዑ ኩሉ ነገር ክመሓየሽ'ዩ" ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።
'ክምለስ'የ'
ጆዌል ሃዋርድ፡ በዓል ገዝአን ንዝነበሩ ቴይለር ካብ ዝተኸሰሱሎም ገበናት ናጻ ምዃኖም እምነተን ይገልፃ።
ምስ ጋዜጠኛታት ሃገረን፡ ካብ ወፍሪ መረፃ ወፃኢ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እንተካይዳ፡ ሃገረን፡ ታይለር መራሒ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ናብ ዝተወጥነ ኣጀንዳ ክትምለስ ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ሎምዘበን ኣብ ዝካየድ መረፃ ፅዕንቶ ይፈጥሩ ብዛዕባ ምህላዎም ንዝቐረበ ሓሳብ ግን ውድቂ ገይረን። ጆርጅ ዊሃ ብወገኑ፡ ምስቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፕረዚደንት ነበር ብስልኪ ምርኻቡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊፁ'ዩ።
ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ኢዶም ይሕውሱ ንምህላዎም ግን ንሱ'ውን ቅቡል ኣይገበረን። "ቻርለስ ቴይለር መረፃና እናመርሐልና ኣይኮነን" ኢሉ።
ንጆዌል ብዛዕባ ምሕራዩ ተዛሚዱ እንትሕተት ድማ "ሰባት ይፈትውዋ እዮም። አደ እዛ ሃገር'ያ ነይራ" ክብል ገሊፁ።
"ንመረፃ ዝገብሮ ወፍሪ፡ ቻርለስ ይመርሓለይ እንተዝህሉ ዓለም ምፈለጠ" እንተበለ'ኳ፡ ዓለም ግን ነዚ ተገንዚቡ ኣተሓሳሲብዎሎ።

ብዛዕባ ስልኪ ምድውዋሎም ካብ ዝስማዕ ንደሓር ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ኢድ ኣእታውነት ከይህሉ ኮንግረስ ኣሜሪካ ውሳነ ኣሕሊፉሎ።
"ኣብቲ እዋን መረፃ፡ ብፍላይ ካብቶም ገበነኛ ኲናት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይንካ ፅልዋ ንምሕዳር" ንዝግበር ፈተነ ብኣጋ ኮኒኑ።
ኣብ ላይቤርያ ዝርከብ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮፓ ብወገኑ፡ ንፍርዲ ፕረዚደንት ላይቤርያ ቀይሩ ንቴይለር ናብ ሃገሮም ክመልሶም ከምዘይኽእል ዝገልፅ መግለፂ ሂቡ።
ኣብታ ሃገር ናይ ዝሕተም ጋዜጣ 'ፍሮንት ፔጅ ኣፍሪካ' ኣራሚ ትሕዝቶ፡ ሮድነይ ሴህ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ጆርጅ ዊሃ ብገለ ሓሳባት ቴይለር ዝተፀለወ እዩ።
"ብኣካል ኣብዚ እንተዘይሃለው'ውን ሓዲኦም እንተተመሪፆም ኣብ ብዙሓት ነገራት ፅልዋ ከሕድሩ እዮም" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







