ትራምፕ ካብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 መይን ተኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓላፊት መረጻ ክፍለ ግዝኣት መይን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ኣብታ ክፍለ ግዝኣት ክወዳደር ከምዘይክእል ኣፍሊጣ።
ትራምፕ በቲ ኣብ 2021 ናብ ናዕቢ ካፒቶል ሂል ዘምርሐ ተግባራቱ ኣብቲ መረጻ ክወዳደር ብቑዕ ከምዘይኰነ ሼና ቤሎው ሓቢራ።
በዚ ከኣ መይን ነታ ኣቐዲማ ንትራምፕ ዝኣገደት ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ተጸምቢራታ ኣላ።
እዚ ውሳነ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዘቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ኮሎራዶ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ድጋፍ ንደሞክራትስ ዘለወን ግዝኣታት እኳ እንተዀነት፡ መይን ግን ተወዳዳርነት ዝረኣየላ ብምዃና ኣባል ሪፓብሊካን ንዝዀነ ትራምፕ ሃሳዪ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ 34 ገጻት ዘለዎ ውሳነ፡ ንመበል 14 ዕረያ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምጥቃስ፡ ትራምፕ ካብ መረጻ መይን ክእገድ ኣለዎ የብል።
መበል 14 ዕረያ (ኣመንድመንት) ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ዝዀነ ኣብ “ኣብ ናዕብን ዕልዋን ዝተሳተፈ ሰብ” ሰልጣን ክሕዝ ኣየፍቀድን።
ላዕለወይቲ ሓላፊት መረጻን ኣካያዲት ስራሕ ክፍለ-ግዝኣት መይን ዝዀነት ቤልዎስ፡ ትራምፕ ቅድሚ ናዕቢ ካፒቶል ሂል ኣብ ዝነበሩ ኣዋርሕ ንመስርሕ መረጻ ዝምልከት ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ክዝርግሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ደገፍቱ ባይቶ ኣሜሪካ ናብ ዝርከበሉ ካፒቶል ሂል ከምርሑ ገይሩ እዩ ኢላ።
ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ንትራምፕ ዝኣገዱ ደያኑ ኮሎራዶ፡ እቲ ምኽንያት፡ ትራምፕ ኣብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዘጋጠመ ናዕቢ ካፒቶል ሂል ምስታፉ ምዃኑ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ ውሳነ እዘን ክልተ ክፍለ-ግዝኣታት ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ 2024 ክወዳደር ንዝነቀሳቐስ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ውድድር ዘወግድ እኳ እንተዘይኰነ ንተቐናቐንቱ ዝሓሸ ዕድል ዝፈጥር እዩ።
ቤልዎስ ነቲ ውሳነ ኣመልኪታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ቅድሚ ሕጂ ንሕጹይ ፕረዚደንት ካብ መረጻ ዝኣገደ ኣካያዲ ስራሕ ከምዘየለ እፈልጥ እየ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ተግባራት ናዕቢ ዝተሳተፈ ፕረዚደንታዊ ሕጹይ ከምዘየለ’ውን እፈልጥ እየ፡” ድሕሪ ምባል፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር፡ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽል መረጻ ኣብ መላእ እታ ሃገር ከይሳተፍ ንኽእግድ ይሕግዝ እዩ ኢለ እኣምን ኢላ።
ጕጅለ ጐስጓስ መረጻ ትራምፕ ነዚ ውሳነ ኣካያዲት ስራሕ መይን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንሰልፊ ጆ ባይደን ዘሻረወ እዩ ክብል ብትሪ ነቒፉ።
ኣፈኛ እቲ ጕጅለ ስቲቨን ቼኡንግ ኣብታ ግዝኣት ይግባይ ክብሉ ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።
ጠበቓታት ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ኣብ ኮሎራዶ ዝሓለፈ ውሳነ ብትሪ ብምንቃፍ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፈደራል ክወስድዎ ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
ንመበል 14 ዕረያ ሕገመንግስቲ መሰረት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መረጻ 2024 ከይወዳደር ንምኽልካል ኣብ ዝተፈላለያ ክፍለ ግዝኣታት ፈተነታት ተኻይዱ እዩ።
መበል 14 ዕረያ ሕገመንግስቲ፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣሜሪካ ዝጸደቐ ኰይኑ፡ ኣብ ደቡብ ዝርከባ ግዝኣታት ናብቲ ሕብረት ድሕሪ ምጽንባረን ተነጸልቲ ኮንፈደረት ናብ ስልጣን ከይምለሱ ንምኽልካል ዝጸደቐ እዩ።
ኣብ ክፍለ-ግዝኣታት ኒው ሃምፕሻየር፡ ሚነሶታ ከምኡ’ውን ሚሺጋን፡ ትራምፕ ኣብ መረጻ ከይወዳደር ንምግባር ዝተገብረ ፈተነታት ኣይተዓወተን።
ውሳነ ኮሎራዶ ነቲ ኣንቀጽ ሕገ መንግስቲ ብምጥቃስ ንሕጹይ ፕረዚደንት ንምእጋድ ዝሓለፈ ፈላሚ ውሳነ እዩ።
እንተዀነ እቲ ውሳነ ናብቲ ዝያዳ ዓቃባዊ ዝዀነ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣሜሪካ ምስ በጽሐ ከቢድ ብድሆ ከምዝገጥሞ ይገልጹ።
ኣብ ሚሺጋንን ሚነሶታን ዝርከቡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ነቲ ንትራምፕ ካብ መረጻ ንምእጋድ ዝተገብረ ፈተነታት ነጺጎምዎ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







