ሓድሽ ውሳነ ባይቶ ኣመሪካ ስለምንታይ ንባይደን 'ሕማም ርእሲ' ኰይንዎ ኣሎ?

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ መረጻ፡ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ 'መርመራ' ክካየድ ወግዓዊ ንምግባር ኣድሚጹ ኣሎ።

ኣባላት ባይቶ፡ ነቲ ሪፓብሊካን መርትዖታት ንምእካብን ሕጋዊ ጠለባት ንምትግባርን ዝያዳ ስልጣን ክህቦም እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ 'ውሳነ' ንምድጋፍ፡ ኣብ ውድባዊ መስመር ተደሪኾም ድምጺ ሂቦም።

ሰለስተ ብሪፓብሊካን ዝምርሓ ኮሚቴታት እቲ ባይቶ፡ ሚስተር ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጉቦን ብልሽውናን ከምዝፈጸመ ይገልጻ።

እንተዀነ፡ ዛጊድ ጭቡጥ መርትዖታት ኣየቕረቡን።

ሚስተር ባይደን ድማ ተቓወምቱ፡ "ብሓሶት የጥቕዑኒ ኣለዉ" ይብል።

እቲ ሪፓብሊካን ብሸሞንተ ዝያዳ መናብር ዝቈጻጸርዎ ታሕተዋይ ባይቶ ኮንግረስ ፡ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ነቲ 'መርመራ' ክካየድ ዝብል ውሳነ፡ ብ221 ን212 ድምጺ ብልጫ ኣጽዲቕዎ ኣሎ።

'መርመራ' ንኽግበር ንምፍቃድ ድምጺ ምሃብን፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ምድማጽን ሓደ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ባይቶ ንባይደን ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘኽእል ስጕምቲ እዩ።

ኣፈኛ ባይቶ ማይክ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ባይቶ "ንውጽኢት እቲ መርመራ ኣቐዲሙ ኣይፈርድን'ዩ"፡ እንተዀነ "እቲ መዝገብ መርትዖ ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ ዘይከኣል'ዩ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወግዓዊ መርመራ ምእላይ ካብ ስልጣን፡ ናብ ድምጺ ባይቶን ፍርዲ ሰነትን ምምራሕ፡ ኣብ መፋርቕ ዓመት መረጻ ዝቐርብ ንፕረዚደንት ባይደን ‘ዓቢ ሕማም ርእሲ’ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን፡ ዋላ’ውን እቲ ባይቶ ኣብ መወዳእታ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ እንተመረጸ፡ እቲ ዲሞክራት ዝቈጻጸርዎ ሰነት ውዱቕ ከም ዝገብሮ ይግመት።

ሚስተር ባይደን፡ ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ኮንግረስ ዘለዉ መራሕቱ ንሃገርን ዓለምን ኣብ ኣገደስቲ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያት ከተኵሩ ይጽበ ኣሎ" ኢሉ።

"ኣብ ክንዲ ክስራሕ ዘለዎ ህጹጽ ስራሕ ምትኳር፡ ኣብ ኮንግረስ ዝርከቡ ሪፓብሊካን ከይተረፉ እቲ ክሲ ብሓቅታት ከምዘይድገፍ ዝኣመኑሉ መሰረት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ግዜ ከጥፍኡ ይመርጹ ኣለዉ።"

ቅድሚ እቲ ምድማፅ ኣብ ዝተኻየደ ተሪር ክትዕ፡ ሪፓብሊካን ኦክላሆማ ቶም ኮል፡ መሳርሕቱ ነቲ ስጕምቲ ካብ ምምጻእ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ገሊጹ።

ንሱ፡ "ንነብሰይን ነቲ ትካልን ንህዝቢ ኣመሪካን ዘሕዝን መዓልቲ እዩ" ብምባል፡ ዋይት ሃውስ ነቲ መርመራ ‘ብምዕንቃፍ’ ከሲሱ።

ዲሞክራትስ ግን በቲ "ኣኽራሪ ፖለቲካዊ ሃልኪ" ኢሎም ዝነጸግዎ ክሲ፡ ቍጥዐኦም ገሊጾም።

ጄሚ ራስኪን ካብ ሜሪላንድ፡ እቲ መርመራ: ንሓደ ዛንታ 'ልበ-ወለድ ኣጋታ ክሪስት' ብምጥቃስ፡ 'እንታይ'ዩ እቲ ገበን?" ብምባል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣፈ ጉባኤ ነበር ኬቪን ማካርቲ ኣብ መስከረም ነቲ መርመራ ዘበገሶ ኰይኑ፡ ሪፓብሊካን ኣብ ዙርያ ሚስተር ባይደን ባህሊ ጠልቈምቈም ከምዘሎ ይገልጹ።

ሪፓብሊካን፡ ምስዚ ጉዳይ መርመራ ዝተኣሳሰር ሓደ መስርሕ ፍርዲ ፈቲኖም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ክልተ ብሪፓብሊካን ዝተጸውዑ ክኢላታት መሰኻኽር ግን፡ ነቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘኽእል እኹል መርትዖ ከምዘየለ ገሊጾም።

እቲ ተቘጻጻሪ ኮሚተ፡ ስድራቤት ባይደንን መሻርኽቱን ኣብ መንጐ 2014ን 2019ን ካብ ናይ ወጻኢ ምንጪታት ልዕሊ 24 ሚልዮን ዶላር (19 ሚልዮን ፓውንድ) ከምዝረኸቡ እዩ ዝኸስስ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚቴ፡ ጀምስ ኮመር፡ ኣዝማድ ሚስተር ባይደን - ብፍላይ ድማ ወዱ ሃንተር - ነቲ ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ኣቦኡ፡ "ብራንድ ባይደን" ጽልዋ መዝሚዙ ቢዝነስ ከምዝሰርሐ ከሲሱ።

ብተወሳኺ እቲ ፕረዚደንት "ምስ መሻርክቲ ንግዲ ወዱ ተዘራሪቡ፣ ጉቦ በሊዑን ዝምድናታት ኣማዕቢሉን" ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ድሕሪ'ቲ ብረቡዕ ዝተዋህበ ድምጺ፡ ሚስተር ኮመር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሪፓብሊካን ነቲ መርመራ ብምሉእ ድምጺ ምድጋፎም ነቲ ምምሕዳር "ሓያል መልእኽቲ" ከም ዘመሓላለፈ ገሊጹ።

"መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ዝሓትዎ ቀሊል ሕቶ እዩ ዘለና፡ ‘ስድራቤት ባይደን ሚልዮናት ንምርካብ እንታይ ገይሮም?’ ዝብል እዩ" ኢሉ።

ሚስተር ባይደን፡ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑን፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንትነቱን፡ ምስ ሃንተር ባይደን ይዅን መሻርኽቱ ብዛዕባ ንግዲ ተዛሪቡ ከምዘይፈልጥን፡ ወዱ ብዘይኣግባብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ገንዘብ ከምዘይረኸበን ይምጕት።

ዋይት ሃውስ’ውን፡ ነቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ምድማጽ ‘መርመራ’፡ ብኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን፡ ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃም ክብል ነቒፍዎ።

ሃንተር ባይደን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ዓይኒ ሪፓብሊካን ኣትዩ እዩ ጽኒሑ፤ ንኣቡኡ ንምድኻም ዝጥቀምሉ ቀንዲ መሳርሒ ኰይኑ ከምዘሎ ይንገር።

ንግዳዊ ርክባትን ውልቃዊ ኣካይዳ ሃንተር፡ ምስ'ቲ ፕረዚደንት ከዛምድዎ እንተኽኢሎም፡ ነቲ ሽማግለ ሚስተር ባይደን ምስ ኣመሪካውያን መራጽቲ ከረሓሕቖ ተኽእሎ ኣሎ።

ወዲ 81 ዓመት ሚስተር ባይደን ዳግማይ ንመረጻ ኣብ ዝዳለወሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ ኣብ ሕዳር 2024 ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ምስቲ ንሪፐብሊካን ወኪሉ ኣብ ቅድመ-ግንባር ዘሎ፡ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ክገጥም እዩ።

ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተቓወምቱ ሕነ ክፈዲ ቃል ዝኣተወ ሚስተር ትራምፕ፡ ደገፍቱ ንመቐናቕንቱ - ባይደን - ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ብቕልጡፍ ንቕድሚት ክስጕሙ ኣተሓሳሲቡ።