ትራምፕ ዝኽሰሰሎም ዘለው ገበናት ዓበይቲ ድዮም?

ትራምፕ ዝቐርብሉ ዘለው ክስታት

ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ ሕጂ ኣርባዕተ ግዜ ብገበን ተኸሲሱ’ሎ።

ኣብ 2024 ዳግማይ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እንከሎ ማዕረ ማዕሪኡ ናብ ቤት ፍርዲ ክመላለስ’ዩ።

እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕጂ’ውን ሰልፊ ሪፓብሊክ ከም ሕጹይ ተነሓናሒ ፕሬዝደንት ገይሩ ኣቕሪቡዎ ይርከብ።

እስከ ነቶም ዝቐረበሉ ኣርባዕተ ክስታት ሓደ ብሓደ ንርኣዮም።

ስእላዊ መግለጺ መረጻ ጆርጅያ

ኣብ መርመራ መረጻ ጆርጅያ 2020 ዝቐረቡ ክስታት እንታይ እዮም?

ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምርመራ መረጻ ጆርጅያ 2020 ዝቐረበ ክሲ ሰኑይ ምሸት’ዩ ኣብ ኣትላንታ ወግዓዊ ኰይኑ።

ኣብዚ ክሲ’ዚ፡ ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት 18 ሰባትን፡ ትራምፕ፡ ኣብ 2020 ኣብታ ግዝኣት ኣብ ዘጋጠሞ ስዕረት ምርጫ ንምቕያር ፈቲኖም ብዝብል 41 ገበናት ክሲ ቀሪቡ ኣሎ።

እቲ ክሲ፡ ብሓደ ሊሒዅ ዝወጽአ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ዝተበገሰ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንላዕለዋይ በዓል ስልጣን መረጻ ጆርጅያ "11,780 ድምጺ ከምጽኣሉ" ሓቲቱ ይብል።

ዶናልድ ትራምፕ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ምትላል ሕግን ዝተጸልው ብልሹዋት ትካላትን ጆርጅያ (Rico) 13 ገበናዊ ክስታት ቐሪብሉ’ዩ።

ኣብ ካልኦት ክስታቱ ድማ፡ ውዲታት ምምሳል ናይ መንግስቲ ሓላፊ፣ ናይ ሓሶት መግለጺታት ንምሃብ፣ ናይ ሓሶት ሰነዳት ምጽሓፍን ምድላውን ዝብሉ ይርከብዎም።

በዚ ክቕጻዕ ይኽእል'ዶ?

እቲ ኣብ ዙርያ ሕጊ ብምትላል ገንዘብ ዝተጸልውን ብልሹዋት ትካላትን ጆርጅያ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ክሳብ 20 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ።

ዓቃቢት ሕጊ ጆርጅያ ፋኒ ዊሊስ ፍርዲ ንምምጻእ፡ ውጽኢት መረጻ ንምቕያር ዝዓለመ ካብ ትራምፕን መላፍንቱን ዝነቐለ ንድፊ ብልሽውና ምህላው ከተረጋግጽ ከድልያ እዩ።

እንተ ናይ ሓሶት መግለጺ ምሃብ ዝብላ ክስታት ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ወይ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ዝሓዛ እየን።

ከምኡ’ውን ምትላል መረጻ ንምፍጻም፡ ብቐዳማይ ደረጃ ገበናዊ ክሲ ዝተፈርደ ሰብ፡ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ እዩ።

ትራምፕ ዘቕርቦ መከላኸሊ

ትራምፕ ንዅሎም ዝቐርቡሉ ዘለው ክስታት ይነጽጎም እዩ።

እኳ ድኣ ዓቃቢት ሕጊ ዊሊስ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ መርመራ ጀሚራ ክብል ይኸስስ።

መረጻን ናዕብን

ኣብ መረጻ 2020ን ናዕቢ ካፒቶልን ዝቐርቡ ዘለው ክስታት’ከ?

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ካልእ መርመራ ፌደራል ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ መረጻ 2020 ንምቕያር ጻዕሪ ምግባር ዝብል ገበናዊ ክሲ ቐሪቡሉ ኣሎ።

እቲ 45 ገጻት ዝሓዘ ክሲ፡ ኣመሪካ ንምትላል ውዲት ምፍጻም፣ ወግዓዊ መስርሕ ንምዕንቃፍ ውዲት ምፍጻም፣ ወግዓዊ መስርሕ ምዕንቃፍን ንኽትዕንቅፍ ምፍታንን ከምኡ’ውን ኣንጻር መሰላት ውዲት ምግባር ዝብሉ ኣርባዕተ ክስታት ዝሓዘ እዩ።

እዚኦም ካብቲ ድሕሪ መረጻ 2020 ዝተወስደ ተግባራት ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ዝምንጩ ኰይኑ፡ እዚ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝርከቦ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኮንግረስ ኣሜሪካ፡ ዓወት ጆ ባይደን ንምርግጋጽ ኣብ ኣኼባ ነይሩ።

ክስዕቡ ዝኽእሉ ተኽእሎታት መቕጻዕቲ’ኸ እንታይ እዩ?

እዞም ክስታት፤

  • ንኣሜሪካ ንምትላል ዝግበር ውዲት መቕጻዕቲ ገንዘብ ወይ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ
  • ወግዓዊ መስርሕ ምዕንቃፍ መቕጻዕቲ ገንዘብ ወይ ክሳብ 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ
  • ኣንጻር መሰላት ዝፍጸም ውዲት መቕጻዕቲ ናይ ገንዘብ ወይ ካብ 10 ዓመት ዘይበዝሕ ማእሰርቲ፡ ወይ ክልቲኡ የቕጽዕ

ትራምፕ ብዝቐርብሉ ዘለው ክስታት እንተተፈሪዱ፡ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዘሕልፈሉ ግዜ ክህልው ዝግብኦም ሎጀስቲካዊ፣ ጸጥታውን ፖለቲካውን ሕቶታት ኣለው።

ትራምፕ’ከ እንታይ ክብል ይኸውን?

ትራምፕ ብ3 ነሓሰ 2023 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብወግዒ ተኸሲሱ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ 28 ነሓሰ ክጅመር ትጽቢት ዝግበር እኳ እንተዀነ፡ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ክጅመር ሓቲቱ ኣሎ።

እዞም ክስታት ኣብ 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኸይዕወት ዝግበሩ ዘለው ፈተነታት እዮም ኢሉ ይምጉት።

ትራምፕ ነቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተፈጸመ ናዕቢ ሓላፍነት ከም ዘይወስደሉ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ጠበቓታት ፕረዚደንት ትራምፐ ንደገፍቱ፡ ኣብ ካፒቶል "ብሰላም" ሰልፊ ክገብሩ ስለ ዝነገሮምን ብቀዳማይ መመሓየሺ መሰል ብናጽነት ምዝራብ ዝተሓለወ ስለ ዝዀነን ኣብቲ ዕለት ዝተፈጸመ ዓመጽ ንሱ ብቐጥታ ተሓታቲ ኣይኰነን ይብሉ።

ሚስጥራዊ ሰነዳት

ኣብ ጉዳይ ምስጢራዊ ሰነዳት ዝቐርቡ ዘለው ክስታት እንታይ’ዮም?

ትራምፕ ካብ ዋይት ሃውስ ምስ ወጽአ፡ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ሚስጢራዊ ሰነዳት 40 ገበናዊ ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ኣብ ዝተኻየደ ተፍትሽ ኣሽሓት ሰነዳት ተታሒዞም።

ካብዚኦም እቶም ኣስታት 100 ሰነዳት ሚስጢራዊ ሰነዳት ምዃኖም ዝገልጽ ምልክት ዘለዎም እዩ።

እቲ ክሲ ምስ ኣተሓሕዛ እቶም ሰነዳትን ኤፍ.ቢ.ኣይ ንምዕንቃፍ ዝገበሮ ጻዕሪን ዝተኣሳሰር እዩ።

ትራምፕ፡ ፍትሒ ንምትዕንቓፍ ውዲት ፈጺሙ፤ ሰነድ ወይ መዝገብ ምሕባእን ናይ ሓሶት መግለጺ ምሃብን ዝብሉ ክስታት’ውን ይቐርበሉ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ድዩ?

እዚ ክስታት - ብደረጃ ክልሰ-ሓሳብ - ትራምፕ እንተተፈሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ርኡይ ናይ ማእሰርቲ ግዜ ከስዕብ ዝኽእል'ዩ።

ሓደ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ምእሳር ዝለዓሉ ሎጀስቲካዊ፣ ጸጥታውን ፖለቲካውን ጉዳያት መሰረት ገይሮም ግን ብዙሓት ክኢላታት ትራምፕ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዘይክኣቱ ይኽእል’ዩ ይብሉ።

ሕጊ እታ ሃገር ንኣብነት ነፍሲ ወከፎም ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ከቕጽዑ ከም ዝኽእሉ የመልክት። ካልኦት ምስ ውዲትን ምኽልካል ወይ ምሕባእ ሰነዳትን ዝተኣሳሰሩ ክስታት ነፍሲ ወከፎም ክሳብ 20 ዓመት መቕጻዕቲ ዝሓዙ እዮም።

ምስ ናይ ሓሶት መግለጺታትን ውክልናታትን ዝቐርቡ ዘለው ክስታት ድማ ነፍሲ ወከፎም ማእሰርቲ ሓሙሽተ ዓመት ከፍርዱ ይኽእሉ።

እቶም ክስታት ኣዝዮም ከበድቲ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ብዛዕባ ቤት ፍርዲ ከሕልፎም ዝኽእሉ መቕጻዕታት ግን ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለው።

ትራምፕ ዝብሎ

ትራምፕ ብኹሎም ዝቐረበሉ ክስታት ገበነኛ ኣይኰንኩን እዩ ዝብል። መስርሕ ፍርዲ እዞም ክስታት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2024 እዩ ክጅምር።

ንሱ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተረኽበ ሚስጢራዊ ሰነዳት ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ናይ መከላኸሊ ሓሳብ ባዕሉ ብምስጢር ካብ ምሓዝ ከም ዘውጽኦም ይምጉት።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ከምኡ ምግባር ከም ዝክኣል ኰነ ሓቂ ምዃኑ ዝሕብር መርትዖ ኣይቀረበን።

ጠበቓታቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ትራምፕ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዒላማ ከም ዝተገብረን ካልኦት ፖለቲከኛታት ማለት ሂላሪ ክሊንተን፣ ማይክ ፔንስን ናይ ሕጂ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ምስጢራዊ ሰነዳት ብምሓዝ ተኸሲሶም ከም ዘይፈልጡን ክምጉቱ ይኽእሉ’ዮም።

ጉዳይ እቲ ፕረዚደንት ነበር ግን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝተፈለየ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ካልኦት ፖለቲከኛታት ዝነበሮም ሰነዳት ክመልሱ ፍቓደኛታት ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ድማ ትራምፕ እቶም ሰነዳት ኣብ ምምላስ ከም ዝተቓወመ ይኸሱ።

ኒውዮርክ

ኣብ ጉዳይ ኣፍ መዕበሲ ገንዘብ ኒውዮርክ ዝቐርቡ ክስታት

ትራምፕ ብቐዳማይ ደረጃ ገበን፡ መዛግብቲ ንግዲ ብምሕሳው 34 ገበናት ይቕረበሉ ኣሎ።

እዚ ክሲ፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ምስ ትራምፕ ርክብ ከም ዝነበራ እትዛረብ ኰኾብ ፊልም ‘ፖርኖግራፊ’ ነበር ስቶርሚ ዳኒኤልስ ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ ገንዘብ ከም ዝኸፈላ ዝምልከት ክሲ እውን ዝሓዘ እዩ።

ከምዚ ዓይነት ክፍሊት ዘይሕጋዊ እኳ እንተዘይኰነ፡ ንፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ንምሕጋዝ ገንዘብ ምውጻእ፤ ብዛዕብኡ’ውን ወግዓዊ ዘይምግባር ግን ሕጊ ፋይናንስ ጎስጓስ ፌደራል ዝጥሕስ እዩ።

ነፍሲ ወከፍ ክስታት እንተበዝሐ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርዱ ኰይኖም፡ ሓደ ዳኛ ንትራምፕ ናይ ፈተነ ግዜ ክፈርዶ ይኽእል እዩ።

ክኢላታት ሕጊ ንቢቢሲ ዝሃብዎ ቃል፡ ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ እንተተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክእሰር እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብሎም ሓቢሮም።

እቲ መቕጻዕቲ ብገንዘብ ክኸውን ድማ ዝያዳ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

ትራምፕ ዝብሎ

ትራምፕ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝመጽእ ዓመት በዚ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ምስ ዳኒኤልስ ነይሩዎ ብዛዕባ ዝብሃል ጾታዊ ርክብ ዝቐርብ ክሲ ሓቂ ከም ዘይኰነን፤ እቲ ዝተፈጸመ ክፍሊት ስድርኡ ካብ ናይ ሓሶት ክስታት ንምክልኻል እምበር ምስቲ መረጻ ዝተሓሓዝ ኣይኰነን ይብል።

ዳኒኤልስ፡ ቅድሚ መረጻ 2016 ብዛዕባ ርክቦም ንኸይትዛረብ 130 ሽሕ ዶላር ከም ዝተኸፈላ ትዛረብ።