ጆ ባይደን ንፕረዚደንታዊ መረጻ 2024 ከምዝወዳደር ኣረጋጊጹ

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ 2024 ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ክወዳደር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እዚ ሓበሬታ ኣብ ናይ ምልላይ ቪድዮ እዩ ተገሊጹ።

ጆ ባይደን ዳግማይ ንመረጻ ዝገብሮ ጐስጓስ ብወግዒ ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ጐስጓስ፡ ብመልክዕ ናይ ሰለስተ ደቓይቕ ቪድዮ ዝተፈነወ ዀይኑ፡ ብሓደ ቃል እዩ ዝጅምር፡ ‘ናጽነት’።

ባዕሉ እቲ መበል 46 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀነ ባይደን ዝዝንትዎ ዀይኑ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ፡ ምክልኻል ዲሞክራሲ፡ መሰል ድምጽን መርበብ ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ መረጻ 2024 ካብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ክዀኑ ምዃኖም ይምጕት።

ንሱ፡ መረጽቲ ንቐጻሊ ወለዶ ዝያዳ ናጽነት ወይ ድማ ትሑት ናጽነት ናይ ምስግጋር ሓላፍነት ከምዘለዎም ይዛረብ።

"ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኣመሪካ ንዲሞክራሲ ክጣበቕ፡ ንውልቃዊ ናጽነትና ደው ክብል፡ ንመሰል መረጻን ሲቪላዊ መሰላትናን ደው ክንብል ዝግደደሉ ህሞት ኣጋጢምዎ ኣሎ፤ እዚ ናትና ’ዩ" ኢሉ።

ነቲ ኣብ 2020 ዘቕረቦ ናይ ጐስጓስ መልእኽቱ፡ "እቲ ዝጀመርናዮ ስራሕ ንወድእ" ዝብል ናይ 2024 መረጻ ጭርሖኡ ኣቕሪቡ።