‘ፕራውድ ቦይስ’፡ ናዕቢ ካፒቶል ዝመርሑ ውልቀሰባት ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, US DEPARTMENT OF JUSTICE
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ካፒቶል ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝመርሑ ክልተ ኣባላት ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ‘ፕራውድ ቦይስ’ ንማእሰርቲ ተፈሪዶም።
ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ብምትዕንቃፍን ዝኸሰሰ ወዲ 46 ዓመት ዶሚኒክ ፔዞላ ማእሰርቲ ዓሰርተ ዓመት ተፈሪዱ።
ብ6 ጥሪ 2021 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ነቲ ጉጅለ ብምምራሕ ኣብ ልዕሊ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝመርሐ ወዲ 32 ዓመት ኢታን ኖርዲያን ድማ፡ ኸቢድ ውዲት ዓመጽ ተኸሲሱ ን18 ዓመታት ተፈሪዱ ኣሎ።
ሓላፊ እታ ጉጅለ ነበር ኤንሪከ ታሪዮ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክፍረድ እዩ።
ኖርዲያን፡ "ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብዝነበረኒ ምውሓድ መሪሕነት ይቕሬታ ክሓትት እደሊ" ብምባል፡ ነቲ ናዕቢ "ምሉእን ፍጹምን ትራጀዲ" እዩ ክብል ኣብ ቤት ፍርዲ ቃሉ ሂቡ።
"ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ንዝበደልክዎ ሰብ ይቕሬታ ይሓትት"።
ዳኛ ቲሞቲ ኬሊ ግን፡ እቲ ኣብቲ መዓልቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘሕደረ ሓቢሩ።
ዳኛ ኬሊ፡ "ኣብዛ ሃገር ሰላማዊ ስግግር ስልጣን እንተዘይብልና፡ ካልእ ነገር የብልናን" ኢሉ።
"ሩፊዮ ፓንማን" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣብ ውሽጢ ‘ፕራውድ ቦይስ’ ኖርዲያን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓስፊክ ምስ ዝንቀሳቐሱ ደለይቲ ፍትሒ ብተደጋጋሚ ብዝነበሮ ምልታማት ፍሉጥ'ዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዋህበ ፍርዲ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ንተኸሰስቲ ናዕቢ ካፒቶል ዝተዋህበ ዝነውሐ ፍርዲ እዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ መራሒ ምልሻ ማሕላ ሓለውቲ ሚሊሻ (Oath Keepers militia) - ኣንጻር መንግስቲ ዝዀነ ሚሊሻ - ስቲዋርት ሮድስ ማእሰርቲ 18 ዓመታት ተፈሪዱ ነይሩ።
እቲ ካልእ ትማሊ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ተኸሳሲ፡ ወዲ 46 ዓመት ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ነበር ፔዞላ፡ ኣብ እዋን ናዕቢ ምስ ፖሊስ ብምጕናጽ ብናይ ፖሊስ ዋልታ ናዕቢ መስኰት ካፒቶል ሰይሩ።
ኣብቲ ዕለት ዝተቐድሐ ቪድዮ፡ ፔዞላ ኣብ ህንጻ ካፒቶል "ሲጋር ዓወት" ኢሉ ዝገለጾ ሲጋር ከትክኽ ይርኣይ።
ነዚ ስዒቡ ክሲ መጥቃዕትን ምትዕንቃፍን ቐሪብሉ፡ ካብ ክሲ ውዲት ዓመት ናጻ ኰይኑ (እዚ ክሲ መንግስቲ ንምዕላው "ንዝዀነ ሕጊ ኣሜሪካ ንኸይፍጸም ብምክልኻል፡ ብምትዕንቃፍ ወይ ንኸይፍጸም ምድንጓይ" ሓይሊ ብምጥቃም ንዝኽሰሱ ዝምልከት እዩ)።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ መጋብኣያ ስምዒታዊ ኰይኑ ብተግባራቱ ገለ ጣዕሳ ዘርኣየ ፔዞላ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, US DEPARTMENT OF JUSTICE
በዓልቲ ቤቱ፡ ጓሉን ኣዲኡን ኩሎም ነቲ ዳኛ ቃሎም ሂቦም፤ ኣዲኡ ድማ "ዝዀነ ጸገም ፈጢሩለይ ኣይፈልጥን፤ ጽቡቕ ቈልዓ እዩ ነይሩ” ኢላ።
በዓልቲ ቤት ፔዞላ፡ ደቃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ግዳያት ምግፋዕን ጸርፍን ከም ዝዀና ተዛሪባ።
እቲ መስርሕ ፍርዲ ምስ ተወድአ ግን፡ ፔዞላ "ትራምፕ ተዓዊቱ!" ኢሉ።
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣዝዩ ሰተይቲ፣ ንነብሶም "ምዕራባዊ ትምክሕተኛ" ኢሎም ዝገልጹ ደቂ ተባዕትዮ ሓቚፉ ዝተመስረተ ‘ፕራውድ ቦይስ’- ንነብሶም ከም እግረኛ ወተሃደራት ዶናልድ ትራምፕ ዝርእዩ ኣባላት ዘለውዎ ኰይኑ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ናዕቢ ካፒቶል ዝተሰለፉ እዮም።
ደገፍቲ ትራምፕ ሓዊሱ ኣስታት 200 ዝዀኑ ኣባላት እዚ ጉጅለ ዝርከብዎም ተቓወምቲ፡ ኮንግረስ ኣሜሪካ ንዓወት መረጻ ጆ ባይደን ከየጽድቕ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ንፖሊስ ፈንጺሖም ነቲ ህንጻ ምውራሮም ይዝከር።
ካልኦት ኣባላት ሰራዊት ኣሜሪካ ነበር ጆ ቢግስን ዛካሪ ረልን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።
ብሓሙስ ቢግስን ረልን ነፍሲ ወከፎም ማእሰርቲ 17ን 15ን ዓመት ተፈሪድዎም።
ኣኽበርቲ ሕጊ ሓላፊ እቲ ጉጅለ ዝነበረ ታሪዮ 33 ዓመት ክፍረድ ሓቲቶም። ፔዞላ ን20 ዓመት ኖርዲያን ድማ ን27 ዓመት ክእሰር ሓቲቶም ነይሮም።
ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ልዕሊ 1100 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







