ሓደጋ ጃልባ፡ 'ሓወይ ነቲ ኩልና ንሓልሞ ክገብር’ዩ ሞይቱ'

ብሓደጋ ጃልባ ዝሞተ ቸኩሃና

ምንጪ ስእሊ, MAMOUR BA

ሓዉ ንሓደ ካብቶም ኣብ ከባቢ ኬፕ ቬርደ ጥሒሎም ካብ ዝሞቱ ዓሰርተታት ስደተኛታት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ዕላምኦም ናብ ስጳኛ ንምእታው ከምዝነበረ ሓቢሩ።

ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ መብዛሕትኦም ካብ ሃገረ ሰኔጋል ዝኾኑ ብውሕዱ 60 ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ተሰጊኡ ዘሎ።

ሞማር ባ፡ እቲ ኣብታ ዝጠሓለት ጃልባ ዝነበረ ቸኩሃና ዝተብሃለ ሓዉ ሞቱ ምስ ሰምዐ “ኩሉ’ዩ ሰንቢዱ፡ ሓወይ ዓንዲ ስድራና’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

ወዲ 27 ዓመት ሞማር ባ፡ ኣብ ሰኔጋል ህይወት ከቢድ ስለዝኾነ ንሱ’ውን ገና ብሕጂ ናብ ኣውሮጳ ንምኻድ ክፍትን ምዃኑ’ዩ ዝሕብር።

ሞማር ባ ኣብ ሓንቲ ንእሽተይ፤ ነበረታ ብምግፋፍ ዓሳ ዝናበሩላ ከተማ ፋስ ቦየ’ዩ ዝነብር።

ንሞማር ባ፡ ሰለስተ ኣሕዋቱን ወዲ ኣኩኡን ምስ ካልኦት 101 ሰባት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው’ዮም ካብ ገማግም ፋስ ቦየ 10 ሓምለ ተበጊሶም።

“ናብ ስጳኛ ንምኻድ’ዮም ተበጊሶም፡ ክንብሰገስ ኢና ምስ በሉኒ ሓንሳብ ስለዘንቐዱ ከታርፎም ኣይደለኹን”

እታ ጃልባ ምስ ጠሓለት ኩሎም የሕዋቱን ወዲ ኣኩኡን ዝሞቱ’ዩ መሲልዎ ነይሩ፡ ብረቡዕ ካብ ኬፕ ቨርደ ምስ ተደወሎ ግን ምቕሊ ከምዝረኸበ ክፍልጥ ክኢሉ።

ቆልዑ ዝርከብዎም 38 ሰባት ከምዝደሓኑን ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝሞቱን ክፈልጥ ክኢሉ። ሞማር’ውን ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ዝነበረ ስእልታት እንተኣላለዮም ብምባል ሃስስ ይብል ነይሩ።

ኬፕ ቨርደ ካብ ገማግም ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣስታት 600 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ደሴት ኮይና ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ደሴታት ካናሪን ናብ ስጳኛን ንምእታው ዝጥቀሙላ መስመር’ያ።

ሞማር ባብ ብዛዕባ የሕዋቱን ብዛዕባ ወዲ ኣኩኡን ንሓሙሽተ ሰሙን ዝኾነ ድሃይ ኣይነበሮን።

ካብ ኬፕ ቨርደ ምስ ተደወሎ ግን “እንታይ ከምዘጋጠመ ክነግረኒ ሓይሊ ኣይነበሮን፡ ብህይወት ድሒንና ኣለና ጥራይ’ዩ ኢሉኒ”።

እቶም ካብ ሓደጋ ጃላባ ዝደሓኑ ሰኔጋላውያን ኣብ ሓደ ቴንዳ ምስ ኣዕረፉ

ምንጪ ስእሊ, LUÍS COSTA

እንተኾነ እቲ ምልውዋጥ ዘረባ እናነወሐ ምስ ከደ፡ ሞማር ብጀካ ኢብራሂም ኩሎም ከምዘይድሓኑ ክርዳእ ክኢሉ።

“ሓደ ካብ የሕዋተይ ዝኾነ ኢብራሂም ናይቲ ዝሕክሞ ዝነበረ ዶክተር ቴሌፎን ተጠቒሙ’ዩ ካብ ኬፕ ቨርደ ደዊልልይ. . . “

“. . . ቸኩሃና ሓወይ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ከምዝሞተ ነጊሩኒ፡ ኣዝየ ሰንቢደ፡ ምስ ቸኩሃና ኣዚና ኢና ንቐራረብ ነይርና፡ ብርቱዕ ፍቕሪ ናይ ኣሕዋት ዝነበሮ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ውሉዳትን’ዩ ነይሩ” ይብል ሞማር።

ሞማር ብምስዓብ “እታ ዝተበገሰላ መዓልቲ ብኢደይ ሒዙ ሞማር ሓወይ ግድን ክኸይድ ኣለኒ ኢሉኒ፡ ሓወይን ዓርከይን’ዩ ነይሩ” ይብል።

ካብቶም ብሓር ዝተበገሱ እቶም 38 ክድሕኑ ክኢሎም

ምንጪ ስእሊ, LUÍS COSTA

ብዛዕባ እታ ዘጠሓለት ዝሕብር ዜና ኣብ ከተማ ፋስ ቦየ ምስ ተሰመዐ፡ መብዛሕትኦም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ከተማ ስለዝኾነ፡ ኣብታ ከተማ ብረቡዕ ዕግርግር ተላዒሉ።

ገለ ሰባት ናብ ከንቲባ እታ ከተማ ብምኻድ ንገዝኡ ብሓዊ ኣንዲዶሞ።

እቶም ነበርቲ፡ ኣመሓደርቲ ንመንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ይፈጥሩ ስለዘየለዉ’ዮም ደቅና፡ የሕዋትናን ወለድናን ዝጠፍኡ ዘለዉ ዝብል ቑጠዐ’ዩ ዘለዎም።

ኣብታ ከተማ ብዙሓት መንእሰያት’ዮም ናብ ኣውሮጳ ንምኻድ ፈተነታት ዘካይዱ፡ ሞማር’ውን ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ፈቲኑ’ዩ ክሰልጦ ግን ኣይክኣለን።

“ኣብዚ ዋላ ሓንቲ ዘጥረኽዎ ንብረት የብለይን ምኽንያቱ ኣብዚ ስራሕ የለን፡ ካብዚ ብምባጋስ ብሞሮኮ ገይረ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ፈተነ” ይብለ።

ቀዳማይ ፈተንኡ ሳልሳይ ዓመት ተማሃራይ ዩኒቭረስቲ እንከሎ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ሞሮኮ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ነገራት ከምቲ ዝሓሰበሉ ስለዘይኮነሉ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰነ ከኣ ምስቲ ኣብ ባሕሪ ዝጥሓለ ሓዉ [ቸኩሃና] ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ፈቲኖም እዚ’ውን ኣይሰለጦምን።

ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቓ ዘርኢ ካርታ

“እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ቸኩሃና ሓወይ ዝገበርናዮ ፈተነ ብጃልባ ናብ ኣውሮጳ ምእታው’ዩ ነይሩ፡ ምስላጥ ኣብይና ምስ ተመለስና ቸኩሃና ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋተይ ተበጊሶም” ይብል ሞማር።

ሞማር ብምስዓብ “ቸኩሃና ሓዳርን ቆልዑን ኣለዎ፡ ኣብዚ ዋላ ሓንቲ ስራሕ ስለዘይብልና’ዩ ንኽከይድ ወሲኑ፡ ገፍፍቲ ዓሳ ኢና ቀትርን ለይትን ሰሪሕና’ውን ሰልዲ ከነዋህልል ኣይክኣልናን፡ ቸኩሃና ከኣ ናብ ኣውሮጳ ከይዱ ደቁ ከዕንግልን ናብርኡ ከማሓይሽን’ዩ ነይሩ ትልሙ”።

ሞማር ናብ ኣውሮጳ ብጃልባ ንምኻድ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ ብዓቢኡ ጉዳይ ሰልዲ’ውን እቲ ካልእ ማሕለኻ’ዩ።

ሞማር “ሰልዲ ስለዘይብለይ ብቪዛን ብኣየርን ናብ ኣውሮጳ ክኣቱ ኣይክእልን’የ፡ ካብ ሚልዮናት ከፊልካ ብኣየር ናብ ኣውሮጳ ምእታው፡ ኣስታት 480 ዶላር ከፊልካ ብጃልባ ምፍታን ይሓይሽ” ይብል።

ምስዚ ዘለዎ ትሑት ናብራ፡ ኣብ መንገዲ ከይጥሕል ዝብል ፍርሒ የብሉን።

“ገለ በዚ መንገዲ ናብ ኣውሮጳ ዝኣተዉ ኣለዉ፡ ገለ’ውን ዝጠሓሉ ኣለዉ እዚ ግን ንዓይ ካብ ሓሳበይ ኣየትርፈንን’ዩ፡ ብወለንታይ ዝኸዶ ብድሆ’ዩ፡ ሕጂ ዝተዳለወት ጃልባ እንተዝርከብ’ውን ምተበገስኩ”።