ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ኣብ ታሪኽ ኬንያ እቲ ኣዝዩ ዝተጸልአ መራሒ ድዩ?

ዊልያም ሩቶ ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኣጋጢምዎ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊልያም ሩቶ ፕረዚደንት ካብ ዝኸውን ንደሓር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተቓውሞ ህዝቢ ኣጋጢሙዎ ኣሎ

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ናብራ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘተግብር ተስፋ ብዝገበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ተዓጂቡ'ዩ ናብ ስልጣን መጺኡ። ሕጂ ግን፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ሓያልን ተኸታታልን ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

በዚ ኵነታት ዝሓረቐ ዝመስል ሩቶ፡ ከምዚ ዓይነት ቍጥዐ ህዝቢ ስለ ምንታይ ኣብ ልዕሊ ከም ዳኒኤል ኣራፕ ሞይን ካልኦት ኣካታዕቲ ፕረዚደንታት ነበርን ከም ዘይቀረበ ሓቲቱ።

ሩቶ ዘልዓሎ ኣራፕ ሞይ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብፖለቲካዊ ጭቈናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ነታ ሃገር ብምልኪ ዝመርሐ ፕረዚደንት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሩቶ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እዚ ኵሉ ዕግርግር ስለ ምንታይ [ኣብ ልዕሊ ዝቐደሙ ፕረዚደንታት] ሞይ፡ ሙዋይ ኪባኒ፡ ኡህሩ ኬንያታ ዘይቀረበ? ናይ ምንታይ ንዕቀትን ትዕቢትን'ዩ?" ክብል ሓቲቱ።

ተንተንቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 100 ሰባት ዝተቐትልሉ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩቶ ዝተላዕለ ቍጥዐ ህዝቢ፡ "ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ንኬንያውያን ልዕሊ ካብ ቀቢላዊ፡ ሃይማኖታውን ደርባውን ሓደ ክዀኑ ዝገበረ ክብሉ ይገልጽዎ።

ሩቶ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድሕሪ ሓደ ዓመት ጥራይ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳሩ ተቓውሞታት ክርአ ጀመረ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ ብዙሓት ዝተቈጥዑ ኬንያውያን ካብ ስልጣን ንኽወርድ እዮም ዝደልዩ።

ነዚ ድማ፡ "ሩቶ ክኸይድ ኣለዎ"ን "ሩቶ ንሓደ እብረ ስልጣን" ዝብሉ ጭርሖታትትን ብቐጻሊ ኣብ ዘካይድዎም ዘለው ሰልፊታት ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ሩቶ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ከሎ፡ ንነብሱ ከም ሓደ ተራ፡ ድኽነትን ብድሆን ዘይተፈለዮ ንእስነት ዘሕለፈ ገይሩ'ዩ ኣቕሪቡዋ። ነዚ ህዝቢ፡ ካብ ሸያጢ ደርሆ ተበጊሱ ፕረዚደንት ምዃን ከም ዝከኣል ብምግላጽ ልቢ ተራ ዜጋታት ክረክብ ጻዕሪ ገይሩ።

ነዚ ምስቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ሓንቲ ጋዜጣ፡ "ሩቶ ኣዝዩ ዝጽላእ ፕረዚደንት ኬንያ ድዩ?" ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ጽሑፍ ሒዛ ኣብ ዝወጽኣትሉ እዋን፡ እዚ ስምዒት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን መድረኻት ህዝባዊ ዋዕላታትን'ውን ተንጸባሪቑ።

ከምዚ ዓይነት ክስተት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓሌታዊ ተኣማንነትን ደርባዊ ፍልልይ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ፖለቲካ ኬንያ ዘይተለምደ ለውጢ ዘመልክት እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ልክዕ ከምቲ ሩቶ ነቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንኽዕወት ዝነበሩ መሰናኽላት ክሳገር ከሎ ዝተራእየ፡ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ መስርሕ ኣብ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ እቲ ፕረዚደንት ግብራዊ ዝዀኑ ዘለዉ ይመስሉ።

ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ መንእሰያት ነቲ ንነዊሕ እዋን ንፖለቲካ ኬንያ ሓኒቑ ሒዙዎ ዝነበረ ብሄራዊ ምፍልላይ ዳግማይ ንምትእትታው ዝተገብሩ ፈተነታት ኣብ ዝነጸገሉ እዋን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ኵላትና ኪኩዩ ኢና፡" ዝብል ሓረግ ብሰፊሑ ክዝርጋሕ ቀንዩ ኣሎ።

"ኵላትና ኬንያውያን ኢና፡" ንዝብል መልሲ ዝቃረን ትረኻ እኳ እንተ ተቐልቀለ፡ ተመሳሳሊ ቅቡልነት ግን ኣይረኸበን።

ገሊኦም ድማ ነቲ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ ዘሎ ስምዒት ሓድነት ንምክፍፋል ዝተገብረ ፈተነ ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ።

ኣብ ከባቢ ማውንት ኬንያ ዝርከቡን ኣብዛ ሃገር ዝለዓለ ብዝሒ ዘለዎምን ኪኵዩ፡ ኣብ መረጻ 2022 ንተወላዲ እቲ ከባቢ ዝዀነ ምኽትሉ ገይሩ ዝወዳደር ሪጋቲ ጋቻጕዋ ንዝተወዳደረ ሩቶ ብብዝሒ ደጊፎምዎ እዮም።

እንተዀነ፡ ጋቻጕዋ ዝሓለፈ ዓመት ክሕደት ክብል ብዝገለጾ ክትዓት ዝበዝሖ ክሲ (ኢምፒችመንት) ካብ ስልጣኑ ምስ ተባረረ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘይምርድዳእ ንኽፍጠር ምኽንያት ኰይኑ።

ነዚ ስዒቡ ደገፍቲ ሩቶ ዝዀኑ ገለ ፖለቲከኛታት፡ ንኣርካናት ኪኩዩ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞ ክለዓል ይገብሩ ኣለዉ ክብሉ ከሲሶም።

ተንታኒ ፖለቲካ ማርክ ቢቻቺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝተላዕለ ተቓውሞ ብብሄር ዝድረኽ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዝተፈጥረ ስምዒት ዘንቀሎ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ንሱ፡ ነቲ "ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንትን ስርዓቱን ዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ ኬንያ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥን ታሪኻውን፡" ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ እዚ ናይ ሕጂ ኵነታት፡ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ሞይ ነታ ሃገር ብሓደ ሰልፊ ይመርሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ዝነበረ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት እዩ ይብል።

እቲ እዋን ጭካነ ዝመልኦ ስጕምቲታት ዝተወስደሉን ብዙሓት ሰልፊታት ዘሳትፍ ደሞክራሲ ንኽመጽእ ዝግበር ደማዊ ቃልሲ ዝተራእየሉን እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቢቻቺ ግን፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ኣሰካፊ እንተነበረ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሩቶ ዝወርድ ዘሎ ዓይነት ጸቕጢ ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ከም ዘይተራእየ ይገልጽ።

እቲ ሽዑ ዝነበረ ወጥሪ ምስ ዝሑል ኲናት ዝተኣሳሰር ከም ዝነበረን ኣብ መላእ ኣህጉር ዝተራእየን ምንባሩን'ውን የረድእ።

ዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኬንያ ከም በዓል ዳንኤል ኣራፕ ሞይ እውን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Gamma-Rapho via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፉ ፕረዚደንታት ኬንያ ከም ብዓል ዳንኤል ኣራፕ ሞይ እውን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎም እዩ

ዶክተር ንጆኪ ዋማይ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩቶ ዝቐርብ ነቐፌታ ዘይተለምደ ነገር ዘይኰነስ ኣብ እዋን ቅልውላው ዝፍጠር ኣካል ፖለቲካዊ ልምዲ ምዃኑ ትዛረብ።

"ኵሎም ፕረዚደንታት፡ ኣንጻር ቅዋም፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኬንያ ክኸዱ ከለዉ፡ ብዙሕ ነቐፌታታት የጋጥሞም'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ከም ፈላማይ ፕረዚደንት ጀሞ ኬንያታን ንዕኡ ዝተክኦ ኣራፕ ሞይን ዝበሉ፡ ኣብ ወሳኒ ግዜታት ልዑል ተቓውሞን ኣብ ህዝቢ ምጕዳል እምነትን ዘጋጠሞም መራሕቲ ድማ ብኣብነት ተልዕል።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ኬንያታ፡ ቅትለት ወሰንቲ መራሕቲ ፖለቲካ ክፍጸም እንከሎ፡ ኣብ 1982 ድማ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ።

"[ኣብዚ ግዜ'ዚ]፡ ደረጃ ዝርግሐ ሓበሬታ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ'ዩ፡" ዝተፈለየ ዝገብሮ ትብል።

ጽልዋ ናይቶም ድጂታላዊ ፍልጠት ዘለዎም መንእሰያት ኬንያ ብምጥቃስ፡ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ድጂታላዊ መሳርሕታትን ምህላዎም እቲ ህዝባዊ ክትዓት ክጐልሕ ከም ዝገበሮ ተረድእ።

ብተወሳኺ ሩቶ ወትሩ "ዓቃባዊ" ከም ዝዀነ እትገልጽ ዶ/ር ንጆኪ፡ እዚ ፖለቲካዊ ኣራእያ ኣብ ብዙሓት መንእሰያት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ተቐባልነት ምስ ዘለዎም ሊበራላዊ ክብሪታት ዝጋጮ ምዃኑ ተልዕል።

እዚ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝዓቢ ዘሎ ወጥሪ ንኽብእስ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ትምጕት።

እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ መብዛሕትኡ ብመንእሰያት ዝምራሕ፡ ኣብ ኢንተርነት ዝተመርኰሰ፡ ዘይተማእከለን ከም መራሒ ዘይብሉን ዝረአ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ካብቲ መሰረት ዝሓዘ ፖለቲካዊ ደርቢ ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ብሰንኪ ልዑል ዋጋ መነባብሮ፡ ልዑል ግብሪ፡ ብልሽውናን ጭካነ ፖሊስን እዮም ተቓውሞታት ዝስምዑ ዘለዉ።

እቲ ፕረዚደንት ግን፡ እቲ ዘይምርጋእ ዘለዓዕሉዎ ዘለዉ ናይ ብሄር ፖለቲካን ጐስጓሳትን ከም ዝዀኑ ብምምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ "ናይ ብሄር ምክፍፋል፡ ጽልኢ፡ ትምክሕትን ንዕቀትን ደው ነብሎ፣ ኵላትና ኬንያውያን ኢና፡" ኢሉ።

ንሱ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕቃብ "ኣድላዪ ዝዀነ መንገዲ፡" ክጥቀም ምዃኑ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ነቶም ንንግዳዊ ትካላት ዒላማ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ኣብ ክንዲ ዝቐትሉዎም፡ ኣብ እግሮም ብጥይት ክወቕዑዎም ኣዚዙ ኣሎ።

እዞም ርእይቶታት እቲ ፕረዚደንት ግን ነቲ ቍጥዐን ቅየዐን ኣጋዲዶምዎም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ መንግስቲ ኬንያ ንዝቐርቡዎ ተቓውሞታትን ናይ ሓሳብ ፍልልያትን ዝሃቦ ምላሽ፡ ጃምላዊ ስጕምቲታት ምውሳድ'ዩ።

ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምዕጋት ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምዕጋት ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ጸኒሑ

በዚ ምኽንያት፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ጭውያታትን ሓዊሱ ኣረሜናዊ ግፍዒታት ከም ዝተፈጸሙ ይግለጽ።

ጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ እዚ ስጓምቲታት ቍጥዐ ህዝቢ ካብ ምግዳድ ብዝሰገረ፡ ዜጋታት ካብ መንግስቲ ንኽርሕቁ ከም ዝገበሮም ይዛረቡ።

ፖሊስ ነቲ ተቓውሞ ንምዕፋን ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ እዩ ብምባል'ውን ይኸሱ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ጀሚሩ ብተኸታታሊ ኣብ ዝተገብሩ ጸረ መንግስቲ ተቓውሞታት ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ 38 ሰባት ሞይቶም።

እዚ፡ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተኻየዱ ተቓውሞት እቲ ዝበዝሐ ሰባት ዝተቐትልሉ መዓልቲ እዩ።

እቶም ዝተፈጸሙ ቅትለታት፡ ኣብ ፖሊስ ጽገና ንኽግበር ወይ ሰልፈኛታት ንምርግጋእ ጻዕሪ ክካየድ ምኽንያት ካብ ምዃን ብዝሰገረ፡ ሓዘን ናብ ቍጥዐ ብምልዋጥ ቀጻሊ ተቓውሞታት ንምልዕዓል'ዮም ዘገልግሉ ዘለዉ።

መንግስቲ ነቲ ተቓውሞታት፡ ንተቓወምቲ ተሓተትቲ ክገብር እንከሎ፡ ሰልፈኛታት ኣብ መደበራት ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሞምን ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ፈቲኖምን ክብል ይኸስስ ኣሎ።

ክኢላ ፖለቲካዊ ኮምዩኒኬሽን ዶክተር ሄስቦን ኦዊላ፡ እቲ ናዕቢ "ምናልባት ኣብ ታሪኽ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ስርዓት ዝኸበደ ቍጥዐ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ካብ ኵሉ ቀጸላታት ህይወት ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ተቓውሞ ብምጥርናፍ ናብ ሓድነት ክመጽኡ ከም ዝገበረ'ውን ይዛረብ።

ናይዚ ቍጥዐ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ህዝቢ ዝዘራረበሉ መንገዲ ምዃኑ ይገልጽ።

ሩቶ፡ እቶት ተራ ዜጋታት ሓፍ ከብሎ ዝኣተዎ መብጽዓ፡ "ሓቀኛ፡ ኣዝዩ ሓቀኛ፡" ከም ዝነበረን እቲ ጐስጓስ መረጻ ካብ ብሄር ናብ መሰረታዊ ጸገማት ሓፍ ኣቢሉዎ ከም ዝነበረን ይዛረብ።

"ድሕሪኡ ፕረዚደንት ኰይኑ። ክሳብ ሕጂ ግን ንጽበ ኣለና። ኬንያውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ዝኸፍአ'ዩ፡" ብምባል ነቲ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ኬንያውያን ዘሎ ዓሚቝ ስምዒት ተስፋ ምቝራጽ ይጠቅስ።

ሩቶ ዘይከምቶም ዝሓለፉ መንግስታት ጥንቃቐ ብዝተመልኦ መንገዲ መብጽዓታት ካብ ምእታው ብዝሓለፈ፡ ዛጊት'ውን ዓበይቲ መብጽዓታት ምእታው ይቕጽል ምህላዉ፡ እቲ ዝነበረ ተስፋ ክብሕጐግ ከም ዝገብሮ ገሊጹ።

"እቲ ተስፋ ምቝራጽ እዩ ነቲ ቍጥዐ ዝፈጥሮ ዘሎ።"

ዕዳጋታት ኬንያ ኣዝዩ ኸቢሩ ምህላው ነበርቲ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩቶ ንረብሓ ተራ ሰባት ክቃለስ ቃል ኣትዩ ነይሩ

ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ክትኰስ ዝተዋህበ ትእዛዝ ብኣብነት ዝጠቅስ ዶ/ር ሄዝቦን፡ እቲ ፕረዚደንት መብዛሕትኡ ግዜ ስቕታ ዝሓሸ ዕድል ኣብ ዝህበሉ ከይተረፈ ከም ዝዛረብ'ውን ገሊጹ።

እዚ ድማ ንነብሱ ካብ መጠን ንላዕሊ ከቃልዕን ከይገመቶ ከበድቲ ሃገራዊ ጉዳያት ከም ውልቃዊ ጉዳይ ከም ዝወስዶም ክስምዓካ ከም ዝገብር የረድእ።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ዝለዓሉ ነቐፌታታት ኣብ ውድቀት ስርዓት ምሕደራ ኣብ ክንዲ ዘተኵሩ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዘነጻጸሩ ክዀኑ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።

ሩቶ፡ ገዚፍ ፕሮጀክት ኣባይቲ፡ ኵለመዳያዊ ስርዓት ጥዕና፡ ምህዞ ስራሕ ድጂታልን ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ዕድላት ስራሕን ከም ዓብዪ ዓወት ብምጥቃስ፡ ምምሕዳሩ ናብራ ኬንያውያን ንምምሕያሽ ዝገበሮ ጻዕረ ብተደጋጋሚ'ዩ ዘልዕል።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሓደ ካብቶም ህንጸት ኣባይቲ ዝካየደሉ ቦታ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ከቢድ ጸገም ምዃኑ ተኣሚኑ። እንተዀነ፡ እቲ ጸገም ንሱ ፕረዚደንት ቅድሚ ምዃኑ ዝተፈጥረ ምዃኑ ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ግዜ ከም ዝወስድ ብምግላጽ ከኣ ትዕግስቲ ግበሩ ኢሉ።

ይዅን'ምበር፡ ምኽባር ናብራ፡ ግብራዊ ዘይኰኑ መብጽዓታትን ተስፋ ምቝራጽን እናወሰኹ ምምጽኦም፡ ብዙሓት ኬንያውያን ዝዕገሱሎም ጉዳያት ኣይኰኑን።

ገሊኦም ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ናይቲ ፕረዚደንት ንኬንያውያን ዓብዪ ዋጋ ዘኽፍሉ እዮም።

ብሰንኪ እቶም ፕሮጀክታት 1.5 ሚእታዊት ግብሪ ኣባይትን፡ 2.75 ሚእታዊት መድሕን ጥዕናን ካብ ደሞዝ ሰራሕተኛታት እዩ ዝውሰድ ዘሎ።

እዞም ግብሪታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ምምሕያሽ ኣየምጽኡን ዝብል ግንዛበ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እዞም ልዑል ግብሪታት ምኽፋል ኣብ መዓልታዊ ዕላላት ዜጋታት እታ ሃገር ኣይጠፍኡን።

ዶክተር ኦዊላ፡ ከም ኣድማሳዊ ፕሮጀክት ክንክን ጥዕና ዝበሉ ተበግሶታት ዝለዓለ ውጽኢት ከም ዘለዎምን ካልኦት ፕሮጀክታት ውጽኢታዊ ክዀኑ ከም ዝኽእሉን ይዛረብ።

ተንታኒ ፖለቲካ ምርክ ቢቻቺ ግን መንግስቲ፡ "ሰባት ከመይ ከም ዝስምዖም ክርድኦ ኣይከኣለን፡" ክብል ይምጕት።

ህዝባዊ ቅሬታ እናወሰኸ እንተ መጽአ'ውን፡ መንግስቲ ዝኽተሎ መንገዲ ከም ዘይተቐየረ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ "ዝምድና ፍቕርን ጽልእን" ከም ዝዀነ ዝገልጽ ቢቻቻ፡ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ መንገዲ ነዚ ኵነታት ዝቕይሮ ኣይመስልን ይብል።

እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ሓደ እዋን "ኣብ ኬንያ ዝበዝሐ ናእዳን ወደሳን ካብ መንጎ ዝረኸቡ መራሕቲ" ከም ዝነበረን ሕጂ ግን ልዑል ተቓውሞ ዝቐርበሉ ዘሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ከመይ ኢልና ኢና ኣብዚ መንገዲ በጺሕና?" ክብል ይሓትት።