ፕረዚደንት ኬንያ ትካላት ዝዘምቱ ሰልፈኛታት ብጥይት እግሮም ክውቅዑ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, State House Kenya/Facebook
ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንንግዳዊ ትካላት ዒላማ ዝገብሩ ሰልፈኛታት፡ ፖሊስ ብጥይት ኣብ እግሮም ክሃርም ኣዚዙ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ማዕበል ተቓውሞታት ጸረ-መንግስቲ፡ ፖሊስ ካብ መጠን ንላዕሊ ሓይሊ ከምዝተጠቕሙ ምኽሳሶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ብሰኑይ 31 ሰባት ከምዝተቐትሉ መንግስታዊ ኣካል ሓቢሮም።
"ዝዀነ ትካል ወይ ንብረት ናይ ካልእ ሰብ ከቃጽል ዝተታሕዘ ሰብ ኣብ እግሩ ብጥይት ተሃሪሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክኣቱን ምስተሓከመ ድማ፡ ድሒሩ ናብ ቤት ፍርዲ ክውሰድን ኣለዎ። ኣይትቕተልዎም፣ እግሮም ምስባሩ ግን ኣረጋግጹ" ይብል እቲ ፕረዚደንት።
ብተወሳኺ ንፖለቲካዊ መወዳድርቱ ካብ ስልጣን ብሓይሊ ንምእላይ ዓመጽ ዝመልኦ ተቓውሞን "ዘይሕጋዊ" ኣገባባትን ከይምውሉን ኣጠንቂቑ።
ኣብ ርእሲ'ቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ዘጋጠመ ተቓውሞ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝቘሰሉን ኣስታት 532 ከምዝተኣሰሩን ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ገሊጹ።
ፖሊስ ኬንያ 11 ሰባት ከምዝሞቱ ምግላጹ ዝዝከር ኰይኑ፡ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ቅትለት ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ብምግላጽ ንፖሊስ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት "ቀታሊ ተተኮስቲ" ተጠቒሙ ብምባል ነቒፉ።
ሩቶ ግን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ንስጕምቲ ፖሊስ ብምሕላቕ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም "ኣዋጅ ኲናት" ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ክኸውን'ዩ ኢሉ።
"ኣነ እንከለኹ ኬንያ ብፍርሒ፡ ብሽበራ፡ ወይ ብህውከት ክትግዛእ ኣይትኽእልን እያ፣ ኣይትክትግዛእንያ'ውን፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ምስቶም ብድሕሪ'ቲ ተቓውሞ ዘለዉ ሰባት "ብጽኑዕ" ክገጥም ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ዝዀነ ይዅን ለውጢ መንግስቲ ብመረጻ እምበር ብተቓውሞ ከምዘይከውን ብምግላጽ ተቓወምቱ ሓፈሻዊ መረጻ 2027 ክጽበዩ ኣተሓሳሲቡ።
ሩቶ ወሲኹ፡ "እዛ ሃገር ብውሑዳት ዓቕሎም ዘጽበቡን ዘይሕገመንግስታዊ ኣገባብ ተጠቒሞም ለውጢ መንግስቲ ዝደልዩን ሰባት ኣይክትጠፍእን እያ፣ እዚ ዝኸውን ኣይኰነን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ምክትል ፕረዚደንት ነበር ሪጋቲ ጋቻጉዋ ግን፡ ተቓወምቲ ንሩቶ ንምውዳቕ መደብ ነይርዎም ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።
"ብዘይሕገ-መንግስታዊ ኣገባብ ካብ ስልጣን ክትለቁ ዝደልየኩም ሰብ የለን። ኣብ ነሓሰ 2027 ኣብ ድምጺ ወረቐት ክንገጥመኩም ንደሊ ኢና፣ ስለዚ ተዛነዩ ጥራይ፡" ድማ ይብል እቲ ኣብ 2022 ኣብ ጐድኒ ሩቶ ዝተመርጸን ድሕሪ ምፍልላዮም ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየን ጋቻጉዋ።
ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያትን ኣብ ዘሎ ዓይነት ስራሕን ርኡይ ስክፍታታት ኣብ ዘለዋ ሃገር፡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጠባዊ ብድሆታት ቍጥዐ ኣስዒቡ ኣሎ።
ሩቶ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት'ኳ እንተኣመነ፡ ምምሕዳሩ ንመጀመርያ ግዜ ነዚ ንምፍታሕ ኰነ ኢሉ ስጕምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
እቲ ወዲ 58 ዓመት መራሒ፡"ዝደለኹሞ ኣስማት ክትጽውዑኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣብ ኬንያ ግን ሰላምን ምርግጋእን ከምዘሎ ከረጋግጽ እየ፡" ክብል ተሰሚዑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብታ ንብዙሓት ኣዕቍባ ዘላ ናይሮቢ ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ወነንቲ ትካላት'ውን በቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ዘለዎም ጸጥታዊ ስጋኣት ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብቲ ብብዝሒ ሓበሻ ከም ዝነብርሉ ዝፍለጥ ጃምሁሪ ዝተባህለ ከባቢ፡ ወናኒት ትካል ኮስመቲክስ ዝዀነት ኤርትራዊት ዛጊት ኣብዚ ከባቢና ርኡይ ጸገም የሎን ብምባል፡ እንተዀነ ነቲ ኵነታት ተበሊጾም ክሰርቁ ዝደልዩ ሰባት ከም ዝዋፈሩን ከም ዘሰክፋን ትገልጽ።
"ትካልና ዓጺና ኣብ ገዛና ኢና ንውዕል፡" እትብል እታ ኤርትራዊት፡ "እቲ ዘካይድዎ ተቓውሞ ነቲ መንግስትን ኣካይዳኡን እዩ። ንዓና ነቶም ስደተኛታት ብፍሉይ ዝጥምትዎ ነገር የለን። እንተዀነ፡ ከም ዝዀነ ኣለዎ ኢሎም ዝሓስብዎ'ሞ ሰይሮም ዝኣትዉዎ ትካል ከይዘምቱና፤ ብፍላይ ኣጋ ምሸት ንፈርሕ ኢና፡" ትብል።
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረባ ኢትዮጵያዊት ነባሪት ከተማ ናይሮቢ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ክልተ ደቃ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትልእኽ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ።
እቲ ብ 'ሳባ ሳባ' ዝፍለጥ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ቃልሲ ንዲሞክራሲ ንምዝካር ዝዓለመ'ኳ እንተነበረ፡ ካብተን 47 ኣውራጃታት እታ ሃገር ኣብ 17 ኣውራጃታት ግን ቀልጢፉ ናብ ቀታሊ ግጭት ከምዝተሰጋገረ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣቃሊሐን ነይረን።
ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ሰልፊ ዘተሳተፉ፡ "ሩቶ ክኸይድ ኣለዎ"ን "ዋንታይም" ማለት "ሓደ ግዜ" (ኣብ ስልጣን ንሓደ እብረ ጥራይ ክጸንሕ ዘሰምዕ) ዝብል ጭርሖታት ኣስሚዖም።
እዚ ድማ ፕረዚደንት ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጠልብ ህዝባዊ ሰልፊ እዩ።ወሃቢት ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ራቪና ሻምዳሳኒ፡ "እዞም ዳሕረዎት ፍጻመታት ብ25 ሰነ ኣብ ናይሮቢን ካልእ ክፋላት ኬንያን ልዕሊ 15 ሰልፈኛታት ምስተቐትሉን ብዙሓት ካልኦት ድሕሪ ምቝሳሎምን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ይኽሰት ምህላዉ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ፡" ኢላ።
መንነቶም ዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ነቲ መሳለጥያታት ዘሚቶም ናውቲ ሕክምና ሰሪቘም ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምግፋዖም ብውሕዱ ክልተ ሆስፒታላት ጉድኣት ከምዘውረዱ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሃይማኖታውያንን ተጣበቕቲ መሰላትን ኣብ ልዕሊ እቲ ቅትለት፡ ምዕናው ንብረትን ኢደወነናዊ ማእሰርትን ቅልጡፍን ናጻን መርመራ ክካየድ ሓቲቶም።
መራሕቲ ተቓወምቲ፡ መንግስቲ ኣብ እዋን ተቓውሞ ዕጡቓት ጕጅለታት ናብ ዕርድታት ተቓወምቲ ተባሂሎም ዝግመቱ ንምጕዕዓዝ ምልክት ዘይብለን መካይን ፖሊስ ኣዋፊሩ ክብል ከሲሶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







