ኬንያ፡ ፕረዚደንት ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ

ፍጥጥ ተቓዋሚን ፖሊስን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ተቓውሞታቶም ከስምዑ ዝወዓሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኬንያውያን ፕረዚደንት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይጠልቡ ኣለዉ።

ኣብቲ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ብውሕዱ 16 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናሽናል ጨንፈር ኬንያ ኣመልኪቱ።

ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ እውን ከምዘመልክቶ ኣባል ፖሊስ ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።

ተጣበቕቲ መሰላት ከምዝሕብርዎ ድማ ዛጊት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ቆሲሎም ኣለዉ።

ካብዚኦም እቶም ሸሞንተ ብጥይት ዝቖሰሉ እዮም። እቶም 83 ናብ ፍሉይ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ ማሕበር ሕክምና ኬንያ፡ ማሕበር ሕጊ ኬንያን ጉጅለ ስራሕ ተሃድሶ ፖሊስን ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ የመልክት።

ሰብመዚ ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ጉድኣት ኣየረጋገጹን።

ቢቢሲ ብወገኑ ነቲ ብዛዕባ ግዳያት ዝወሃብ ዘሎ ጸብጻባት ከረጋግጾ ኣይክኣለን ዘሎ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናዕበኛታት ንሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ካብ ምፍራስ ክቑጠቡ ተማሕጺኑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሎሚ 25 ሰነ 2025 ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ሞምባሳ፡ ኪሱን ዝኣመሰላ ከተማታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ነቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣንጻር ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ንምዝካር ዝዓለመ እዩ።

ኣብቲ እዋን ሩቶ ነቲ መንግስቱ ዘቕረቦ ወሰኽ ግብሪ ክስሕብ'ኳ እንተተገደደ፡ እቲ ተቓውሞ ግን ናብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝቐርብ ጻውዒታትን ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ዝግለጽ ቁጥዐን ተቐይሩ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ካብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ወጻኢ ከምዘሎ ዝተገልጸ ፕረዚደንት "ሃገርና'ያ፡ ስለዚ ሰላማ ክንሕልዎ ኣለና። ካብ ሕጊ ወጻኢ ክንንቀሳቐስ የብልናን" ኢሉ።

"ተቓውሞታት ንኬንያ ከዕንዉዋ የብሎምን። ነገራት ምስከፍኡ እንኸዶ ካልእ ሃገር የብልናን" ክብል እቲ ናዕቢ ክሃድእ ጸዊዑ።

ኣብቲ ኣብ 2024 ዝተኻደ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ጥርዚ እቲ ጸረ-መንግስቲ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ገለ ካብቶም ተቓውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ ሰባት ናብ ውሽጢ ህንጻ ባይቶ ብምእታው ንብረት ከዕንዉ ኣብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት ተራእዮም ነይሮም።

እዚ ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልፊ ዝሞቱ ሰባት ንምዝካር ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ናይሮቢን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከባ 47 ግዝኣታት፡ ብውሑዱ ኣብተን 20 ተቓውሞታት ይካየድ ከምዘሎ ሰፊሕ ተነባቢነት ዘለዋ ዓባይ ጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ሓቢራ።

ኣብተን ተቓውሞታት ዘአንግዳ ዘለዋ ከተማታት ድማ፡ ፖሊስ ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ እናተጠቐመ ይርከብ።

ኣሽሓት ሰልፈኛታት "ሩቶ ይውረድ" ዝብል ጭርሖ እናስምዑ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ይጠልቡ ኣለዉ።

ኣብ ናይሮቢ ጥራይ ብውሕዱ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ሃገራዊ ሆስፒታል ኬንያታ ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ሰባት ንሕክምና ተቐቢሉ ኣሎ፤ እዚ ኣሃዝ ግን ብጥይት ዝቖሰሉ ዘጠቓልል ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን።

መንግስቲ መደበራት ቴሌቪዥንን ሬድዮን እውን ቀጥታዊ ሽፋን ከቋርጹ ኣዚዙ ኣሎ።

ተቓውሞታት ኣብ ምህዳእ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ጸጥታ ናየዕሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስን ሓለፍቲ መራኸቢታትን ፈነወአን ከቋርጻ ከምዘገደደዱወን ብውልቂ ዝውነና መደበራት ኤንቲቪን ኬቲኤንን ይገልጻ።

ንኤንቲቪ ዝውንን ኩባንያ ኔሽን ሚድያ ግሩፕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ፈነወ ምቁራጽ ኣብ ስርሓት ምድላዋትና ዝፍጸም ቀጥታዊ ምትእትታው'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር፡ ተቓውሞታት ዝፍንዋ ቀጥታዊ ሽፋን ቴሌቪዥንን ሬድዮን ደው ከምዘበለ ተኣሚኑ እዩ።

እንተዀነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይሮቢ ድሒሩ፡ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ'ቲ ተቓውሞታት ቀጥታዊ ሽፋን ከይገብራ መንግስቲ ዝገበሮ እገዳ ደው ክብል መምርሒ ሂቡ ኣሎ።

ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ዘይምርግጋእ ድማ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ተዓጽየን ይርከባ።

ፖሊስ ገለ ካብቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ባይቶን ከይኣትዉ መጠንቀቕታ ሂቡ'ሎ።

ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ ሓዊ ክቃጸል ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ፖሊስ ውሕስነት ከንግሱን ህይወት ክከላኸሉን ትእዛዝ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ሲቲዘን ቲቪ ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ዘካፈሎ ቪድዮ፡ ኣባላት ባይቶ ብሃውሪ ካብ ፓርላማ ክወጹ የርእይ።

እቶም ተቓወምቲ ድማ ነቲ ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ደፊኦም ናብ ባይቶ ክበጽሑ ዝዓለሙ ይመስሉ።

ነዚ ምፍጻም ግን ንስልጣን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ቀጥታዊ ብድሆ ተገይሩ እዩ ዝርአ።

መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዚደንት ልዑል ሓለዋ ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ክኣትዉ ኣይፍቀደሎምን። ሰብመዚ ድሮ ሰልፈኛታት ጥሒሶም ከይኣትዉ ንምክልኻል ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ከምዝወስዱ ጽኑዕ መጠንቀቕታታት ሂቦም ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ባይቶ ቤተ መንግስትን ዝኾነ ይኹን ምጥሓስ ከየጋጥም ሓያል ሓለዋ እናተግበረሉ ይርከብ።

ገለ ካብቶም ናብ ባይቶ ንምእታው ዝጽውዑ ዘለዉ ሰባትን ከምኡ'ውን ጠበቓ ሚጉና ሚጉናን፡ እቲ ቤተመንግስቲ ንብረት ህዝቢ ምዃኑ ይገልጹ።

ሚጉና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ንብረትና ካብ ምቁጽጻር ዝዓግተና የለን" ብምባል ፕረዚደንት ሩቶ ንቤተ መንግስቲ ከምዘይውንኖ ይምጉት።

ብዙሓት ሰባት መጉዳእቲ በጺሕዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ይንገር'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት መጉዳእቲ በጺሕዎም ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ይንገር'ሎ

ካብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣስታት 60 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ማቻኮስ፡ ሓደ ሰብ ብጥይት ከምዝተቐትለ ዝገልጹ ጸብጻባት'ውን ይቕልቀሉ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ፖሊስ ብዝተኮሶ ጥይት ዝተጎድኡ ሓያሎ ሰባት ኣብ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ቀንዲ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ ይግለጽ ኣሎ።

ብውሕዱ 10 ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ትሕብር ሲቲዘን ቲቪ፡ ሕሙማት ብተንቀሳቓሲ ዓራት ናብቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ሃገራዊ ሆስፒታል ኬንያታ ክኣትዉ ዘርኢ ቪድዮ ለጢፋ ኣላ።

ኣብታ ክሊፕ፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ፈነወ፡ ፖሊስ ተዂሲ ከም ዝጀመሩን፡ ሓደ ካብ መሳርሕቱ ድማ ብጥይት ከም ዝተቐትለን ክዛረብ ይስማዕ።

ቢቢሲ ተወሳኺ ሓበሬታታ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ እናቐጸለ ይርከብ።