ኬንያ፡ ድሕሪ ምስራዝ እማመ ወሰኽ ግብሪ ተቓውሞታት ይቕጽል

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፖሊስ ኬንያ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ፀረ መንግስቲ ተቓውሞታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተኲሶም።
ብሰንኪ'ቲ ሓድሽ ዘይምርግጋእ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ተዓጽየን ይርከባ። ኣብ ሞምባሳን ኪሱሙን ዝርከብዎም ካልኦት ከተማታት’ውን ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞም የስምዑ ኣለዉ።
እቲ ኣንጻር ኣካታዒ እማመ ፋይናንስ ዝካየድ ተቓውሞ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 39 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነቲ ዝቐረበ ወሰኽ ግብሪ ክስሕብ’ኳ እንተተገደደ፡ እቲ ተቓውሞ ግን ናብ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝቐርብ ጻውዒታትን ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ዝግለጽ ቁጥዐን ተቐይሩ ኣሎ።
ኣብ ሞምባሳ ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ፖሊስን ግጭት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን መካይን ከይተረፈ ክቃጸላ ተራእየን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ናይሮቢ ዘጋጠመ ጎንጺ፡ ዳያኑ መስርሕ ፍርዲ ከናውሑ ከምዝተገደዱ ጋዜጣ ዳይሊ ኔሽን ሓቢራ።
ብመንግስቲ ዝምወል ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሰልፈኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣባላት ባይቶ ነቲ እማመ ንምጽዳቕ ድምጺ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ከምዝተቐትሉ ይገልጽ።
ኣብ ናይሮቢ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ድማ 22 ሰባት ከምዝሞቱ እቲ ኮምሽን ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብዚ ወጻኢ 361 መጉዳእቲ፡ 32 "ግዱድ ምስዋር" ከምኡ'ውን 627 ማእሰርቲ ከምዘጋጠመ’ውን ይጠቅስ።
ኣቐዲሙ ፖሊስ ቁጽሪ ዝሞቱ 19 ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብቲ ተቓውሞ 24 ሰልፈኛታት ከምዝሞቱ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ፡ “ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፡ ኣባላት ሕክምና፡ ጠበቓታትን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ኣብ ከም ኣብያተ ክርስትያናት ሕክምናዊ ማእከላት ህጹጽ ረድኤትን ኣምቡላንሳትን ዝኣመሰሉ ውሑሳት ቦታታትን ዝተፈጸመ ዘይምኽኑይ ዓመጽን ሓይልን” ኮኒኑ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ዝተጠቕምሉ ሓይሊ "ዘይተመጣጠነን እዩ ነይሩ" ድማ ኢሉ።
ፕረዚደንት ሩቶ ትማሊ ሰንበት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ፖሊስ “ዝከኣሎም ገይሮም” ኢሉ ነይሩ።
"ዝዀነ ልዕሊ ዓቐን እንተሃልዩ" ድማ ብዘለዉ ኣገባባት ከምዝፍትሑ ኣመልኪቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







