ድሕሪ 'ምፍሳስ ደም' ከቢድ ብደሆ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ፕረዚደንት

ምንጪ ስእሊ, EPA
ድሕሪ’ቲ ሰሉስ ዘጋጠመ ከቢድ ደም ምፍሳስ ዘስዐበ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነታ ሃገር ናይ ሓዘን መልእኽትን ተሪር ቃላትን ኣስሚዑ።
ትማሊ ሮቡዕ ግን፡ ነቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕቢን ሞትን ዘስዓበ ሓድሽ ሕጊ ክፍሊት ግብሪ ከምዝሰሓቦን ፈርምኡ ከምዘይንብረሉን ብዕሊ ኣዊጁ። ኬንያውያን ገና በዚ ዝዓገቡ ኣይመስሉን።
ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት፡ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ሓካይም ኣረጋጊጾም ኣለው።
ኣንጻር ፖሊሲታቱ ዝግበር "ሕጋዊ" ተቓውሞታት "ብጉጅለ ዝተወደቡ ገበነኛታት ተጨውዩ" ብምባል፡ መንግስቱ፡ እቲ ናዕቢ ዳግማይ ንኸይድገም ብኹሉ ዓቕሙ ደው ከምዘብሎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ይኹን እምበር ንሩቶ ገጢሙዎ ዘሎ ቀሊል ኣይኮነን።
ሩቶ፡ ብልሽውና ኪቃለስን፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣር ቁጠባ ከመሓይሽን ንድኻታት ክሕግዝን ቃል ብምእታው’ዩ ኣብ 2022 ብምርጫ ናብ ስልጣን መጺኡ።
ይኹን እምበር ሕጂ ኣንጻር እቲ ንሃገር ንምህናጽ ወሳኒ’ዩ ዝበሎ እማመ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናዕቢ የጋጥም ኣሎ።
ንሚስተር ሩቶ ዘጋጥሞ ዘሎ ተቓውሞ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ባይቶ ዝተሓጽረ እንተዝኸውን፡ መውፅኢ መንገዲ ኣይምሰኣነን።
በሊሕን ተዓጻጻፋይን ፖለቲከኛ ሩቶ፡ ቅድሚ ናብ’ዚ መንበር ምምፅኡ፡ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ሰፊሕ ተመኩሮ ኣዋህሊሉ እዩ።
ሕጂ ግን እቶም ኣንጻሩ ዝለዓሉ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እዮም።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዝርጋሕ ዝጀመረ ዘይዕግበት፡ ናብ ሓያል ናዕቢ ዓሪጉ ጐደናታት እታ ሃገር ብናዕቢ ይናወጽ ኣሎ።
ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ርእሰ ከተማ-ናይሮቢ፡ ኣዳራሽ እታ ከተማን ህንፃ ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገርን ብሓዊ ተቓጺሎም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ዕግርግርን ስንባደን፡ ዘንብዕ ጋዝን ሓድሓደ ግዜ ድማ ካብ ፖሊስ ብዝተተኰሰ ጠያይት ዘስዓቦ ሞት ቁጥዐኦም ዝገልጹ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ከም ምላሹ፡ ሚስተር ሩቶ፡ እቲ ባጀት ኣብ ፓርላማ ክፀድቕ ብምድጋፍ ነቶም ሰልፈኛታት ኢዱ ከይህብ መሪጹ ነይሩ፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ነታ ሃገር ንምርግጋእ ጉልበት ይጥቀም ኣሎ።
ገለ ኣብ ጥቓኡ ካብ ዘለዉ ሰበ ስልጣን እዚ መርገጺ ክሳብ መዓስ ዝፀንዕ እዩ ዝብል ሕቶ ክህልዎም ይኽእል እዩ፣ ኣብ ነዊሕ እዋን ድማ እዚ ኣካታዒ ዝኾነ እማመኡ ኣበይ ከምዘብጽሖ ይጠራጠሩ።
ሚስተር ሩቶ፡ ዕዳ ኬንያ ንምቁጽጻር፡ ሓዲሽ ግብሪ መንግስቲ ምእዋጅ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝምጉት።
እቲ ዕዳ ኣስታት 80 ቢልዮን ዶላር (63 ቢልዮን ፓውንድ) ዝግመት እዩ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ዓመታዊ ኣታዊታት የኽፍላ ኣሎ።
ኬንያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዕዳኣ ክትከፍል ቃል ስለዝኣተወት ዓለምለኻዊ ደገፋት ክትረክብ ሓጊዙዋ እዩ። እዚ ድማ ብኡንብኡ ዋጋ ባጤራኣ ዓቕሚ ንክረክብ ኣኽኢሉዋ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝተዓደሙ ሒደት መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓደ ዝዀነ ሩቶ፡ ኣብ ምኽፋልን ዘይምኽፋለን ዕዳ ዘለዎ ኣገዳስነት ይርዳእ’ዩ።
እቲ ቀመር፡ ጾር ግብሪ ብምውሳኽ ንፋይናንስ መንግስቲ ምቁጽጻር፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ካብ ምቁራፅ፡ ይምረጽ ዝብል እዩ።
እቲ እማመ ካብ ዋንነት መኪናን ፋይናንሳዊ ትራንዛክሽንን ኣትሒዙ ክሳብ ሳኒታይዘር ፓድ ኣብ ኩሉ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሓደስቲ ወይ ዝወሰኹ ግብሪታት ዝሓዘ እዩ።
ሓያሎ ካብቶም ኣዝዮም ኣካታዕቲ ዝኾኑ ግብሪታት ድሮ ምስ ህዝቢ ድሕሪ ምምኽኻር ተኣልዮም ኣለዉ።
እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዋጅ ዝስማዕ ዘሎ ክትዕ ግን፡ ንኣብነት ወሰኽ ግብሪ ክንክን ጥዕናን ትሑት ወጻኢታት ዘለዎም ኣባይትን ዝምልከቱ እዮም።
ነቶም ናብ ጎደና ዝወፅኡ ዘለዉ መናእሰይ፡ ካብ ምቑራጽ ኣገልግሎት ወይ ምውሳኽ ግብሪ ወጻኢ፡ ሳልሳይ ፍታሕ ኣሎ።
ሩቶ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ሓምላይ ጸዓትን ቴክኖሎጅን ብምትኳር ድማ ብርግጽ ንኬንያ ናበይ ክወስዳ ከም ዝደሊ ገለ ሓደሽቲ ሓሳባት ኣለውዎ።
ሚስተር ሩቶ ኣብቲ ብብልሽውና ዝጠልቀየ መንግስቲ ላዕለዋይ ኣካል ኮይኑ ምፅንሑ ግን፡ እዚ እናረእዩ ኣሚኖም ግብሪ ክኸፍሉዎ ኣጸጋሚ’ዩ።
እቶም ናይ ጐደና ናዕቢ ፍጻመታት፡ ንሚስተር ሩቶ ናብ ገለ ኩርናዓት ዝደፍእዎ ዘለዉ ይመስል።
ነቲ ዝበፅሐ ዕንወትን ዕግርግርን፡ ንገለ ካብቶም ሰልፈኛታት ምኽሳስን ስጉምቲ ምውሳድን መሪፁ ኣሎ።
እቶም ኣብ ናይሮቢን ኣብ መላእ ሃገርን ድምጾም ከስምዑ ዝወጹ ግን ንድሕሪት ዝመልሶም ኣይመስሉን።
ሚስተር ሩቶ ኣብ በዓለ-ሽመቱ መደረ ኣብ ዘስመዐሉ እዋን፡ ብቐጥታ ኣብ ፖለቲካ ንዝነጥፉ መንእሰያት እታ ሃገር ጠቒሱ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ፖለቲካዊ ጉዕዞይ ብተመሳሳሊ ከም መንእሰይ ወለንተኛ ጎስጓሲ ኰይነ እዩ ዝጅምር" ኢሉ።
ሕጂ ድማ ምስ ብመንእሰያት ዝምራሕ ምንቅስቓስ ፊት -ንፊት ገጢሙ ይርከብ። ብዙሓት ሰባት እቲ ናይ ሰሉስ ፍጻሜ፡ እታ ሃገር ኣብ 1963 ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ስልጣን ንዝሓዘ መራሒ ዝዓበየ ብድሆ ከምዝዀነ ይቖፅርዎ።
ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ሓያል ግጥም ክቕጽል ስለዝኽእል፡ ዘን ዝቕጽላ መዓልታት ንሚስተር ሩቶ ወሰንቲ ክኾና እየን።
ምኽንያቱ ድማ፡ ሕቶ እቶም መንእሰያት በቲ ኣዋጅ ምስራዝ ጠጠው ዝብል ኣይመስልን፤ 'ሩቶ ካብ ስልጣን ውረድ' ናብ ዝብል ክብ ኢሉ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







