ብዛዕባ ጓል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ መጽሓፍ ዝደረሰ ኬንያዊ ተኸሲሱ

ጠበቓታት ዌብስተር ኦቾራ ኤልያስ፡ ገበን ከምዘይተፈጸመ ይሙግቱ

ምንጪ ስእሊ, Francis Odee

መግለጺ ስእሊ, ጠበቓታት ዌብስተር ኦቾራ ኤልያስ፡ ገበን ከምዘይተፈጸመ ይምጕቱ

ብዛዕባ ጓል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ኬንያዊ ደራሲ ዌብስተር ኦቾራ ኤልያስ ተኸሲሱ።

ንሱ ብዘይ ፍቓድ ሻርሊን ሩቶ እዩ ታሪኽ ህይወታ ኣመልኪቱ መጽሓፍ ጽሒፉ።

ነዚ ስዒቡ ሻርሊን ሩቶ፡ እቲ ደራሲ ስማ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉ ክትብል ከሲሳቶ ኣላ።

መሰል ብናጻ ሓሳብ ምግላጽ ዝጣበቑ ኣካላትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጠበቓታትን፡ እቲ ደራሲ ምኽሳሱ ኰኒኖም።

ደራሲ ናይታ 'ብዮንድ ዘ ኔም፡ ሻርሊን ሩቶ ኤንድ ዘ ዩዝ ኣፕራይዚን' ዘርእስታ መጽሓፍ ዝዀነ ዌብስተር ኦቾራ፡ ብሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ኰይኑ፡ ገበነኛ ከምዘይኰነ ብምግላጽ ብዋሕስ ተፈቲሑ።

ጓል ፕረዚደንት ኬንያ ሻርሊን ሩቶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ኣቕሪባ ሕጋዊ ኣገባባት ትኽተል ከምዘላ ሓቢራ። ኣብቲ ናይ ክሲ ወረቐት ድማ ከም ኣቕራቢት ጥርዓን ተጠቒሳ ኣላ።

እቲ ክሲ፡ እቲ ደራሲ ነታ መጽሓፍ ብ22 ግንቦት ወይ ቅድሚኡ ብምሕታም ምትላል ከምዝፈጸመ ይጠቅስ። ምስኡ ካልኦት ገና ዘይተኸሰሱ ሰባት ከምዘለዉ እውን ይገልጽ።

ሻርሊን፡ እታ መጽሓፍ ብዘይ ፍቓዳ ከምዝተጻሕፈት ጥራይ እምበር ብዛዕባ ኣብታ መጽሓፍ ዝቐረበ ትሕዝቶ ቅሬታኣ ኣይገለጸትን።

ነቐፍቲ ግን፡ እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ ኣይኰነን ክብሉ ይስምዑ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፖለቲከኛን ጠበቓን ዊሊስ ኦቲየኖ፡ "ደራሲነት ከም ገበን ምቝጻር" ግቡእ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ኣብ ስነጽሑፍ ርእይቶ ዝህብ ምቡጉዋ ንጉንጂሪ ብወገኑ፡ ኣብ 2014 "ፈቓድ ከይሓተተ" ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ መጽሓፍ ከምዝተጸሓፈ ብምጥቃስ፡ እቲ ደራሲ "ዝዀነ ጌጋ ከምዘይፈጸመ" ኣመልኪቱ።

ንሱ፡ "ሚልዮን ጸሓፍቲ ብዛዕባ 'መጽሓፍ' ክጽሕፉ ይኽእሉ'ዮም፡ እዚ ድማ ፍጹም ሕጋዊ እዩ ዝኸውን። ሻርሊን ክሲ ክትምስርት ምኽኑይ ዝኸውን እንኮ ኵነታት፡ ብዝዀነ ይኹን ኣገባብ ብጌጋ እንተተገሊጻ'ዩ" ክብል ኣብ ፌስቡክ ጽሒፉ።

እታ ጓል ፕረዚደንት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኬንያ "ስም ሰባት ብዘይግቡእ ኣልዒልና ዘይንኽሰሰሉ ሕማቕ ባህሊ" ከምዘሎ ብምጥቃስ "እዚ ቅኑዕ ኣይኰነን" ኢላ።

ንሳ፡ እቲ ደራሲ ካብኣ ፍቓድ ስለዘይሓተተ እታ መጽሓፍ ብዛዕባኣ ዝሓዘቶ ሓበሬታ "እወታዊ" ይዅን ኣይዅን ኣገዳሲ ከምዘይኰነ ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ ደራሲ "ብዛዕባይ መጽሓፍ ክጽሕፍ ከምዝደሊ ዝገልጽ ሓሳብ ሒዙ ናባይ መጺኡ ኣይፈልጥን፣ እዚ ድማ ንዓይ ስመይ ብዘይግቡእ ምጥቃም'ዩ" ትብል።

እታ ብዙሕ ብዘይፍለጥ ወዲ 25 ዓመት ደራሲ ዝተጸሓፈት መጽሓፍ፡ ብሰፊሑ ኣይተዘርግሐትን፤ ብዛዕባ ትሕዝቶኣ ድማ ብዕሊ ዝተፈለጠ ሓበሬታ የለን። ኣብ ኢንተርነት'ውን ኣይትርከብን እያ።

ሕጋዊ ጕጅለ እቲ ደራሲ፡ እቲ ተግባር ገበን ከምዘይኰነ ይምጕቱ። ጠበቓ ኬነዲ ሞንግኣረ ኣብታ ሃገር ንዝርከባ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ብዛዕባ ካልኦት ህዝባውያን ፍሉጣት ሰባት መጻሕፍቲ ከምዝተጸሓፈ ይገልጽ።

ካልእ ጠበቓ ኢቫን ኦንዲኪ፡ ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ካብ ህዝቢ ነቐፌታ ክጽበዩ ከምዘለዎምን እቲ ማእሰርቲ ንዲሞክራስያዊ ክብርታት ኬንያ ዘዳኽም ምዃኑን ገሊጹ።

"ስምካ ወይ ምስልኻ ምጥቃም ገበን ክሳብ ዝኸውን ዘይግዱስ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ" ኢሉ።

ኣብ ሚያዝያ፡ ሓንቲ መምህር ካልኣይ ደረጃ፡ ኣብ ፌስቡክ ከም ጁን ሩቶ (ካልእ ጓል ፕረዚደንት ሩቶ) መሲላ ብምቕራባ ተኸሲሳ ነይራ።

ሻርሊን ሩቶ ኣብ ብዙሕ ህዝባዊ ፍጻመታት ጋሻ ኰይና ክትቀርብ ጸኒሓ እያ። ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተራኺባን ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት እውን ተሳቲፋ ነይራ።

ንሳ፡ ኣብ 2022፡ ገንዘብ ህዝቢ ነቲ "ቤት ጽሕፈት ቀዳመይቲ ጓል ፕረዚደንት" ኢላ ዝሰመየቶ ትካል ንምምዋል ይውዕል ዝብሉ ክስታት ከምዝነጸገት ይዝከር።

ሕጂ ድማ እቲ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ክሲ፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሶፍትዌር ዲቨሎፐር ሮዝ ንጀሪ ምእሳራ ስዒቡ፡ ብዛዕባ ገደብ ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ ዝምልከት ስክፍታታት ክብ ክብል ገይሩ ኣሎ።

ዜጋታት ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ዓመታዊ እማመ ፋይናንስ ክቃወሙ ዝሕግዝ መሳርሒ ዝመሃዘት ንጀሪ፡ ብዓርቢ እያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ።

ብሰሉስ ድማ ብገበን ሳይበርን ብዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ኮምፒተርን ተኸሲሳ፤ ክሳብ 20 ሰነ ድማ ብዋሕስ ተፈቲሓ'ላ።

ንጀሪ፡ ብዋሕስ ካብ ትፍታሕ ጀሚራ ንኬንያውያን ኣንጻር "መስሓቕ" ማእሰርታን ድምጺ ስለዝዀንዋ ከተመስግን ምጽንሓ ይፍለጥ።