ንገለ ኬንያውያን ዘደንጸወ ጸሎት ጓል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, Smachs Foundation/Twitter
ጓል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሰብኣይ ክትረክብ ዝተገብረላ ጸሎተ-ምምላድ፡ ንብዙሓት ኬንያውያን ከየገረመ ኣይተረፈን።
ቻርሊን ሩቶ፡ ኣብቲ ብፍሉጥ ኣመሪካዊ ሰባኺ በን ሂን ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዓቢ ህዝባዊ ስርዓተ-ጸሎት ተሳቲፋ ነይራ።
ኣብቲ ኣብ ዝሓፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶን'ውን ምስ ብዓልቲ ቤቱ፡ ከምኡ'ውን ምክትል ፕረዚደንት ሪጋቲ ጋቻጉዋ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ተሳቲፎም ነይሮም።
እቲ ሰባኺ፡ ጸሎት ዘድልዮም ናብኡ ክቐርቡ ድሕሪ ምጽውዑ፡ ጓል'ቲ ፕረዚደንት ብድድ ኢላ ናብኡ ቀሪባ። መንእሰያት ናይ ምግልጋል ጻውዒት ከምዘለዋ ድማ ተዛሪባ።
ብዘቕረበቶ ጠለብ መሰረት ድማ በን ሂን ጸልዩላ። ቀጺሉ'ውን፡ ክጽለየላ እትደልዮ ፍሉይ ነገር እንተሎ ተወኪሱዋ። ናብ እዝኑ ቅርብ ኢላ ድማ ሕሹኽ ኢላቶ።
ብድሕሪ'ዚ እቲ ሰባኻይ፡ ብሕሹክ ዘይኮነስ ዓው ኢሉ ክጽልየላ ጀሚሩ።
"ምስኣ ኮይኑ ንጻውዒታ ዝፍጽም ሰብኣይ ሃባ። ጎይታ፡ ነቲ ዘሐይላን ዓቢ ደጋፊ ዝኾናን መንእሰይ ናብኣ ገጽካ ኣብሎ"።
"በይና ክትገብሮ ኣይትኽእልን'ያ፡ ጎይታ፡ ነፍሳት ንምድሓን ናብ ዓውደ-ውግእ ትኸይድ ኣላ. . .ብቕልጡፍ ሰብኣይ የድልያ ኣሎ" ክብል እቲ ሰባኺ ኣማሊዱላ።
ነዚ ዝሰምዑ ኬንያውያን ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ክህቡ ቀንዮም።
ገለ ነቲ ጸሎት ዝነቕፉ፡ ገሊኦም ሰብኣይ ክኾኑዋ ጠለባት ዘቕርቡ፡ ከምኡ'ውን ዝሕጭጩ ኣይተሳእኑን።
"ስመይ ኦምዋምባ ይብሃል፡ ኣብ ጎደናታት እናዞርኩ'የ ዝሽቅጥ፡ ኣብቲ ምስ በን ሂን ዝገበርክዮ ጸሎት ሰብኣይ ክትረኽቢ ዘቕረብክዮ ልባዊ ጠለብ ምስተዓዘብኩ'የ ክረኽበኪ ተበጊሰ።
"ትማሊ ብዘርኣኽዮ ቅንዕናን እምነትን ተተንኪፈ እየ፡ እንሆ ድማ ኣምላኽ ናባኺ ኣቢለ ክምጽእ ልኢኹኒ" ክብል ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ጽሒፉ።
ካልኦት ድማ፡ ናይ ልብኻ ምጽላይ ጸገም ከምዘይብሉን መሰላ ምዃኑን ክማጎቱ ተሰሚዖም።
"ቻርሊን ሩቶ ግሩም ሰብኣይ ክትረክብ ክጽልየላ ንበን ሂን ምሕታታ ዋላ ሓደ ጌጋ የብሉን። ቃል-ኪዳን ቅዱስ እዩ" ክትብል ሓንቲ ኬንያዊት ዘለዋ ደገፍ ጽሒፋ።
ካልእ'ውን ኣብ ከንዲ ብጸሎት ሰብኣይ ክመጻ ትጽበ፡ ናብ ሰብኡት ዘለውዎ ከይዳ "ሓደ ዝያዳ ዕቱብ ዝኾነ ሰብ" ክትረክብ ሚዒዱ።
ጓል ፕረዚደንት ብምዃና፡ ብሓለውቲ ስድራቤታ ተኸቢባ ስልትንቀሳቐስ፡ ምስ ደቂተባዕትዮ ብቐሊሉ ክትራኸብ ዘጸግም ከይከውን ዝደናገጹ'ውን ኣይተሳእኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







