ኤርትራ፡ 'ብዓይነቱ ፍሉይ' ማእሰርቲ ወንጌላውያን ኣመንቲ ይፍጸም ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ ናይተን ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከካይድዎ ዝጸንሑ ማእሰርቲ ይቕጽልዎ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሓቢሮም።
እቶም ኣብዚ ወርሒ'ዚ ኣብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ካብ ገዛውቶም ዝተወስዱ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
ሓደ ንመሰላት እቶም ዝሳደዱን ዝእሰሩን ዘለዉ ኣመንቲ ዝጣበቕ ተሓላቒ እቲ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ወፍሪ ማእሰርቲ "ብዓይነቱ ፍሉይ ዝመስል" ኰይኑ ዝያዳ "ንኣገልገልቲ" ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ኣብ ከተማታት ተሰነይ፡ ኣቚርደትን ባረንቱን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰዓብቲ እተን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም።
ልዕሊ 60 ካብቶም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝተኣሰሩ ሰባት ኣብ ቢንቢና ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መዳጐኒ ተታሒዞም ከምዘለዉ እቶም ተሓለቕቲ ገሊጾም።
ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ምእሳር ስርሒታት ኣብ ከተማታት ዓዲ-ተከሌዛን፡ ከረን፡ ጋሕቴላይን ከምዝተፈጸመ እቶም ምንጪታት ጠቒሶም።
ኣብ ኤርትራ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዝርከቡ ይግለጽ።
ነቲ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ዝተኻየደ ማእሰርቲ ዘረጋገጸ ዳይረክተር ተሓላቒ መሰላት ወንጌላውያን ኣመንቲ ዝኾነ 'ረሊዝ ኤርትራ' ከምዝበሎ፡ ቍጽሪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይወግዓዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ብዙሕ ብምዃኑ ክንደይ ሰባት ብእምነቶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዶክተር ብርሃነ ኣስመላሽ ከምዝበሎ፡ "ኵነታት ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ምንም ከምዘይተመሓየሸ 'ዩ ዝፍለጥ። እቶም ቀዳሞት ዝተኣስሩ መራሕቲ ሕጂ 20 ዓመቶም መሊኦም ኣለዉ" ክብል ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ንዋላ ሓደ ክሲ ዝተመስረተሉ ወይ ናይ ቤትፍርዲ ኣገባብ ዝተኻየደሉ ሰብ የለን" ይብል ዶክተር ብርሃነ።
ሰብመዚ ኤርትራ ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ዘእትውዎም ዜጋታት ውግዓዊ መግለጺ ይዅን ሓበሬታ ኣይህቡን'ዮም። መብዛሕትኡ እዋን'ውን ቤተሰቦም ክበጽሕዎም ኣየፍቅዱን እዮም።
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ዘቕረቦ መጽዋዕታ፡ ሰብመዚ ኤርትራ ንዅሎም እቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ዝሰወርዎም ሰባት ክፈትሕዎም፡ ኣበይ ከምዘለዉ፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም፡ ከምኡ'ውን ኵነታት ጥዕናኦም ክሕብሩን ሓቲቱ ነይሩ።
ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኢልዝ ብራንድስ ከህሪስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣብ ኤርትራ "ስቅያትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን" ይቕጽል ኣሎ ክትብል ተዛሪባ ነይራ።
"ማእሰርትን ግዱድ ምስዋርን ኣሽሓት መራሕቲን ኣባላትን ጕጅለታት ሃይማኖት፡ ተሓለቕቲ፡ ጋዜጠኛታትን ካብ ገደብ-ኣልቦ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃደሙን" ከምዘሎ'ውን እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ጠቒሳ።
ሰብመዚ ኤርትራ ግን እቲ ጸብጻባት ንክውንነት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘየእቱ "ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎን ዘይሓላፍነታውን ክስታት" ብምባል'ዮም ንዝቐርበሎም ክስታት ዝነጽግዎ።
እተን ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐሳ ፍቓድ መንግስቲ ዝረኸባ ትካላት ሃይማኖት'ውን ካብ ምትእትታው መንግስቲ ናጻ ከምዘይኰና'ዩ ዝዝረብ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሰብመዚ ኤርትራ ኣንጻር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዘካየድዎ ጸቕጢ፡ በታ ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ብምዕጻው ክሳብ ላዕለዋይ ጳጳስ ምእሳር በጺሖም ምንባሮም ይዝከር።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ኣብቲ ሃገር ዝበዝሐ ሰዓብቲ ዘለውዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢድ ብምእታውን፡ ንፓትሪያርካ ካብ ስልጣኑ ኣብ ምውራድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንዓመታት ከምዝጸንሕ ኣብ ምግባር'ውን ይኽሰስ'ዩ።
እታ ብሰንኪ ሞት ዝቐጸሉ መራሕታ ብዘይ ፓትሪያርክ ተሪፋ ዘላ ቤተክርስትያን ብሰንኩ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ወጻኢ ኣብ ክልተ ተኸፊላ ትርከብ።
ብዙሓት ሰዓብቲ፡ መምሃራንን መሻይኽን እስልምና'ውን ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዞም ክእሰሩ ከምዝጸንሑን ሓያለ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ድሃይ ከምዘይብሎም ተሓለቕቲ መሰላት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







