‘ሓሽሽ ወሲደ ኣይፈልጥን'የ’ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ምስ ሓደ ፊንላንዳዊ ፖስታር ክትስዕስዕ ዘርኢ ሓድሽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ሓሽሽ ወሲዳ ከምዘይትፈልጥን፡ መርመራ ዕጸፋርስ ከምዝገበረትን ገሊጻ።
ጓል 36 ዓመት ሳና ማሪን፡ ኣብዚ ሰሙን ድግስ ክትገብርን ክትለሀን ድሕሪ ምርኣያ፡ ሓያል ነቐፌታ ዝበጽሓ ኾይኑ፡ገለ ፖለቲከኛታ ካብ ዕጸፋርስ ‘ናርኮቲክስ’ ነጻ ምዃና መርመራ ክትገብር ከምዘለዋ ሓቲቶም ነይሮም።
ሚስ ማሪን፡ ብዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ መርመራ ከም ዝወሰደትን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ውጽኢቱ ከም እትጽበን ገሊጻ።
እታ ቀዳመይቲ ሚኒስትር፡ ‘ሓሽሽ ወሲደ ኣይፈልጥን ኢየ’ ክትብል ንዝቐረበላ ጥርጣረ ነጺጋ።
ንሳ፡ ኣብ ሄልሲንኪ ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ዝኾነ ዘይሕጋዊ ነገር ኣይገበርኩን" ኢላ።
"ኣብ ዕድመ ንእስነተይ'ውን እንተኾነ፡ ዝኾነ ዓይነት ዕጸ-ፋርስ ተጠቒመ ኣይፈልጥን" ዝበለት ሚስ ማሪን፡ ስክፍታታት ንምህዳእ ገን፡ ነቲ መርመራ ከም ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዝወሰደቶ ገሊጻ።
እታ ቀዳመይቲ ሚኒስትር፡ ንጽህቲ ተገይራ ክትረአ መሰል ከምዘለዋ እውን ወሲኻ ሓቢራ።
ካብ ታሕሳስ 2019 ጀሚራ ኣብ ስልጣን ዘላ ሚስ ማሪን፡ "ኣድላዪ እንተዝኸውን ነይሩ ቅልጡፍ መንግስታዊ ውሳነታት ክትወስዲ ምኸኣልኪ’ዶ?" ዝብል ሕቶ ካብ ጋዜጠኛታት ቀሪቡላ።
"ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ቤተ መንግስቲ፡ ባይቶ ህዝቢ፡ ንምኻድ ዘገድድ ሃንደበታዊ ኩነታት፡ ሓደ ግዜ እኳ ከምዝነበረ ኣይዝክርን" ክትብል መሊሳ።
"ናይ ምስራሕ ዓቕመይ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ነይሩ ይመስለኒ። ኣብተን ድግስ ዝገብረለን ዝነበርኩለን መዓልታት ድማ እዚ ዝበሃል ኣኼባታት ኣይነበረን።"
ሚስማሪን፡ ትቕረጽ ከም ዝነበረት ከምእትፈልጥ’ኳ እንተገለጸት፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ንህዝቢ ምቕልሑ ግን ከምዝረበሻ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ፡ "ሰባት ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ስራሕ ግዜን ክፈላለዩ ከም ዘለዎም ከም ዝርድኡ እምነት ኣለኒ" ኢላ።
ሓንቲ ካብቶም ኣናእሽቱ መራሕቲ ዓለም ዝኾነት ሚስ ማሪን፡ ዝኾነ ድግስ ምስጢር ኣይትገብሮን እያ፡ብዙሕ ግዜ ድማ ኣብ ፈስቲቫላት ሙዚቃ ተቐሪጻ ትፈልጥ እያ።
ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ብጀርመናዊት ማዕከን ዜና ቢልድ፡ "ኣብ ዓለም 'ዝሓረፈት' ቀዳመይቲ ሚኒስተር" ተባሂላ ተጸዊዓ።
እታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ “ብዙሓት ደቂ ዕድመይ ዝኾኑ ዝገብርዎ እየ ገይረ" ኢላ።
ኣብዚ ሰሙን ክልተ ዝተፈላለዩ ቪድዮታት፡ እታ መራሒት ክትለሀ እትረኣየሎም እዮም ተዘርጊሖም።
እቲ ቀዲሙ ብሓሙስ ዝወጸ ቪድዮ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ነቐፌታ ኣበጊሱ።
ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ - ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተወስደ እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ - ንሳን ፍሉጣት ሰባት ፊንላንድን ኣብ ሓደ ናይ ገዛ ድግስ ክስዕስዑን ክደርፉን ይረኣዩ።
እታ ብዓርቢ ዝተዘርግሐት ካልኣይቲ ቪድዮ፡ ሚስ ማሪን ምስ ፊንላንዳዊት ፖፕስታር ኦላቪ ኡሲቪርታ ክትስዕስዕ ከላ ዘርኢ እዩ።
ኣብቲ ናይ ዓርቢ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓደ ሪፖርተር፡ ነታ ቀዳማይ ሚኒስተር "ሓደ ወዲ ኣብ ክሳድኪ ዝስዓመኪ ይመስል" ኢሉ ሓቲትዎ።
ንሳ ግን ነዚ ነጺጋቶ። ንሱ ይዛረባ ከምዝነበረን፡ ምናልባት'ውን ምዕጉርታ ከምዝሰዓማ ገሊጻ።
"ሓደ ሰብ ኣብ ምዕጉርተይ ዝሰዓመኒ እንተኾይኑ፡ ዘይግቡእ ወይ ንሰብኣየይ ክነግሮ ዝግባእ ነገር ኣይኮነን" ትብል።
ኣብ ማዕከናት ዜና ፊንላንድ፡ ብዛዕባ እቶም ቪድዮታት ብሰፊሑ ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ - እዚ ድማ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ንረብሓ ህዝቢ ዝምልከት ምዃኑ ምኽኑይ ገይሩዎ።
ካልኦት ፖለቲከኛታት ተቓወምቲ ሰልፊ ግን፡ ነቶም መራኸቢ ብዙሃን- ኣብ ክንዲ ዝያዳ ኣገደስቲ ህዝባዊ ጸገማት - ብዛዕባ እዚ ሰፊሕ ዛዕባ ገይሮም ምዝራቦም ነቒፎም።
እዚ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ፊንላንድ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ፖለቲከኛታትን ብዛዕባ ዝወሃቦም መጠን ውልቃውነትን ብርቱዕ ክትዕ ኣበጊሱ ኣሎ።
ዝሓለፈ ዓመት ሚስ ማሪን፡ ምስ ሓደ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሰብ ብቐረባ ድሕሪ ምርኻባ፡ ናብ ምሸታዊ ተልሂት ብምኻዳ ይቕሬታ ሓቲታ ምንባራ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







