ሰንካም ሽሮፖ ሰዓል፡ ወለዲ 66 ዝሞቱ ህጻናት ፍትሒ ይሓቱ

ማርያም ኩያተ

ምንጪ ስእሊ, OMAR WALLY

መግለጺ ስእሊ, ማርያም ኩያተ፡ ንሞት ወዳ ፍትሒ ክረጋገጽ ትሓትት

ቀያሕ መጻወቲ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣብ ሓደ ኵርናዕ እንዳ ማርያም ኩያተ ተጸጊዓ ዶሮና ክትእክብ ትርአ።

ነቲ ክልተ ዓመት ዘይመልአ ሙሳ ዝተባህለ ወዳ ተባሂላ ዝተዓደገት ትዅን እምበር፡ ንሱ ዝሓለፈ መስከረም ሞይቱ እዩ።

ሙሳ ሓደ ካብቶም፡ "ምስ ጠንቂ ማህሰይቲ ኵሊት ምትእስሳር ክህልዎ ወይ ከስዕብ ዝኽእል" ሽሮፖ ሰዓል ተዋሂብዎም ከምዝሞቱ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝግመቱ ዘለዉ 66 ቈልዑ ጋምቢያ እዩ።

ኣብታ ስድራ፡ ንመጻወቲታት ሙሳ ዘልዕል ሰብ የለን - ንዝኽሪ’ቲ ዝጠፍአ ቈልዓ ተባሂሉ ኣይትንከን እዩ።

እታ ካልኦት ኣርባዕተ ቈልዑ ዘለውዋ ጓል 30 ዓመት ኣደኡ፡ ንወዳ ዘጋጠሞ ሓደጋ እንክትዝክር ኣምሪራ ትነብዕ።

ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ጋምብያ ዝዀነት ሰረኩንዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤታ ኮፍ ኢላ፡ ሕማሙ ከም ዓይነት ጉንፋዕ ኢሉ ከም ዝጀመሮ ትገልጽ። ሓኪም ምስ ተራእየ፡ በዓል ቤታ ነቲ ጸገም ንምፍዋስ ዝተኣዘዘሉ ሽሮፖ ገዚኡ።

"እቲ ሽሮፖ ምስ ሃብናዮ፡ ጉንፋዕ ደው ኢሉ፣ እንተዀነ ካልእ ጸገም ኣስዒቡ፡" ትብል ወ/ሮ ኩያተ።

"ወደይ ኣይሸይንን ነይሩ።"

ወ/ሮ ኩያተ ወዳ ሒዛ ናብ ሆስፒታል ተመሊሳ፣ ሙሳ መርመራ ደም ክገብር ተላኢኹ፡ ዓሶ ከምዘይብሉ ኸኣ ተረጋጊጹ። ካልእ ሕክምና ተዋሂብዎ፣ ግን ኣይሰርሐን። ድሕሪኡ ካታተር ተገይሩሉ ሽንቲ ግን ኣየሕለፈን።

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ህጻን መጥባሕቲ ተገይሩሉ፣ ሽዑኡ’ውን ዝዀነ ምምሕያሽ ኣየርኣየን።

"ክሓዊ ኣይከኣለን - ሞይቱ።" 

ሙሳ

ምንጪ ስእሊ, KUYATEH FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ሙሳ፡ ሓደ ካብቶም 66 በቲ ሰንካም ሽሮፓ ዝሞቱ ቈልዑ ጋምቢያ እዩ

ኣብ መጀመርታ መዓልታት እዚ ሰሙን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ምስቲ ኣብ ጋምብያ ዘጋጠመ ሞት ህጻናት ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓይነታት ሽሮፖ ሰዓል ዓለማዊ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ።

እቶም ፍርያት - ፕሮሜታዚን ኦራል ሶሉሽን፡ ኮፈክስማሊን በይቢ ካፍ ሲሮፕ፡ ማኮፍ በይቢ ካፍ ሲሮፕን ማግሪፕ ኤን ኮልድ ሲሮፕን እዮም። [1. Promethazine Oral Solution, 2. Kofexmalin Baby Cough Syrup, 3. Makoff Baby Cough Syrup and 4. Magrip N Cold Syrup] እዞም ሽሮፖታት ብሓደ ‘መይደን ፋርማሲቲካልስ’ [Maiden Pharmaceuticals] ዝተባህለ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ህንዲ ዝተሰርሑ ኰይኖም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ውሕስነቶም መረጋገጺ ክህብ ከምዘይከኣለ እዩ ገሊጹ።

መንግስቲ ህንዲ ነቲ ኵነታት ይምርምሮ'ሎ። እቲ ትካል ካብ ቢቢሲ ንዝቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

እቲ ዘጋጠመ ሞት ህጻናት ኣብ ጋምብያ ሓያል ቍጥዐ ኣለዓዒሉ’ሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ‘ታ ሃገር ዶክተር ኣሕማዱ ላሚን ሳማተ ካብ ስልጣኑ ክወርድን ምስቶም መድሃኒት ናብታ ሃገር ዘእተዉን ብሓባር ኣብ ፍርዲ ክቐርቡን ሓያል ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

"ስሳን ሽዱሽተን ዓቢይ ቍጽሪ'ዩ። እቶም ህጻናት ሓንቲ ዘይኣበሱ ንጹሃት እዮም ስለዚ ፍትሒ ንደሊ ኣለና፡ " ትብል ወ/ሮ ኩያተ። 

ማርያም ሲሳዎ

ምንጪ ስእሊ, OMAR WALLY

መግለጺ ስእሊ, ሲሳዎ፡ ንጓላ ናብቲ ዓቢይ ሆስፒታል ቅድሚ ምውሳዳ፡ ሰለስተ ግዜ እያ ኣብ ማእከል ሕክምና ከባቢኣ ተመላሊሳ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓይሻ፡ ጓል ሓሙሽተ ወርሒ ዝዀነት ካልእ ግዳይ እያ።

ንሳ፡ ሓደ መዓልቲ ሽሮፖ ሰዓል ምስ ወሰደት፡ ኣደኣ ማርያም ሲሳዎ፡ ውላዳ ሽንቲ ከም ዘይተሕልፍ ዘላ ሓደ ንግሆ ተገንዘበት።

እታ ጓል 28 ዓመት መንእሰይ ኣደ፡ ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝገበረቶ ቀዳማይ ምብጻሕ፡ ኣብ ፍሕኛ - ስርዓተ ሽንቲ ጓላ ዝዀነ ጸገም ከምዘየለ ተነግራ። ዓይሻ ኣብዚ ሆስፒታል፡ ናብቲ 36 ኪ.ሜ ዝርሕቕ ኣብ ርእሰ ከተማ ባንጁ ዝርከብ ዓቢይ ሆስፒታል ቅድሚ ምኻዳ፡ ክልተ ግዜ ተመላሊሳ እያ።

ኣብቲ ዓቢይ ሆስፒታል ንሓሙሽተ መዓልቲ ድሕሪ ዝተገበረላ ክንክን ግን ሞይታ።

"ጓለይ ቃንዛ ዝመልኦ ሞት’ዩ ኣጋጢምዋ። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ እቶም ሓካይም ክወግኡዋ ኣብ ዝደለዩሉ እዋን ሰራውር ደማ ክርእይዎ ኣይክእሉን ነይሮም። ኣነን ካልኦት ክልተ ኣብ ሓደ ክፍሊ ዝነበርና ኣደታት ደቅና ስኢንና ኢና።"

"ክልተ ኣወዳት’ዮም ዘለውና፣ ዓይሻ ድማ እንኮ ጓል እያ ነይራ። ንሳ ምስ ተወልደት በዓል ቤተይ ኣዝዩ ተሓጒሱ ነይሩ፤ ክሳብ ሕጂ ምማታ ክኣምን ኣይከኣለን።"

ጋምብያ፡ ናብ ሃገር ዝኣተዉ መድሃኒታት ውሕስነቶም ንምርግጋጽ ዘኽእል ላቦራቶሪ ስለዘይብላ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ልኢኻ እያ ተረጋግጾም፡ ክብል ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና ጋምብያ ሙስጠፋ ቢታይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብዓርቢ 7 ጥቅምቲ፡ ፕረዚደንት ኣዳማ ባሮው፡ እታ ሃገር ከምዚ ዓይነት ላቦራቶሪ ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ብቴሌቪዥን ‘ታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምምልካት፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ወጻኢ ንዝኣትዉ መድሃኒታት ዝምልከት ሕግታትን መምርሕታትን ክግምግም መምርሒ ኣሕሊፉ’ሎ።

ወ/ሮ ሲሳዎ፡ መንግስቲ ዝያዳ ትኵር ክኸውን እዩ ነይርዎ ኢላ ትኣምን።

"እዚ ተጓንፎ’ዚ ንወለዲ ዓቢይ ትምህርቲ'ዩ፣ እንተዀነ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ መንግስቲ'ዩ ዘሎ። ዝዀነ ዓይነት መድሃኒት ናብ ሃገር ኣትዩ ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሉ፡ ብቝዕ ድዩ ኣይኰነን ብግቡእ ክምርመር ኣለዎ" ትብል።

ኪጀራ

ምንጪ ስእሊ, OMAR WALLY

መግለጺ ስእሊ, ኪጀራ ወዱ ንኸሐክም ናብ ሰኔጋል'ኳ እንተኸደ ከትርፎ ግን ኣይከኣለን

ኢሳቶ ቻም፡ ብሞት ወዲ ክልተ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ወዳ መሓመድ፡ ከቢድ ጓህን ጭንቅን ስለዝተሰምዓ ክትዛረብ ኣይከኣለትን።

እናበኸየት፡ ምስ ካልኦት ክልተ ደቃ ካብ ሳሎን ናይቲ ኣብ ሰረኩንዳ ዝርከብ ገዛኦም ወጺኣ።

ኣቦ መሓመድ፡ ኣሊዩ ኪጀራ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ወዱ ዘጋጠመ ኵነታት ይገልጽ።

መሓመድ፡ ረስኒ ምስ ተሰምዖ ናብ ሆስፒታል ከም ዝወሰድዎን ሽንቲ ከሕልፍ ከም ዘይከኣለን ሓቢሩ። እቶም ሓካይም ግን ሕክምና ሕማም ዓሶ እዮም ዝገብሩሉ ነይሮም፣ ኵነታቱ ኸኣ እናገደደ ከይዱ።

እቶም ሓካይም ጸኒሖም፡ ኣብታ ዝሓሸ ኣገልግሎት ጥዕና ክርከበላ ዝኽእል ጐረቤት ሃገር ሰኔጋል ከይዱ ክሕከም ከም ዘለዎ መኺሮም፣ እንተዀነ ገለ ምምሕያሽ’ኳ እንተነበረ፡ ከድሕኖ ግን ኣይከኣለን።

ኪጀራ፡ ሃገሩ ብቝዕ ስርዓት ጥዕና ስለዘይብላ ናብ ወጻኢ ኬድካ ውላድካ ምሕካም ኣመና ኣቝጢዕዎ እዩ።

"መሳርሒታትን ቅኑዕ መድሃኒትን እንተዝህሉ ነይሩ፡ ወደይን ካልኦት ብዙሓት ቈልዑን ክድሕኑ ምኸኣሉ ነይሮም፡" ይብል።