ሞት 66 ህጻናት ምስ ሽሮፕ-ሰዓል ህንዲ ምትእስሳር ከይህልዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ኣብ ጋምቢያ ዘጋጠመ ሞት 66 ህጻናት ምስቶም ኣብ ህንዲ ዝተሰርሑ ኣርባዕተ ሽሮፕ ሰዓል ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
እቶም ኣፋውስ፡ ብናይ ህንዲ ኩባንያ ሜይደን ፋርማሲቲካልስ ዝፈርዩ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ድሕንነቶም ውሕስና ክህብ ከምዘይከኣለ እቲ ውድብ ሓቢሩ።
እቲ ኣፍራዪ ኣፋውስ ትካል፡ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን።
ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ሜይደን ፋርማሲቲካልስ ፈቲኑ ነይሩ።
ሰበስልጣን ህንዲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መንጎ እቶም ሽሮፕን እቲ ሞትን ዘሎ ምትእስሳር ዝምልከት መርትዖታት ከቕርብ ከምዝሓተቱ ይገልጹ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም መድሓኒታት ፕሮሜታዚን ኦራል ሶሉሽን፡ ኮፌክስማሊን ቤቢካፍ ሲረፕ፡ ማኮፍ ቤቢ ካፍ ሲረፕን ማግሪፕ ኤን ኮልድ ሲረፕን ምዃኖም ኣለልዩ እዩ።
እቶም ኣርባዕተ ፍርያት ኣብ ጋምብያ ዝርከቡ'ኳ እንተኾኑ፡ "ብዘይ ስሩዕ ዕዳጋታት፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ወይ ዞባታት ተዘርጊሖም ክኾኑ ይኽእሉ" ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ወሲኹ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ ይሕብር።
ንዞም ሽሮፓት ምጥቃም፡ ብፍላይ ኣብ ህጻናት ከቢድ መጉዳእቲ ወይ ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል እዩ እቲ ውድብ ዘጠንቅቕ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ጋምብያ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ሕዱር መጉዳእቲ ኩሊት ከምዝወሰኸ ሰብመዚ ሕክምና ምግላጾም ስዒቡ እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።
መንግስቲ ጋምብያ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቶም ሽሮፓት ኣጊዱ ሰባት ኣብ ክንድኡ ክኒን ክጥቀሙ ከምዘተሓሳሰበ ይፍለጥ።
ካብ’ቲ እገዳ ጀሚሩ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት እናነከየ’ኳ እንተመጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግን ካልኦት ክልተ ሞት ከምዝተመዝገበ ዳይረክተር ኣገልግሎት ጥዕና ጋምብያ ሙስጠፋ ቢታይ ንፕሮግራም ፎከስ ኦን ኣፍሪቃ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ጋምብያ መድሃኒታት ውሑስ ድዮም ኣይኮኑን ንምምርማር ዘኽእል ላቦራቶሪ ስለዘይብላ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንክምርመሩ ክትልእኽ ከትምዝተገደደት ገሊጹ።
ሚስተር ቢታይ ወሲኹ፡ ጋምብያ ንቤተ-ፈተነ ምቁጽጻር ጽሬት ዝኸውን ምወላ ንምርካብ ምስ ባንክ ዓለም ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ሓቢሩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቶም ንጥረ ነገራት መርዛማትን፡ ሳዕቤናቶም ድማ "ቃንዛ ከብዲ፣ ውጽኣት፣ ተቕማጥ፣ ሽንቲ ምሻን ዘይምኽኣል፣ ሕማም ርእሲ፣ ምቕያር ኩነታት ኣእምሮን ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሕዱር መጉዳእቲ ኩሊትን ከጠቓልል ይኽእል" ይብል።
ብተወሳኺ ሚስተር ቢታይ፡ ኣሰር ናይቲ ተምላስን ውጽኣትን ከስዕብ ዝኽእል ኢ.ኮሊ ዝተበሃለ ባክቴርያ እውን ከምዝተረኸበ ገሊጹ።
ሰበስልጣን ጥዕና ጋምብያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብልክዕ ቁጽሮም ከይጠቐሱ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ህጻናት ከምዝሞቱ ገሊጾም ነይሮም።
ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "ሞት እዞም ህጻናት ንስድራቤቶም ልቢ ዝሰብር'ዩ" ኢሉ።
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ማእከላይ ትካል ምቁጽጻር ደረጃ መድሃኒት ህንዲ፡ እቲ ኣፍራዪ ነቲ ዝተበከለ መድሃኒታት ናብ ጋምብያ ጥራይ ኣቕሪቡ ክኸውን ከም ዝኽእል ከም ዘመልከተ፡ ካብ ትካል ጥዕና ሕቡራት ሃገራት ዝመጸ ኢመይል ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ግን "እቲ ኣፍራዪ ኣብ ካልኦት ፍርያት ተመሳሳሊ ዝተበከለ ትሕዝቶ ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወይ ናብ ወጻኢ ዘርጊሑ" ክኸውን ከምዝኽእል ብምጥቃስ "ዓለማዊ ምቅላዕ" ተኽእሎ ከምዘሎ የተሓሳስብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







